ክርስቲያን ቓዛ፡ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ኣጽሊሎም ውሕስነት ይደልዩ

ሱሄል ሳባ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓረብ እዩ።

“ሃንደበት ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ዳርጋ ኣብ ኣየር ዝበርር ክንቲት ኰይነ” ይብል ውጻእ መዓት እቲ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፖርፊርዮስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር - ሱሄል ሳባ።

“ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተኸላቢተ፤ ኮንክሪት ናብ መሬት ይወድቕ. . . ሰባት ተዓንቂፎም ኣብ ዝባነይ ይወድቁ ነይሮም። ኣውያት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ይሰምዕ ነይረ።”

“ሮኬት ብቐጥታ ኣብ ህንጻ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ወዲቓ ትሽዓተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብቕጽበት ሞይቶም" ይብል።

ንሱ፡ ኣብ ርእሱ፡ ሕቘኡን እግሩን መጕዳእቲ ከም ዝወረዶ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ጽዑቕ ደብዳብ እዩ ነይሩ፡ ልክዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ።”

ካብዚ መጥቃዕቲ ዝተረፈ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፖርፊርዮስ ሕጂ’ውን ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ።

ሳባ ግን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስድራቤት ኣዕቚቡ ይርከብ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝተኸፍታ ክልተ እንኰ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣዕቊቦም ዘለው ኣማኢት ኣባላት ማሕበረሰብ ክርስቲያን እዩ።

እዚኦም፡ ሰራዊት እስራኤል ነበርቲ ካብ ቓዛ ክወጽኡ ድሕሪ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እዮም ምውቕ ገዛኦም ገዲፎም ወጺኦም።

መጥቃዕቲ ሚሳይል

ብ19 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፖርፊርዮስ ዝርከብ ህንጻ ብሚሳይል ተወቒዑ።

ኣባላት እታ ቤተ ክርስቲያንን መሰኻኽር ዓይንን ከም ዝብሉዎ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ሞይቶምን ህጻናት ዝርከብዎም ካልኦት ዓሰርታት ቈሲሎምን’ዮም።

እስራኤል፡ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዒላማ ኣይገበርኩን ብምባል ትነጽጐ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሊዮር ሃያት፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዝዓጸዎ ትሕተ ቕርጺ ድሕሪ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ፡ “ጐድናዊ ዕንወት” (collateral damage) ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኵሉ ነገር ቀልጢፉ’ዩ ኰይኑ” ትብል ሞና (ትኽክለኛ ሽማ ኣይኰነን)።

“ብዘይ ዝዀነ መጠንቀቕታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ነይሩ። ድሕሪኡ ዶሮና ተኸዲንና። ዋላ ሓደ ክንርኢ ኣይከኣልናን”።

ናብ ቢቢሲ ዝተላእከ ምስሊ፡ ነበርትን ኣባላት ሲቪል ምክልኻልን ኣብ ጸልማት እናተፍሓዂ ነቲ ፍርስራስ ብኢዶም እናልገሱ ዝተጸቕጡ ሰባት ክደልዩ የርኢ።

ከምቲ ኣብ ላዕልን ታሕትን ናይዚ ዛንታ ዝርአ ዘሎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ፍርስራስ ሰላማዊ ድቃስ ዝደቀሰ ሓድሽ ዝተወልደ ዕሸል ዘርኢ ስእሊ'ኳ እንተነበረ፡ ቢቢሲ ግን እቲ ህጻን ካብቶም ዝደሓኑ እንተዀይኑ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ካብ ፍርሒ ብዝነቐለ ንድሕነቶም ብዝብል ብብዝሒ ዝተጠምቁ ህጻናት ዘርእዩ ስእልታት ተዘርጊሖም ነይሮም።

ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ዝነብር ፍልስጤማዊ ክርስቲያን ሙንተር ኢሳቕ፡ “ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከቡ ክርስቲያን ንዝኸፍአ ኵነታት’ዮም ዝዳለው ዘለው” ይብል።

ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ዘዕቈቡ ክርስቲያን

ኣስታት 900 ክርስቲያናት ኣብታ ምስ ማሕበረሰብ ኦርቶዶክስ ግሪኽ እትተኣሳሰር ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፖርፊርዮስን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤትን ኣዕቚቦም ኣለዉ።

ኣብ ቓዛ፡ 1,100 ሰባት ኣባላት ኦርቶዶክስ ግሪኽን ካቶሊካውያንን ጕጅለታት ኰይኖም፡ እዚኦም ካብ ብዝሒ ህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ ትሕቲ 0.05% ይሕዙ።

መብዛሕትኦም ኣብ መላእ ቓዛ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኦርቶዶክስ ግሪኽ እዮም።

ሓደ ስሙ ክዕቀረብ ዝመርጸ ኣባል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ግሪኽ ከም ዝበሎ፡ ገለ ካብዞም ክርስቲያን ድሕሪ እቲ ብ1948 ዝተፈጸመ "ናቕባ" - ብዓረብኛ "መዓት" ዝብል ትርጕም ዘለዎ ናብ ቓዛ ዝኣተው’ዮም።

ኣብ እዋን ኲናት ዓረብን እስራኤልን፡ ልዕሊ 700 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ መንበሪኦም ብኣስገዳድ ክመዛበሉ ምኽንያት ኰይኑ።

ካልኦት ድማ መበቘሎም ካብ ቀዳሞት ነበርቲ ዝጅምር ኰይኑ፡ “ካብ ዘይኣማንያን ናብ ክርስትና ምስ ተቐየሩ ካብ 402 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሮም ኣብዚ መሬት ዝነብሩ እዮም" ይብል።

ኣባል ቤት ምኽሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓረብ ኤልያስ ጃራዳ፡ ክርስትያናት ቓዛ መበቈሎም ቅድሚ 400 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝጅምር ብምግላጽ፡ መብዛሕትኦም እቶም ሕጂ ዘለው ወለዶታት እቲ ጥንታዊ ሕብረተሰብ ከም ዝዀኑ ይዛረብ።

ዕጽዋ

እስራኤልን ግብጽን ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣፍደገታት ቓዛ ዕጽዋ ኣጽኒዐን ዝጸንሓ ኰይነን፡ ነበርቲ ቓዛ ኣቐዲሞም ዝሓቱዎ ወግዓዊ ፍቓድ ሒዞም ጥራይ እዮም ክወጽኡ ዝፍቀደሎም።

ምስ ስድራኣ ኣብ ከተማ ቓዛ እትነብር ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ሪም ጃራዳ፡ ንመወዳእታ ግዜ ነታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እትነብር ሓፍታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እያ ርእያታ።

ሓፍታ ቅድሚ 25 ዓመት ኣቢሉ ናብኡ ግዒዛ።

ይዅን እምበር፡ ሪም፡ ፍቓድ መገሻ እስራኤል “ወትሩ ንገለ ኣባላት ስድራ ወይ ህጻናት ጥራይ ከም ዝወሃብ" ትዛረብ።

ወሲኻ ድማ “በዓል ቤተይ ተዋሂብዎ ኣይፈልጥን” ኢላ።

“ደቂ ሓፍተይ ተመርዕየን ኣለዋ፡ ወዳ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ። እንተዀነ ሓጐሶም ክንካፈል ኣይከኣልናን” ትብል ሪም።

“ብኢንተርነት ክንራኸብ ንፍትን፤ እዚ ግን ወትሩ ዝርከብ ኣይኰነን።”

'ጽንብላትና ህዱኣት’ዮም’

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግሪኽ፡ “ኵሉ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ንፍጽም ኢና፤ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቤተልሄምን ንዝርከቡ ክርስትያን ግን ዝተፈላለየ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ጽንብላትና ህዱኣት'ዮም” ይብል።

ብዝሒ ማሕበረሰብ ክርስትያን ቓዛ ንእሽቶ ምዃኑ ንዅሉ ዓይነት ምትእስሳር ዝጸሉ ምዃኑ ኣባል ቤት ምኽሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዓረብ ኤልያስ ጃራዳ ይዛረብ።

“ኣብ ቓዛ ውሑዳት ኢና። ደቅና ምስቲ ካልእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክራኸቡን ምስ ስድራኦም ክላለዩን ንቡር ህይወት ክመርሑን ንደሊ” ይብል።

“ኣብዚ ዘሎ ዶባት [ህይወት] ኣዝዩ ጽኑዕ'ዩ" ዝብል ኤልያስ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ኣስታት 2% ካብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን- ካብ ሲቪላዊ መዝገብ ዝተደምሰሰት ሓንቲ ስድራቤት እትርከቦ- ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ” ብምባል ይገልጾ።

‘ምርጫ ሞት እምበር ምርጫ ህይወት የለን’

ምኽትል ፕረዚደንት ኣብ ቓዛ ዝርከብ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ላቲን ፓትርያርክ ቀሺ ዮሴፍ ኣሳድ ከም ዝበሎ፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ኣስታት 550 ተመዛበልቲ ከም ዘለዉን፡ ካብዚኦም 60 ፍሉይ ድሌት ዘለዎምን ገና ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናትን ከም ዝርከቡዎምን ሓቢሩ።

"ኣብ ህንጻ ናይቲ መደቀሲ ክፍልታት፡ ሽቓቕ ወይ መሸፈኒ ዘይብሉ ቤት ትምህርቲ ላቲን ፓትርያርክ ኢና ዘለና።

ቅዱስ ፖርፊርዮስ መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ፡ ኣስታት 100 ሰባት መጽለሊ ስኢኖም።

እስራኤል፡ ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲታት ግብረ መልሲ ትህብ ምህላዋ ትገልጽ።

ኣብቲ ዕለት፡ ዕጡቓት ሓማስ ልዕሊ 1400 ሰባት ከም ዝቐተሉን 239 ሰባት ድማ ጅሆ ከም ዝሓዙን ተገሊጹ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ እስራኤል 3,457 ህጻናት ዝርከብዎም 8,306 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብ30 ጥቅምቲ ሓቢሩ።

ቀሺ ኤልያስ ጂልደህ ኣብኡ ንዘሎ ስምዒታት ብሓጺሩ “ሕርቃንን በደልን ይስምዓና፤ መከላኸሊ ድማ የለን፡ ኣብ ዳርጋ ኣብ ጫካ ከም ዘለና’ዩ ዝቝጸር” ይብል።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ድማ፡ “ንሰባት ንህይወት ዝኸውን ምርጫ ኣይሃቡን፤ ናብ ሞት ዝመርሕ ምርጫ ጥራይ'ዮም ሂቦምዎ” ኢሉ።

ሪም "ኣብ ቓዛ እንታይ ክኸውን እዩ? ክንመዛበል ዲና? ብዛዕባ ደቀይ እሓስብ፤ ካብቲ ዕጽዋ ወጺኦም ኣብ ወጻኢ ሃገር ክሰርሑ ምተመነኹ። ነዚ ህይወት ለሚድናዮ ኢና፤ ግን ስለ ምንታይ ምሳና ይሳቐዩ?” ክትብል ትሓትት።