ኣብ ኲናት ቓዛ: ዝሞቱ 70 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝዀኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ኣብ ኵናት ቓዛ ዝሞቱ እቶም ዝበዝሑ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን'የን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ቓዛ ካብ መንጐ ዝተቐተሉ 70 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

እቲ ዘጋጠመ ልዑል ቁጽሪ ሞት ብዓቢኡ እስራኤል ኣብቶም ሰባት ብጻዕቒ ዝነብሩለን ከባቢታት ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ከም ዝስዓበ ብምግላጽ፡ ገሊኡ ድማ ዕጡቓት ፍልስጤም ብዘወንጭፉዎም ኣጽዋር ዝስዓበ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።

ጸብጻብ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ" ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝተዓዘበን እዚ ድማ ስግኣታት "ገበናት ኲናትን ካልእ ገበናት ግፍዕን" ከም ዝፈጠረ የመልክት።

እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ንዕጡቓት ሓማስ ዒላማ ክትገብርን ትኽክለኛ ዒላማታት ብምንጻር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ሓደጋ ንምንካይ ስጕምቲታት ከም እትወስድ እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ብዓርቢ ዝወጽአ ጸብጻብ ርኢይቶ ንምርካብ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሕዳር 2023 ክሳብ ሚያዝያ 2024 ናይቶም ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ።

ኣስታት 44 ምኢታዊት ካብቶም ዝተረጋገጹ ግዳያት ህጻናት፡ 26 ምኢታዊት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምዃኖም ሓቢሩ።

ካብቶም ዝሞቱ ብብዝሒ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።

ኣስታት 80 ምኢታዊት ግዳያት ኣብ መንበሪ ህንጻታት ወይ ተመሳሳሊ ኣባይቲ ከም ዝተቐትሉ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ።

ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣብ ዝሓለፉ 13 ኣዋርሕ ልዕሊ 43 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጺቡ። ብዙሓት ተወሰኽቲ ሬሳታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ናይቲ ብቦምባ ዝተደብደቡ ህንጻታት ከምዝተረፉ ድማ ይእመን።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ መረዳእታ ናይቶም ዝበዝሑ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝረኸበን፡ ካብቲ ቁጽሪ ካብ ሰለስተ ሓደ ህጻናት ከም ዝዀኑን ጸብጺቡ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ቅትለት፡ ከምኡ'ውን መጉዳእቲ ሲቪላት ቀጥታዊ ሳዕቤን መሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘይምኽባር'ዩ" ኢሉ።

ቱርክ "ነቲ ብኸቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝቐረበ ክስታት ብምቕራብ ግቡእ ጸብጻብ ክግበር" ጸዊዑ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብቶም ዝቐረብሉ ነቐፌታታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ዝነበረ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ" ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ዳርጋ ዘይዓነወ ህንጻ የለን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘካየዱሉ ኣገባብ "ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ስቓይ ከምዘስዓበ" ገሊጹ።

እቲ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብ ሰሜን ቓዛ ኰይኑ፡ ትካላት ረድኤት ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ሓድሽ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ከበባ ከምዝጸንሐ ይገልጹ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ሰሜን ዝኣተወ ሓገዝ መግቢ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ሓላፊ ትካል ረድኤት ኖርወጃዊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ያን ኤገላንድ ብዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ቓዛ ኣብ ዝገበሮ ዑደት "ዕንወት፡ ተስፋ ምቑራጽ" ከምዝረኣየ ገሊጹ።

"ዘይተጎድአ ህንጻ ዳርጋ የለን። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ከባቢታት ስታሊንግራድ ዝነበረ ኩነታት ይመስል ነይሩ። እዚ ኣፈላላይ ዘይብሉ ምፍንጃር ቦምባ ኣብ ልዕሊ እዚ ተዓጽዩ ዘሎ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ጽዑቕ ከምዝነበረ ክትግንዘብ ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢሉ።

"ነዚ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ርዱእ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።