ሓድግታት'ቲ ንጃፓን ዝነውሐ ዓመታት ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር -ሺንዞ ኣቤ

ሺንዞ ኣቤ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሺንዞ ኣቤ

ንዝነውሐ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ኮይኑ ዘገልገለ ሺንዞ ኣቤ፡ ብጎነጻዊ ፖሊሲ ወጻእን “ኣቢኖሚክስ” ተባሂሉ ብዝፍለጥ ሕላገት ቁጠባዊ ስትራተጅን ብሰፊሕ ይዝከር።

ብዙሓት ዓቃባዊ ብሄርተኛ ኢሎም ዝገልጽዎ ወዲ 67 ዓመት ኣቤ፡ ሰልፊ ሊበራል ዲሞክራሲ መሪሑ ክልተ ግዘ ክዕወት ገይሩ እዩ።

ኣብ 2006 ንፈለማ እዋን ፡ ንሓደ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ ኣካታዓይ እዩ ነይሩ።

ኣብ 2012 ደጊሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስኮነ ድማ ክሳብ 2020 ኣገልጊሉ፤ እንተኾነ ብምኽንያት ጸገም ጥዕና ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ወሪዱ።

ንካልኣይ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣብ ዝተመረጸሉ እዋን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ምንቁልቋል ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዝወሰዶም ስጉምቲታት ዕረያ ዕብየት ኣርእዩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ 2011 ኣጋጢሙ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ዝቐተለን መልሐሚ ኑክሌር ፉኩሺማ ዘዕነወን ምንቅጥቃጥ መሬትን ሱናሚን፡ ተሃስዩ ዝነበረ ቁጠባ ጃፓን እውን ኣብ ዘበን ኣቤ እዩ ሓውዩ።

ኣብ 2020 ግና እቲ ኣብ 2007 ካብ ስልጣን ንምውራድ ምኽንያት ዝኾኖ ሕማም መዓንጣ ደጊሱ ብፍቓዱ ስልጣኑ ክገድፍ ኣገዲድዎ።

ዮሹሃይድ ሱጋ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተከኦ ኮይኑ፡ ዛጊድ ግና ከም ጸላዊ ፖለቲከኛ እዩ ዝረአ ነይሩ።

ኣመጻጽኣ ሺንዞ ኣቤ

ወዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሺንታሮ ኣቤን ወዲ ወዱ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኖቡስኬ ኪሺን ዝኾነ ኣቤ፡ ካብ ፈሉጣት ፖለቲከኛታት እዩ ዝውለድ።

ንፈለማ እዋን ኣብ 1993 ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ተመሪጹ፤ ኣብ 2005 ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጁኒቺሮ ኮይዙሚ ላዕለዋይ ጸሓፊ ካቢኔት ገይሩ መሪጽዎ።

ኣብ 2006 ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንጃፓን ዝመርሐ ብዕድመ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ።

ኣስታት 50 ሚልዮን ክሲታት ዝቐረቡሉ ምስ ምስዋር መዛግብቲ ጥሮታ ዝተሓሓዝ ብልሽውና፡ ምምሕዳር ኣቤ ካብ ዝንቀፈሎም ጉዳያት ሓደ እዩ።

ሺንዞ ኣቤ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣቤ ንፈለማ እዋን ኣብ 1993 ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ተመሪጹ

ካብ ሕማሙ ከምዝሓወየ ብምግላጽ ኣብ 2012 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመረጸ ሺንዙ ኣቤ፡ ኣብ 2014ን ከምኡ እውን 2017 ብተመሳሳሊ ተመሪጹ፡ ንጃፓን ንዝነውሐ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ መራሒ ኮይኑ።

ዋላኳ ተቐባልነቱ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ልዕል ትሕት እንተበለ፡ ኣብቲ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ሊበራል ዲሞክራሲ (ኤልዲፒ) ማዕሪኡ ጸላዊ ሰብ ብዘይምንባሩ፡ እቲ ውድብ ሕጉ ኣመሓይሹ ንሳልሳይ ግዘ ክወዳደር ፈቒዱሉ እዩ።

ኣዘራራቢ ብሄርተኛ

ኣቤ ኣብ ምክልኻልን ጉዳያት ወጻእን ብዝኽተሎ ፖሊሲ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነቲ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክትክተሎ ዝጀመረት ፖሊሲ ሰላም ንምልዋጥ ይደሊ ነይሩ።

ዓቃባውያን ነቲ ብኣመሪካ ዝረቐቐ ሕገ መንግስቶም፡ ነቲ ወታሃደራት ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዘጋጠሞም ዘሕፍር ስዕረት እዩ ዘዘኻኽሮም።

ብሄርተኛ ኣመለኻኽታ ኣቤ፡ ምስ ሃገራት ቻይናን ደቡብ ኮርያን ናብ ወጥሪ ኣእትይዎ ነይሩ፤ ብፍላይ ኣብ 2013 ኣብቲ ጃፓን ቅድምን ኣብ እዋንን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ወታሃደራዊ ማእከል ገይራ እትጥቀመሉ ዝነበረት ከባቢ ያሱኪኒ፡ ምብጻሕ ምስገበረ እቲ ወጥሪ ሓዪሉ ነይሩ።

ሺንዞ ኣቤ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሄርተኛ ኣመለኻኽታ ኣቤ፡ ምስ ሃገራት ቻይናን ደቡብ ኮርያን ናብ ወጥሪ ኣእትይዎ ነይሩ

ናብቲ ማእከል ዘካየዶ ተደጋጋሚ ምብጻሕ፡ ነቲ ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝፈጸመቶ ግፍዒታት ንምሕጻብ ዝዓለመ እዩ ብዝብል ካብ ጸጋማውያን ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ኣብ 2015 ጃፓን ካብ ሃገራ ወጻኢ ዓርሳን ፈተውታን ንምክልኻል ሰራዊት ክተዋፍር ድፍኢት ብምግባር ነቲ ነዚ ዘይፈቅድ ዝነበረ ሕጊ ክልወጥ ገይሩ እዩ።

ምክልኻል ጃፓን ኣፍልጦ ንክረክብ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ለውጢ ንምግባርን ምስ ሩስያ ዘሰሓሕበኦም ደሴታት ናብ ሃገሩ ንምምላስን ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረሉን።

ምንቁልቋል ቁጠባን ኮቪድ-19ን

ኣቤኖሚክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕላገት ፖሊሲ ቁጠባ ሼንዞ ኣቤ፡ ኣብ ፈላማይ እብረ ስልጣኑ ቁጠባ ጃፓን ክዓቢ ከምዘኽኣለ ይግለጽ።

እቲ ፖሊሲ ንሓጺር ግዘ ትሑት ወለድ ልቓሕ፣ ምውሳኽ ወጻኢታት መንግስቲ ኣብ ስራሕቲ ትሕተ ቅርጺ፣ ከም ናይ ግብሪ ሩፍታ ዝኣመሰሉ ገንዘባዊ መተባብዒታትን ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ኣብ ስራሕ ክዋፈራ ምግባርን ዝሓወሰ ነይሩ።

ምስሊ ሺንዞ ኣቤ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2020 ዘጋጠመ ምንቁልቋ ል ንጻዕሪ ኣቤ ካልእ ፈተና ነይሩ

እንተኾነ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ምንቁልቋል፡ ንጻዕሪ ኣቤ ካልእ ፈተና ነይሩ። እዚን ካልእን ድማ ንውጺኢታውነት ኣካይዳ ኣቤ ኣብ ፈተና ዘእተዉ ነይሮም።

ሺንዞ ኣቤ ንኮቪድ-19 ዝሓዘሉ መንገዲ እውን ካልእ ንተቐባልነቱ ዝጸለወ ኩነታት እዩ። ነቐፍቱ፡ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ንምዕባይ ዝወሰዶ ስጉምቲታት መልከፍቲ ክውስኽ ገይሩ እዩ ይብሉ።

ኣመሪካ ትራንስ-ፓስፊክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምሕዝነት ንግዲ 11 ሃገራት ገዲፋ ምስ ወጸት፡ እቲ ማሕበር ክቕጽል ዝገበሮ ኣበርከቶ ግና ዓለም ለኻዊ ናእዳ ኣርኪብሉ እዩ።

ምግዳፍ ስልጣንን ሞትን

ናይ ሓበሬታ ግራፍ

ኣቤ ኣብ 28 ነሓሰ ስልጣኑ ከምዝገድፍ ምስገለጸ፡ ዝትከኦ ሰብ ክመርጽ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰልፊ ኤልዲፒ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ክፍጠር ገይሩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ግና ናይ ነዊሕ እዋን ኣባል ካቢኔን ገዲም ፖለቲከኛን ዮሾሃይድ ሱጋ ተኪእዎ።

እንተኾነ ዋላ ሱጋ ብቐዳማይ ሚነስተር ፉሚዮ ኪሺዳ ምስተተከአ፡ ኣቤ ኣብ ፖለቲካ ጃፓን ጸላዊ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ሎሚ 8 ሓምለ 2022፡ ኣቤ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናራ፡ ንሓደ ንላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝወዳደር ውልቀ ሰብ ወኪሉ ወፍሪ የካይድ ነይሩ።

ብሓደ ኣባል ሓይሊ ዓርሰ ምክልኻል (ሓይሊ ባሕሪ) ከምዝነበረ ብዝተገለጸ ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ ጥይት ክትኮሰሉ እንተሎ፡ መደረ እናገበረ ነይሩ።

ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወሰደሉ እዋን ነብሱ ዝፈልጥ እኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግና በቲ ዘጓነፎ መጥቃዕቲ፡ ህይወቱ ሓሊፋ ኣላ።