እስራኤል ንክፍትሑ ዝጠቐሰቶም ፍልስጤማውያን እሱራት መን'ዮም? ክንደይ እሱራትከ ኣለው?

እስራኤልን ሓማስን ኣብ ምልውዋጥ እሱራትን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ክገብሩን ከምኡ’ውን ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ከብሉን ተሰማሚዖም ኣለው።

እቲ ተኹሲ ደው ምባል፡ ሎሚ ረፋድ ሰዓት 10፡00 (4፡00 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ክጅምር እንከሎ፡ እቲ ምልውዋጥ እሱራት ድማ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝካየድ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ እዩ።

እስራኤል ዝርዝር ክፍትሑ ዝኽእሉ 300 ፍልስጤማውያን ከም ዘውጽአት’ውን ይፍለጥ።

መብዛሕትኦም ዕድሚኦም 17 ወይ 18 ዓመት ኰይኑ፡ ብጠቕላላ ካብ 14 ክሳብ 59 ዓመት ዘለው ሰባት ይርከቡዎም።

ካብቶም እሱራት ኣስታት 274 ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣብ እስራኤል ሕጋዊ ኣገባብ ስለ ዝዀነ’ዩ ዝርዝር እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን ወግዓዊ ኰይኑ።

ኣብታ ሃገር፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን እሱር ምፍታሑ፡ ዜጋታት እስራኤል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ይግባይ ንክብሉ 24 ሰዓታት ክወሃቦም ኣለዎ።

ኣብቲ ካብ ሎሚ ሓሙስ ክጅምር ተሓሲቡ ዘሎ ቀዳማይ ምዕራፍ ምፍታሕ እሱራት፡ ሓማስ ብድምር 50 ጅሆ ዝተታሕዙ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክፈትሕ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ 12 ሰባት ክፈትሑ ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪኡ እስራኤል 150 ፍልስጤማውያን ክትፈትሕ እያ።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ብነፍሲ ወከፍ 10 ጅሆ ዝፍታሕ ብሓደ መዓልቲ ክናዋሕ እዩ።

በዚ መሰረት፡ “ክሳብ” 50 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ካብ ቓዛ እንተተፈቲሖም፡ “ክሳብ” 150 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መራሕቲ ዓለም ነቲ ብሸምጋልነት ቀጠር ዝተገብረ ስምምዕ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለው።

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ዝተባህለ ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ምውሳዱ ይፍለጥ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ክትፍጽሞ ብዝጸንሐት መጥቃዕታት ግብረ መልሲ፡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 14 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብደብዳብ ነፈርቲን መጥቃዕቲ ምድርን ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ የመልክቱ።

ታሪኽ ምልውዋጥ እሱራት

እስራኤል ብገበናት ዝኸሰሰቶም ክትፍሑ ዝኽእሉ ዝርዝር 300 ፍልስጤማውያን እሱራት ወግዓዊ ገይራ ኣላ።

እዚኦም፡ ብፈተነ ቅትለት፡ ቦምባ ምድርባይ፡ ነታጒ ነገር ምፍጣር፡ እምኒ ምድርባይ፡ ምስ ተጻባኢ ትካል ርክብ ብምፍጣርን ዝብል ክስታት ዝቐረበሎም ይርከቡዎም።

ዋላ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈሩ ሰባት ግን ብቕትለት እስራኤላውያን ዝተፈርደ የለን።

ኣብ ታሪኽ ክልቲኦም ወገናት፡ ዝለዓለ ሽም ዘለዎ ምልውዋጥ እሱራት እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዝተፈጸመ’ዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ምርኰ ሓማስ ዝጸንሐ እስራኤላዊ ወተሃደር ጊላድ ሻሊት ተፈቲሑ።

እስራኤል፡ ነዚ ወተሃደር ነጻ ንምውጻእ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝበጽሓቶ ስምምዕ 1027 ፍልስጤማውያን እሱራት ፈቲሓ።

ገለ ካብቶም ነጻ ዝወጽኡ ፍልስጤማውያን እሱራት ድማ ከም መራሒ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝዀነ ያህያ ሲንዋር ዝበሉ ብቕትለት ተፈሪዶም ዝነበሩ ይርከቡዎም።

እዚ ውልቀሰብ፡ በቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ካብ ሞንጐ ዝዀኑ’ዩ ይብሃል።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2004 ዝተኻየደ ካልእ ዓብዪ ምልውዋጠዕ እሱራት’ውን ይጥቀስ።

ኣብቲ እዋን፡ እስራኤል ምስቲ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሒዝቦላህ ብዝገበረቶ ስምምዕ 436 ፍልስጤማውያንን ካልኦት ኣዕራብ እሱራትን ፈቲሓ።

በዚ፡ እስራኤላዊ ነጋዳይ ኤልሃናን ታንነንባምን ብ2000 ካብ ሓለዋ ዶብ ዝተጨውዩን ዝሞቱን ሰለስተ ወተሃደራት ኣምሊሳ።

ምውሳኽ ብዝሒ እሱራት

ቁጽሪ ኣብ እስራኤል ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ይውስኽ’ዩ ዘሎ፤ ክሳብ 6 ሕዳር 2023 ጥራይ እቲ ቑጽሪ ናብ ሸውዓተ ሽሕ ከም ዝደየበ ፍልስጤማዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣዳሚር (Addameer) ሓቢሩ።

እዚ ድማ 80 ደቂ ኣንስትዮን 200 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ዘጠቓልል’ዩ።

እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ልዕሊ 3 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እስራኤል ኣብ 2021፡ ኣዳሚርን ካልኦት ሓሙሽተ ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሲቪላዊ መሰላትን ፍልስጤም "ሽበራዊ" ትካላት ኢላቶም’ያ።

ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላትን ግን ነዚ ይነጽጉዎ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2023፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ እስራኤል (IPS) “ጸጥታ” ኢሉ ብዝገለጾ ምኽንያት ን146 ትሕቲ ዕድመ ፍልስጤማውያን ከም ዝኣሰሮም ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል 'B'Tselem' ይሕብር።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ እቲ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ እስራኤል ኣትዮም ተረኺቦም ዝበሎም 34 ትሕቲ ዕድመ ፍልስጤማውያን ሒዙ ከም ዝነበረ ወሲኹ ጠቒሱ።

ክለብ ፍልስጤማውያን እሱራት ዝተባህለ ካልእ ተሓላቒ መሰላት ፍልስጤም ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ሓማስ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ እሱራት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ከም ዝሞቱን፡ እቶም ሓሙሽተ ብ7 ጥቅምቲ ዝተኣስሩ ምዃኖምን ይገልጽ።

ክስን ፍርድን ዘይብሉ

እስራኤል 'ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ' ዝበሃል ስርዓት ኣለዋ።

እዚ፡ ሓደ ሰብ ዝቐርበሉ ክሲ እንከይሰምዐ ወይ ቤት ፍርዲ እንከይቐረበ ክእሰር ዝገብር ስርዓት እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እስራኤላዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሃሞክድ፡ ክሳብ ሓደ ሕዳር ኣስታት 2070 ፍልስጤማውያን ምምሕዳራዊ እሱራት ነይሮም።

እዚ ቁጽሪ፡ ሓማስ መጥቃዕቲ ክሳብ ዝፈጸመሉ ዕለት 1319 ከም ዝነበረ ድማ ይገልጽ።

ዳይረክተር ሃሞከድ ጀሲካ ሞንተል ነቲ ሕጂ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሓጎስ ተቐቢላቶ ኣላ።

“ሰባት ጅሆ ምሓዝ ንባዕሉ ዘይሕጋዊ፡ ገበን ኲናት'ዩ። ሓማስ ድማ ንኹሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሖም ኣለዎ። እስራኤል እውን ነዚ ዕላማ ንምፍጻም እሱራት ክትፈትሕ ግቡእ'ዩ” ኢላ።

ብተወሳኺ ብምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዘለው ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ነጻ ክወጽኡ’ዮም ኢላ።

“እዞም ሰባት'ውን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ነይርዎም፤ ስለዚ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያን ምምሕዳራዊ እሱራትን ንምፍታሕ ዝግበር ስምምዕ ቅቡል'ዩ”።

ነቐፌታ ሕቡራት ሃገራት

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓያሎ ነቐፌታታት የቕርብ ነይሩ።

ወለዶታት ፍልስጤም “ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እስራኤል” ኰይኖም “ሰፊሕን ስርዓታውን ኢደ-ወነናዊ ምምንዛዕ ናጽነት” ከም ዝተጻወሩ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ብፍልይቲ ራፖርተር ካብ 1967 ጀሚሩ ዝተጐብጡ ግዝኣታት ፍልስጤም ፍራንቸስካ ኣልባነስ ዝቐረበ ጸብጻብ “ካብ 1967 ጀሚሩ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 800 ሽሕ ፍልስጤማውያን፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብዝተሓንጸጸ፡ ዝተተግበረን ዝተበየነን ምልካዊ ሕግታት ተኣሲሮም’ዮም ይብል።

ንሳ፡ ነቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ክትበጽሕ ከም ዘይተፈቕደላ ብምግላጽ ናብ ዮርዳኖስ ብምኻድ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብርሑቕ ቃለ መሕትት ከም ዝገበረት ትገልጽ።

እስራኤል ነዚ ብምንጻግ፡ ዕማም እታ ፍልይቲ ራፖርተር “ኣብ ልዕሊ እስራኤልን እስራኤላውያንን ኣድልዎ ንምፍጻም” ብዝብል እንኮ ዕላማ ዝተፈጥረ’ዩ ትብል።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሴቭ ዘ ቺልድረንን ኣብ ዓመት ካብ 500 ክሳብ 700 ፍልስጤማውያን ህጻናት ናብ ወተሃደራዊ መዳጎኒ ስርዓት እስራኤል ከም ዝኣትዉ ይገልጹ።