መልክዕ የሱስ ብሓቂ እንታይ ይመስል?

የሱስ ክርስቶስ ብ29 ታሕሳስ ኣብ ቤተሊሄም ከም ዝተወለደ ይእመን። ኣብ ናዝሬት ዓብዩ፡ ናብ ኵሉ እናዘረ ድማ ጽቡቐ ተግባራት ንደቂ ሰባት ምሂሩን ረዲኡን።

እዚ ድማ ፍቐሪ፡ ምትሕልላይን ኣክንዲ ካልኦት ምሕላፍን ክምህር ክብጆ ስለዝነበሮ፡ ን40 መዓልታት ጸይሙ፤ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ተሰቒሉ፤ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ተንሲኡ።

እታ በጃ ዝዀነላ መዓልቲ ስቕለት ተባሂላ፤ ድሕሪኡ ዘላ ሰንበት ድማ በዓለ-ትንሳኤ እያ።

በዓለ-ትንሳኤ፡ ንዝተዓገሰ ድሕሪ መሪር ስቓይ ተስፋን ዓወትን ከም ዝረክብ የመልክት፡ ክብሉ ሰበኽቲ-ኣብያተ-ክርስትያናት ኣስፊሖም ይገልጽዎ።

ብመሰረት እዚ፡ ህዝበ-ክርስትያን ን40/55 መዓልታት ይጾሙ፤ የሱስ ክርስቶስ ንዝተሰቐለላ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ይዝክሩ ከምኡ’ውን ኣብታ ካብ ሞት ዝተንሰአላ ሰንበት፡ ትንሳኤ ክርሰቶስ ይጽንብሉ።

ንየሱስ ክርስቶስ ዝፈልጡ ኣመንቲ ክርስትና ጥራይ ኣይኰኑን፤ ዳርጋ ኣብ ዓለም ዝርከብ ኵሉ ህዝቢ ይፈልጦ እዩ፣ ብስም ጥራይ ዘይኮነስ - ብመልክዕ’ውን። ዝዀነ ስእሉ ብቐሊሉ ክልለ ይኽእል።

ኣብ ኵሉ ስነ-ጥበብ ምዕራባውያን፡ እቲ ዝበዝሐ ዝተሳእለ የሱስ እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ስእልታቱ፡ ነዊሕ ጸጕርን ጭሕምን ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ነዊሕ ጻዕዳ ቀምሽ ለቢሱ ይርአ። ካባኡ’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ሰማያዊ እዩ።

ብሓቂ ግን የሱስ ከምቲ ኣብቶም ስእልታቱ እንርእዮ ድዩ ዝመስል ነይሩ? ምናልባት ዘይክኸውን ይኽእል።

ብሓቂ እዚ ፍሉጥ ምስሊ የሱስ ካብ ዘመነ ቢዛንታይን ካብ 4ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ዝመጸ እዩ። ውክልናታት ቢዛንታይን የሱስ ድማ ምሳልያዊ እዩ ነይሩ - ኵሉ ብዛዕባ እቲ ዝህቦ ትርጕም እምበር ብዛዕባ ታሪኻዊ ቅኑዕነት ኣይነበረን።

እቶም ስእልታት፡ ኣብ ስእሊ ናይ ሓደ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ሃጸይ ዝተመርኮሱ እዮም። ንኣብነት እዚ ኣብ ታሕቲ ኣብ መንበረ-ታቦት ቤተ ክርስትያን ሳንታ ፑደንዝያና ሮማ ዝርአ ስእሊ ተመልከቱ።

ኣብዚ ስእሊ የሱስ ወርቃዊ ቀምሽ ተኸዲኑ ይርአ። ንሱ ሰማያዊ ገዛኢ ኵሉ ዓለም እዩ፤ እዚ ባህርይ ድማ በቲ ፍሉጥ ሓወልቲ እቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ኦሎምፒካዊ ዜውስ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ሓወልቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ካብ ምዃኑ ዝተለዓለ ሮማዊ ሃጸይ ኣውጉስጦስ ብተመሳሳሊ ቅዲ (ብዘይ እቲ ኣምላኻዊ ነዊሕ ጸጉርን ጭሕምን) ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዳሕ ኣስሪሑ’ዩ።

ስነ-ጥበባውያን ቢዛንታይን፡ ንክርስቶስ ከም ሰማያዊ መራሒን ቆዝሞሳዊ ንጉስ ከርእዩ ስለ ዝደለዩ፡ ከም ንእሽቶ ቅዳሕ ዜውስ ጌሮም ኣቕሪቦሞ።

ምስ ግዜ ዘጋጠመ ነገር እንተሃልዩ፡ እዚ ኣሰኣእላ ክርስቶስ ከም ቅኑዕ መልክዕ የሱስ ክውሰድ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ እንተዀይኑ መልክዕ የሱስ ብሓቂ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ካብ ጫፍ እግሩ ክሳብ ጫፍ ርእሱ ንመልከት።

ጸጕርን ጭሕምን

ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ንክርስቶስ ከም ሰማያዊ ገዛኢ ገይሮም ኣብ ዘየቕርብሉ እዋን፡ የሱስ ከም ካልእ ጭቡጥ ሰብ፡ ማለት እውን ጭሕሚ ዘይብሉን ሓጺር ጸጕር ዘለዎን ገይሮም የቕርብዎ ነይሮም።

እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርአ ስእሊ ካብቶም ዘይጠፍኡ ቀዳሞት ምስልታት የሱስ ኰይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ 3ይ ክፍለ ዘመን ድሕረ ክርስቶስ ኣብ ኤፍራጥስ ኣብታ ዑና ከተማ ዱራ-ዩሮፖስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝተረኸቡ እዮም።

የሱስ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኮለል እናበለ ይምህር ስለዝነበረ ግን፡ ምናልባት የሱስ ጭሕሚ ምሃለዎ ነይሩ፤ ናይዚ ምኽንያት ቀሊል እዩ፤ ናብ እንዳ ቀምቃማይ ወይ መቃዛይ ኣይከይድን ነይሩ።

ሓደ ፈላስፋ፡ ካብ ካልኦት ተራ ሰባት ዝፍለ ብሓፈሻዊ ምቕሶ ጸጕሪን ጭሕምን እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ።

"ብመሰረት ተፈጥሮ ግቡእ’ዩ" ይብል ኤፒክተተስ ዝተበሃለ ፈላስፋ ጸዋርነት።

ኣብ 1ይ ክፍለ ዘመን ግሪኮ-ሮማዊ ዓለም፡ ጭሕሚ ምልጻይን ጸጕሪ ምሕጻርን ፍጹም ኣገዳሲ ተገይሩ ይውሰድ ነይሩ። ምዕሩግ ነዊሕ ጸጕሪ ርእሲን ጭሕምን ኣምላኻዊ መልክዕ እምበር ከም ፋሽን ደቂ ተባዕትዮ ኣይውሰድን። ፈላስፋታት'ውን ከይተረፉ ጸጕሮም ብመጠኑ የሕጽሩ ነይሮም።

ኣብ ጥንቲ፡ ጭሕሚ ከም መመለዪ ኣይሁዳዊነት ዝቝጸር ኣይነበረን። ብሓቂ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝነበሩ ጨቆንቲ ኣይሁድ ካብ ዘጋጥምዎም ዝነበሩ ጸገማት እቲ ሓደ፡ ኣይሁዳውያን ከም ኵሉ ካልእ ሰብ ስለዝመስሉ ብኸመይ ከም ዘለልይዎም ነይሩ፤ እዚ ኣብ መጽሓፍ መቃብያ (the book of Maccabees) ዝተገልጸ ነጥቢ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ሮማውያን ኣብ 70 ዓ.ም. ንየሩሳሌም ድሕሪ ምቍጽጻሮም ጁዳይ ካፕታ ዝበሃሉ ሳናቲም ኣሕቲሞም ነይሮም። ኣብቶም ሳናቲም ዝነበሩ ምስልታት ኣይሁዳውያን፡ ጭሕሚ ዘለዎም እሱራት የመልክቱ።

ስለዚ የሱስ ከም ሓደ "ተፈጥሮኣዊ" መልክዕ ዘለዎ ፈላስፋ መጠን፡ ከምቶም ኣብ ሳንቲም ይሁዳ ካፕታ ዝተሳእሉ ሰባት፡ ሓጺር ጭሕሚ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ጸጕሩ ግን ብዙሕ ነዊሕ ኣይነበረን።

ዋላ ቅሩብ ነዊሕ ጸጕሪ እንተዝህልዎ፡ ገለ ግብረ መልሲ ምተረኸበ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ዘይጽፉፍን ዘይውጉንን ጭሕሚ ከምኡ’ውን ቅሩብ ነዊሕ ጸጕሪ ዝነበሮም ኣይሁዳውያን ሰብኡት፡ ናዝራዊ ማሕላ ዝፈጸሙ ምዃኖም ብኡንብኡ ይፍለጥ ነይሩ።

እዚ ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ንኣምላኽ ውፉያት ይዀኑ እምበር ወይኒ ኣይሰትዩን ጸጕሮም’ውን ኣይቅምቀሙን። እቲ ናዝራዊ ማሕላ ምስ ዘብቅዕ ድማ - ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 21፡24 ተገሊጹ ዘሎ - ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ብፍሉይ ስነስርዓት ጸጕሮም ይላጸዩ እዮም።

እንተዀነ የሱስ ናዝራዊ ማሕላ ኣይፈጸመን፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ወይኒ ይሰትይ ነይሩ። ነቐፍቱ ኣዝዩ ኣዝዩ ብዙሕ ይሰቲ ከም ዝነበረ ይኸስዎ። ማቴዎስ ምዕራፍ 11፡19፡ “ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተ መጸ ኸዓ፥ እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግን ብደቃ ጸደቐት” ይብል።

ስለዚ ድማ ነዊሕ ጸጕሪ እንተዝህልዎን ናዝራዊ እንተዝመስልን ነይሩ፡ ኣብ መንጐ ትርኢቱን ግብሩን ዘይምስምማዕ ምሃለወ። ብፍላይ ወይኒ ምስታዩ ፈጺሙ ጸገም ምዀነ። ብዛዕባ’ዚ ድማ ገለ ርእይቶ ምተወሃበ ነይሩ።

ኣከዳድና

የሱስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ሃብታማት ሰብኡት ኣብ ፍሉይ ፍጻመታት ነዊሕ ክዳውንቲ ይኽደኑ ነይሮም። እዚ ዝገብሩ፡ ልዑል ደረጃኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምግላጽ እዩ።

ኣብ ሓደ ካብ ትምህርትታቱ (ማርቆስ ምዕራፍ 12፡38-39) የሱስ ከምዚ ይብል፡ “ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን፡ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ፡ ኢድ ክነስኡሎም ዝደልዩ፡ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ'ውን ዝለዓለ መንበር፡ ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ስፍራ ኻብ ዝደልዩ፡ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቝ!”

ኣበሃህላታት የሱስ ብሓፈሻ ከም ዝያዳ ቅኑዕ ክፋላት ወንጌላት ይቝጸሩ፤ ስለዚ ካብዚ የሱስ ብሓቂ ከምዚ ዝኣመሰለ ልብሲ ከምዘይለብስ ክንገምት ንኽእል።

ብሓፈሻ ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ ዓለም ዝነበሩ ሰብኡትክሳብ ብርኮም፡ ኣንስቲ ድማ ክሳብ ኵርዅሪአን ዝበጽሕ ቱኒክ ይኽደኑ ነይሮም። እዚ እንተለዋዊጡ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይነበረን።

ኣብቲ ኣብ መበል 2ይ ዘመን ዝተጸሓፈ ግብሪ ሃዋርያት ጳውሎስ ብዛዕባ ቴክላ፡ እታ ቴክላ ዝተባህለት ሰበይቲ ሓጺር (ናይ ተባዕታይ) ክዳን ክትለብስ ከላ ቅሩብ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። ዛንታ ቴክላ ሓደ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ፡ ሃብትን ጾታዊ ንጥፈታትን ገዲፈን ንሓዋርያት ክስዕባ ዝገልጹ ጸሓፊኦም ዘይፍለጡ ብዙሓት ግብሪ ሃዋርያት እዩ።

ኣሪስቶክራታዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝዀነት ቴክላ፡ ዋላ'ኳ ዓቢ ተቓውሞ እንተጋጠማ፡ ስብከት ጳውሎስ ምስ ሰምዐት ስድራኣን ሕጹያን ክሒዳ ስዒባቶ እያ። ኣብ መወዳእታ ሚስዮናዊት ኰይና ህይወታ ምሉእ ወንጌል ትምህር ነይራ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ቱኒክ ድማ ካባ ባርኖስ ወይ ‘ሂሜሽን’ (himation) ይለብሱ ነይሮም፣ የሱስ’ውን እዚ ከም ዝለበሰ ይፈልጥ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ካባ ባርኖስ እንተተንኪፋ ከም እትፍወስ ዝኣመነት ሰበይቲ ካባኡ ብኢዳ ምስተንከፈት ብኡ ንብኡ ከም እተፈወሰት ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 5፡27 ተገሊጹ ኣሎ።

ካባ ባርኖስ ኣዝዩ ረጒድ ዘይኰነ ዓቢ ቍራጽ ሱፍ እዩ ነይሩ። ከም መጠቕለሊ ክልበስ ዝኽእል ‘ሂሜሽን’ ድማ፡ ካብ ብርኪ ሓሊፉ ንታሕቲ ዝንጥልጠልን ነቲ ሓጺር ቱኒክ ምሉእ ብምሉእ ክሽፍንን ይኽእል። ገለ ፈላስፋታት ተሃድሶ ከይተረፉ ብዘይ እቲ ቱኒክ ዓቢ ‘ሂማሽን’ ይለብሱን ላዕለዋይ የማናይ ኣካላቶም ዕርቃኑ ይገድፍዎን ነይሮም።

ዓይነት፡ ዓቐንን ሕብርን ካባ ባርኖስ ሓይልን ክብርን የመልክት። ምዕሩግነት ክብርን ዝገልጹ ወይናይን ዝተወሰኑ ዓይነታት ሰማያውን ንምስራሕ ዝጥቀሙሉ ቀለም ኣዝዩ ብርቂን ክቡርን ስለዝነበረ ከም ንጉሳዊ ሕብርታት ይውሰዱ ነይሮም።

ግን ሕብሪ ካልእ ነገር እውን ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ጸሓፊ ታሪኽ ጆሴፈስ ንዚሎትስ ዝተበሃለ ንሮማውያን ካብ ኣይሁድ ከውጽኡ ዝጽዕር ኣይሁዳዊ ጕጅለ ከም ክዳን ክልቲኡ ጾታ ዝለብሱ ዕስለ ቀተልቲ ይገልጾም። "ዝተቐብአ ካባ" ዝለበሱ ብምባል ክዳን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኽደኑ የመልክት። እዚ ድማ ዝለዓለ ደረጃ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ዘይተቐብአ ክዳን ክኽደኑ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ።

የሱስ ግን ጻዕዳ ኣይለብስን ነይሩ። እዚ ፍሉይን ምጽዕዳውን ዝሓትት እዩ፣ ኣብ ይሁዳ ድማ ምስ ኤሰናውያን ዝበሃሉ ጕጅለ ዝተኣሳሰር ነይሩ። ኤሰናውያን ጽኑዕ ትርጕም ሕጊ ኣይሁድ ዝኽተሉ እዮም።

ኣብ መንጎ ክዳን የሱስን ካልእ ድሙቕን ጻዕዳን ክዳንን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 9 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ምዕራፍ፡ ሰለስተ ሃዋርያት ንየሱስ ኣሰንዮም ናብ ከረን ክጽልዩ ምስ ከዱ የሱስ ብርሃን ከንጸባርቕ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ማርቆስ፡ “ክዳኑ ድማ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓጻባይ ከጻዕድዎ ካብ ዝኽእል ብዝበለጸ ጻዕድዩ ኣንጸባረቐ” ይብል።

ከም ኣገላልጻ ማርቆስ፡ ቅድሚ እዚ ለውጢ የሱስ ከም ተራ ሰብ ተራ ክዳውንቲ’ዩ ተኸዲኑ ነይሩ፤ ናብ ሓጻባይ ዝለኣኽ ዓይነት ዘይተቐብአ ሱፍ ማለት’ዩ።

ብዛዕባ ክዳን የሱስ ኣብ እዋን ስቕለት ዝያዳ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 19 ፍቕዲ 23፡ “እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ገግዲኡ ምእንቲ ክበጽሖ፡ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፣ ነቲ ቐምሹ እውን ኣልዓልዎ። እቲ ቐምሹ ግን ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኵለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን” ይብል።

ሳእኒ

የሱስ፡ ሰንደል ሳእኒ ይለብስ ነይሩ። ኵሉ ሰብ ሰንደል’ዩ ዝለብስ።

ኣብቲ ናብ ምዉት ባሕርን ማሳዳን ዝቐርብ በዓትታት በረኻ፡ ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሩ ሰንደል ሳእኒታት ተረኺቦም እዮም።

ስለዚ እንታይ ዓይነት ሳእኒ ይለብስ ከም ዝነበረ ብልክዕ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ኣዝዩ ቀሊል፡ ላዕለዋይ ኣካሉ ካብ ረጒድ ቁራጽ ቆርበት ዝተሰፍየን ኣጻብዕቲ እግሪ ዘሕልፍን ነይሩ።

መልክዕ

ብዛዕባ መልክዕ ገጽ የሱስከ እንታይ ንፈልጥ? መልክዕ ገጽ የሱስ ኣይሁዳዊ ነይሩ።

የሱስ ኣይሁዳዊ ምንባሩ ኣብ እተፈላለየ ጽሑፋት፡ እንተላይ ኣብ መልእኽትታት ጳውሎስ ተደጋጊሙ ስለ ዝርከብ ንጹር እዩ። ኣብ መልእኽቲ ንእብራውያን፡ "ጐይታና ካብ ይሁዳ ከም ዝወረደ ንጹር እዩ" ይብል።

ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 3 ከም ዝተገልጸ፡ የሱስ "ክጅምር ከሎ ዕድመኡ ኣስታት 30 ዓመት” ነይሩ። ስለዚ ኣብቲ እዋን መልክዕ ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እንታይ ክመስል ይኽእል?

ኣብ 2001፡ ተመራማሪ ፎረንሲክ ኣንትሮፖሎጂ ሪቻርድ ኒቭ፡ ኣብቲ ዞባ ዝተረኽበ ጭቡጥ ርእሲ ሰብ መሰረት ብምግባር፡ ‘ዘ ሳን ኦቭ ጋድ’ ንእትብል ናይ ቢቢሲ ሰነዳዊ ፊልም፡ ሞዴል ሓደ ገሊላዊ ሰብኣይ ፈጢሩ።

ንሱ፡ ገጽ የሱስ እዩ ኣይበለን። የሱስ ፍሉይ ትርኢት ከም ዝነበሮ ፈጺሙ ስለ ዘይተገልጸ፡ ሰባት ከም ናይ ግዜኡን ቦታኡን ሰብ ጌሮም ንኽቘጽርዎ ንምድራኽ ጥራይ ዝተዳለወ እዩ።

እቲ ምስቲ ናይ ብሓቂ መልክዕ የሱስ ዝቐረበ ምትእስሳር ዘለዎ ኣብቲ ኣብ መናድቕ ናይቲ ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ምዅራብ ዱራ-ዩሮፖስ ዝተሳእለ ስእሊ ሙሴ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ስእሊ፡ ኣብ እዋን ግሪኽን ሮማን፡ ሓደ ለባም ኣይሁዳዊ እንታይ ይመስል ነይሩ ተባሂሉ ይሕሰብ ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

ኣብቲ ሙሴ ንቀይሕ ባሕሪ ዝፈላልየሉ ምስሊ ዱራ ከም ዝርአ፡ ሙሴ ዘይተቐብአ ክዳን ከም ዝለብስ ይግመት።

ብዝዀነ እዚ ምስሊ'ዚ፡ ካብቲ ዝተሰንዐ ናይ ቢዛንታይን ምስሊ የሱስ ንላዕሊ ታሪኻዊ የሱስ ንምስኣል ኣዝዩ ቅኑዕ መሰረት ክኸውን ዝኽእል እዩ። ንሱ ድማ ሓጺር ጸጕሪን ንእሽቶ ጭሕሚን ዘለዎ ከምኡ'ውን ሓጺር እጅገ ዘለዎ ሓጺር ቀምሽን ሂሜሽንን ዝለብስን እዩ።