እስራኤል፡ ነታንያሁ ንሚኒስተር ምክልኻል ድሕሪ ምብራሩ ናዕቢ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዮኣቭ ጋላንት ካብ ስርሑ ድሕሪ ምእላዩ ተቓውሞታት ተላዒሉ።
ነታንያሁ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ዝፈጠሮ ቅልውላው ናብቲ ውሳነ ከምዘብጽሖ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ጋላንት ዝነበሮ እምነት ከምዝተሸራረፈ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ካትዝ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተሰጐገ ሚኒስተር ተኪኡ ስራሕ ከምዝጅምር’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ዝተኣልየ ሚኒስተር ብወገኑ ካብ ስልጣኑ ክለዓል ዝኸኣለ ኣብ ሰለስተ ርእሰ ጉዳያት ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ እስራኤል "ክትጻወሮ እትኽእል መሪር ሕድገታት" እንተገይራ፡ ነቶም ዝተረፉ ጅሆታት ካብ ቓዛ ምምላስ ይከኣል እዩ ዝብል መርገጺኡ ሓደ ካብኣቶም ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
ብዙሓት ኣብ ጐደናታት ዝነበሩ ሰልፈኛታት፡ ነታንያሁ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብምጽዋዕ እቲ ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻል ድማ ንውዕል ጅሆ ቀዳምነት ክህቦ ጠሊቦም።
ነታንያሁን ጋላንትን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝተተፋነነ ዝምድና ስራሕ እዩ ጸኒሑዎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ስትራተጂ ኲናት እስራኤል ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ናይ ቃላት ምውርዋር ዝመልኦ ወጥሪ ከምዝተራእየ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር፡ ንሕሉፋት ኣኽረርቲ ኦርቶዶክሳውያን ዜጋታት እስራኤል ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ነጻ ክዀኑ ንምፍቃድ ብዝቐረበሉ መደብ’ውን ሕጉስ ኣይነበረን።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቓዛ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ነታንያሁ ንጋላንት ብሰንኪ ፖለቲካዊ ፍልልያት ካብ ስርሑ ኣባሪርዎ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ድሕሪ ዝተፈጥረ ዓቢ ህዝባዊ ምዕዝምዛም ግን ናብ ስርሑ ተመሊሱ።
ብሰሉስ ግን ነታንያሁ "ኣብ ማእከል ኲናት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን ምሉእ ምትእምማን የድሊ" ኢሉ።
ኣብተን ቀዳሞት ኣዋርሕ እቲ ኲናት "ፍረ ዘለዎ ስራሕ" እኳ እንተተራእየ፡ "ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ግን እዚ ምትእምማን “ከምዝተሸርፈ” ገሊጹ።
ነታንያሁ ወሲኹ፡ "ኣብ መንጐይን ኣብ መንጐ ጋላንትን ኣብ ምሕደራ እቲ ወፍሪ ርኡይ ሃጓፍ ተረኺቡ" ኢሉ።እዚኦም "ምስ ውሳነታት መንግስቲ ዝጋጮ መግለጺታትን ተግባራትን ዝተሰነዩ እዮም" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ነዚ ዜና ስዒቡ፡ ጋላንት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ድሕነት ሃገረ እስራኤል ተልእኾ ህይወተይ ከምዝነበረን ወትሩ ክቕጽልን'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
ትማሊ ሰሉስ ምሸት ድማ ምሉእ መግለጺ ዘውጽአ ኰይኑ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝተገበረሉ ምኽንያት "ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሌላን ጉሌላን ክህሉ ከምዘይብሉን እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ክምለሱ ከምዘለዎምን ይኣምን።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብምጥቃስ፡ "ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ከምዝከኣል ይኣምን። እንተዀነ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ክጻወሮ ዝኽእልን መሪር ሕድገታት ይሓትት" ኢሉ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ሓበሬታ ስዒቡ ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ያየር ኣሚት፡ ነታንያሁ ንመላእ ሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ካብ ስልጣን ክወርድን ዕቱባት ሰባት ንእስራኤል ክመርሕዋን" ጸዊዑ።
ገለ ሰልፈኛታት ኣብ ጽርግያ ሓዊ ኣንዲዶም ብኽልቲኡ ኣንፈት ጽርግያ ከምዝዓጸዉን ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንስድራቤት ናይቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዝውክል ጕጅለ'ውን፡ ነታንያሁ ንጋላንት ካብ ስርሑ ምእላዩ ኰኒኑ።
እቲ ንዕኡ ዝትክእ ካትዝ ብመንጽር ወተሃደራዊ ስትራተጂ ዝያዳ ሓያል ኰይኑ ይረአ።ካልእ መሓዛ ነታንያሁ ዝዀነ ጊዴዎን ሳዓር ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን እዩ።
ምእላይ ጋላንት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ምሻም እቶም ሓደስቲ ሚኒስተራት ድማ መንግስቲ ከጽድቘ ትጽቢት ይግበር።
ኣባላት ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት እስራኤል ትማሊ ሰሉስ ምሸት ጋላንት ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ምስተፈለጠ ሽዑ ንሽዑ ህዝቢ ተቓውሞ ክቐርብ ጸዊዖም።
ጋላንት ምስ ዋይት ሃውስ ካብ ነታንያሁ ኣዝዩ ዝሓሸ ዝምድና ከም ዘለዎ እዩ ዝግለጽ ነይሩ።
ወኪል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ብሰሉስ "ሚኒስተር ጋላንት ኣብ ኵሉ ምስ ምክልኻል እስራኤል ዝተኣሳሰር ጉዳያት ኣገዳሲ መሻርኽቲ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። ከም ናይ ቀረባ መሻርኽቲ መጠን ምስ ዝቕጽል ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ተዓዘብቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ምስጓግ ጋላንት ኣኽረርቲ ኦርቶዶክሳውያን ዜጋታት እስራኤል ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ነጻ ክዀኑ ዘፍቅድ እማመ ንምሕላፍ ብሕሉፋት የማናውያን ፖለቲከኛታት ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን እዩ። ጋላንት ድማ ሓያል ተቓዋሚ ናይቲ እማመ እዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







