እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ኣዘዝቲ እስላማዊ ጅሃድ ብደብዳብ ነፋሪት ቀቲላ
እስራኤል ኣብ ቓዛ ብደብዳብ ነፋሪት ሰለስተ ኣዝዝቲ እስላማዊ ጅሃድ ዝርከብዎም 12 ፍልስጤማውያን ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ።
ሰብመዚ ጥዕና ፍልስጤም ብወገኖም በቲ ደብዳብ ካብቶም ዝተቐተሉ ሰለስት ደቂ ኣንስትዮን ሰለስት ህጻናት ከምዝርከብዎምን ካልኦት ዕስራ ሰባት’ውን ከምዝቘሰሉ ኣፍሊጦም።
እስራኤል ንዜጋታታ ስግኣት ዝዀኑ ሚልሻታት እስላማዊ ጅሃድ ዓሊማ ነቲ ደብዳብ ከምዘካየደቶ’ያ ገሊጻ።
እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሕነ ንምፍዳይ ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝፍጽም ኣጠንቂቝ'ሎ።
ኣብዚ እስላማዊ ጅሃድ ሕነ ክፈዲ’የ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ሓማስ ነቲ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ክሕወሶ ይኽእል ድዩ ዝብል ዛዕባ ቀንዲ ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ዘሎ ነጥቢ ከምዝዀነ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ ይገልጹ።
ሰብመዚ እስራኤል፡ ኣብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ንምውሳድ ንመዓልታት ምድላዋት ከካይዱ ከምዝጸንሑ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣርባዓ ዝዀና ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እስራኤል፡ ኣብ መላእ ቓዛ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምፍጻም ኣባይቲ እናሃረማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስንባዳት ክፈጥራ ጸኒሐን’የን።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ኣሳእል ክልተ ዝዓነዉ ዓበይቲ ህንጻታት ገለ’ውን ከፊላዊ ዕንወት ዘጋጠሞን ዘርኢ’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ብዘይካ ነቶም ሰለስተ ላዕለዎት ሓላፍቲ ምቕታሎም፡ ሓይሊ ኣየሩ እቲ እስላማዊ ጅሃድ ንመስርሒ ብረት ዝጥቐመሉ ዝነበረ ዓሰርተ ቦታታትን ሽዱሽተ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ከምዝደብደበ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብርጌድ ኣልቕዱስ ዝተበሃለ ሓደ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይቲ እስላማዊ ጕጅለ፡ ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቱ ካብቶም ብደብዳብ ነፋሪት ዝሞቱ ከምዝዀኑ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ እቶም ብደብዳብ ነፋሪት እስራኤል ዝተቐተሉ ሓለፍቲ ጽሓፊ ብርጌድ ኣልቕዱስ ሻከር ኣልቐናም፡ ኣባል ወተሃደራዊ ባይቶን ኣዛዚ ዞባ ሰሜንን ኸሊል ሳልሕ ኣልባሕተቲንን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓላፊ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ጣሪቕ ሙሓመድ ዑዘዲንን ከምዝዀኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣልቕዱስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “በቶም ምስ ኣንስቶምን ደቆምን መስዋእቲ ዝዀኑ መራሕትና ኣብ እንሓዝነሉ፡ ደም ስውኣትና ንጽንዓትን ከምዘወስኾ ከነረጋግጽ ንፈቱ” ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ “ካብ ዘለናዮ ምንቕ ኣይክንብል ኢና ቃልስና’ውን ክቅጽል’ዩ፡” ኢሉ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮቭ ጋላንት ብወገኑ “ንህዝቢ እስራኤል ዝሃሰየ ብተግባሩ ከምዝጣዓስ ክንገብሮ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዝነበሩ ፍሊስጤማውያን ብዘካየድዎ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ሞቱ፡ እስላማዊ ጅሃድ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሮኬት ክፍጽም ከምዝጸነሐ ዝዝከር’ዩ።