ኣምስተርዳም: መንቀሊ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ እስራኤል ዝበጽሐ መጥቃዕቲ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኣምስተርዳም ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ እስራኤል ብዕስለ መንእሰያት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ሓቢሮም።
ገሊኦም ኣፍንጫኦም ካብ ምስባር ክሳዕ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ገሊጾም።
ወዲ 24 ዓመት ኣዲ ሮቤል፡ ምስ መሓዙቱ ናብ ሆቴሎም ክምለሱ እንከለዉ ምስ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝገጠሙሉ እዋን፡ ኣብ መሬት ተረጊጹ ኣፍንጭኡ ከም ዝተሰብረ ይዛረብ።
እቶም ሰባት ንሮቤል፡ ንሱን መሓዙቱን ካበይ ከም ዝመጽኡ ዝሓተትዎም ኰይኖም ንወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብምጥቃስ "ኣይሁዳዊ፡ ኣይሁዳዊ፡ ‘ኣይዲኤፍ’ ኢሎም ይጭድሩ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ እቲ ዓመጽ ንምክልኻል ኣጸጋሚ ዝዀነ ኣብ ወቒዒኻ ህድማ ዝተመሰረተ ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ።
“ምሳይ ክዓስሉ ስለ ዝጀመሩ ክጎዪ ከም ዘለኒ ተረዲኡኒ፤ ግን ጸልማት ስለ ዝነበረ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈለጥኩን። ድሓር ኣብ መሬት ወዲቐ 10 ሰባት ይረግጹኒ ነይሮም። 'ፍልስጤም' ኢሎም ይጭድሩ ነይሮም" ይብል ሮቤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
"ንኣስታት ሓደ ደቒቕ ኣብ መሬት ረጊጾሙኒ፤ ድሓር ብዘይ ገለ ፍርሒ ተበጊሶም” ዝበለ ሮበል፡ "ኣብ ገጸይ ምሉእ ደም ከም ዝነበረን ኣፍንጫይ ስለ ዝተሰበረን ኣዝዩ ዘሕምም’ዩ ነይሩ" ኢሉ።
ሮቤል ንኣስታት 30 ደቓይቕ ብግቡእ ክርኢ ከም ዘይከኣለ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ዓመጽ መራሕቲ ታክሲ ከም ዝተሳተፉ ስለ ዝሰምዐ ግን ናብ ሆስፒታል ኣምስተርዳም ንዘይኻድ ወሲኑ።
ኣብ ክንድኡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ናብ እስራኤል ተጓዒዙ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝገብር ገሊጹ።ወሲኹ ድማ "ቅድሚኡ ዝተወደበ ፍሉይ መጥቃዕቲ" ይመስል ኢሉ።
ገለ ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ እስራኤል፡ ኮፍ ኢሎም ኣብ ዝነበርሉ ቦታ ፓስፖርቶም ከርእዩ ከም ዝተኣዘዙ ገሊጾም።
ወዲ 29 ዓመት ጋል ቢንያንሚን ትሹቫ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኣፍ ደገ ካዚኖ ከም ዝተጠቕዐ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ናባና ገጾም ዝጐዩ ኣስታት 20 ሰባት ኣጋጢሞምና። ካበይ ከም ዝመጻእኩ ሓቲቶምኒ፡ ኣነ ድማ ካብ ግሪኽ እየ ኢለ። ከም ዘይኣመኑኒ ብምግላጽ ፓስፖርተይ ከርእዮም ሓቲቶምኒ" ኢሉ።
ፓስፖርት ከም ዘይብሉ ምስ ነገሮም ናብ መሬት ደፊኦም ገጹ ከም ዝረገጽዎ ትሹቫ ይዛረብ።
"ድሕሪ’ዚ ዋላ ሓንቲ ኣይዝክሮን’የ፡ ኣብ ኣምቡላንስ ኰይነ ገጸይ ብደም ተሓጺቡ ተበራቢረ። ክልተ ኣስናነይ’ውን ከም ዝተሰብረ ተረዲኤ" ኢሉ።
ኣይሁዳውያን እንግሊዛውያን ኣሮንን ያቆብን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ናብቲ ግጥም ከም ዝኸዱ፡ እንተዀነ ብኣግኡ ከም ዝወጽኡ ገሊጾም።
ብድሕሪኡ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጸረ-ሴማውያን እናፈራርሑ ይጭድሩ ከም ዝነበሩን ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከም ዝረኣዩን ገሊጾም።
ድሓር ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ከም ዝገላገልዎ ተዛሪቦም።
ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ጕጅለ ንኣሮንን ያእቆብን ኣይሁዳውያን እንተዀይኖም ሓተትዎም።
ኣሮን ድማ እንግሊዛውያን ምዃኖም ነጊርዎም።
"ግን ‘ነቲ ኣይሁዳዊ ሓጊዝካዮ' ኢሎም፡ ኣብ ገጸይ ብጉስጢ ሃሪሙ መነጽረይ ሰይርዋ" ይብል ኣሮን።
ኣሮን ኣስዒቡ “ደሚ ፈሲሱኒ ደሓን’የ ግን ቁሩብ ተንቀጥቂጠ” ኢሉ።
ቢቢሲ ስእሊ ኣሮን ዝረኣየ ኰይኑ ካብ ኣፍንጭኡ ዝወረደ ደም፡ ዓይኑ ሓቢጡን ካልእ ኣብ ገጹ ዝተቖርጸን ዘርኢ ስእሊ ተዓዚቡ።
ዋና ኣሰናዳኢት ናይ ሓንቲ ሰሙናዊት ኣይሁዳዊት ጋዜጣ ሆላንድ ዝዀነት ኤስተር ቮት ኣብ ማእከል እታ ከተማ እያ እትነብር።
ንሳ፡ ነቲ ዓመጽ ዝገልጽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምስ ረኣየት፡ ንደገፍቲ እስራኤል ገዝኣ ከም ዘቕረበት ትዛረብ።
ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እዚ ገዛ፡ ገዛ ኣይሁድ እዩ ኢለዮም፤ ኣብዚ ቦታ ውሑሳት ኢኹም" ኢላ። "ሰባት ብሓቂ ፈሪሖም ነይሮም። ኣብ ኣምስተርዳም ከምዚ ክሓልፍ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ክትብል ወሲኻ።

ምንጪ ስእሊ, Gal Binyanmin Tshuva
ፖሊስ ሆላንድ፡ ደገፍቲ እስራኤል ኣብቲ ዝወረዶም መጥቃዕቲ ከቢድ ግህሰት ከም ዝበጽሖምን ብመንእሰያት ከም ዝተፈጸመን ሓቢሩ።
ሓላፊ ፖሊስ ኣምስተርዳም ፒተር ሆላ፡ ዋላ’ውን ቁጽሮም ዘይነዓቕ ፖሊስ እንተሃለዉ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣጸጋሚ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ዩ ኢሉ።
እቲ ሓይሊ ኣብ መወዳእታ ንደገፍቲ ማካቢ ካብቲ ከባቢ ቅድሚ ምጉዕዓዙ ኣብ ሓደ ኣኪቡ ክከላኸለሎም ከም ዝወሰነ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መንጐ ደገፍቲ ማካቢን ገለ ሰባትን ዝተፈጥረ ወጥሪ ስዒቡ ምዃኑ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ትማሊ ረቡዕ ደገፍቲ ማካቢ ኣብ ሓንቲ ታክሲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ባንዴራ ፍልስጤም ከም ዘቃጸሉ ሓላፊ ፖሊስ ሆላ ገሊጹ።
ኣብ ካልእ ቦታ’ውን ብተመሳሳሊ ተወሳኺ ግጭት እኳ እንተነበረ ፖሊስ ነቶም ጉጅለታት በቲንዎም’ዩ።
ገለ ደገፍቲ ማካቢ ተልኣቪቭ ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ኣብ ዓሌታዊ ፍጻመታት ከም ዝተሳተፉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፍልስጤማውያንን ዓረብን ተጻወትቲ እታ ጋንታ ምጽራፍን ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ኣብ ልዕሊ’ታ ጋንታ ጸቕጢ ከም ዝገብሩን ይግለጽ።
ደገፍቲ እታ ጋንታ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ዝተሰለፉ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







