ንመጥቃዕቲ ሓማስ ዝዀነነ 'ፋትዋ' ፍሉጥ ምሁር እስልምና ኣብ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቀምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንእምነት ምስልምና ዝጻረር ምዃኑ ሓደ ፍሉጥ ሊቅ ምስልምና ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኰኒኑ።
ፕሮፌሰር ሳልማን ኣ'ደያሕ፡ ኣብቲ ምስ ሓማስ ርክብ ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ ቓዛ ሓላፊ ክፍሊ ሸሪዓን ሕግን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዉ ፍሉጣት ሊቃውንቲ እምነት ምስልምና ብምዃኑ እቲ ዝሃቦ ፋትዋ ነቲ ተኸታሊ ሱኒ ዝዀነ ክልተ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ እታ ወሽመጥ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ።
'ፋትዋ'፡ ብሓደ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ሃማኖታዊ ምሁር ዝወጽእ ቀያዲ ዘይኮነ ብይን እስላማዊ ሕጊ ኰይኑ ኣብ ቁርኣን ወይ ሱና (ዘረባታትን ተግባራት ነቢ መሓመድ) ዝምርኮስ'ዩ።
ዶ/ር ደያሕ፡ ኣብቲ ዘውጽኦ ኣብ 6 ገጽ ዘለዎ ሰነድ ዝሰፈረ ፋትዋ፡ መጥቃዕቲ ሓማስ "ንጅሃድ ዝምልከት እስላማዊ መትከላት ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ነቒፉ።
'ጅሃድ'፡ ብቋንቋ ዓረብ "ቃልሲ" ማለት ኰይኑ፡ ኣብ እምነት ምስልምና ኸኣ ቃልሲ ንመንፈሳዊ ምንቕቓሕ ወይ'ውን ወተሃደራዊ ቃልሲ ኣንጻር ዘይኣመንቲ ዝብል ትርጕም ኣለዎ።
"ኣዕኑድ፡ ዕላማታት ወይ ቅድመ-ኵነታት ጅሃድ እንተዘይተረጋጊጾም፡ ህይወት ሰባት ከይቀዝፍ ክውገድ'ዩ ዘለዎ። እዚ ፖለቲከኛታት ሃገርና ብቐሊሉ ክግምትዎ ዝክኣል'ዩ፡ ስለዚ እቲ መጥቃዕቲ ክውገድ ነይሩዎ" ይብል ዶ/ር ደያሕ።
ሓማስ፡ ደገፍ ሃገራት ዓረብን ሰዓብቲ ምስልምናን ንምርካብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካይዶም መጥቃዕትታት ሃይማኖት ምርኩስ ዝገበሩ ምዃኖም ስለዝምጕት፡ እቲ ዝወጸ ፋትዋ ነቲ ጕጅለ ዘሕንኽን ሃሳዪ ነቐፌታን ከይኮነ ኣይተርፍን።
ኣብቲ ዕጡቓት ሓማስ ዝፈጸምዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት በቶም ዕጡቓት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 252 ካልኦት ጅሆ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ ይዝከር።
እስራኤል ብኡ-ንብኡ ኣብ ዝጀመረቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ ግብረመልሲ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለን ብሓያል ደብዳባት ዝተሰነየን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከተካይድ ጸኒሓ'ላ።
ኣብቲ ንሓማስ ንምጥፋእ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተኣወጀ ኲናት፡ ኣሽሓት ቈልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 43,400 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ብዙሓት ካልኦት ከምዝቘሰሉ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ወሽመጥ ይገልጽ።
ተወሳኺ ትሕዝቶ ናይቲ ፋትዋ
ዶ/ር ሳልማን ደያሕ ከምዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቓዛ ዝወረደ ሰባዊ ጉድኣት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሲቪላዊ ትሕቲ-ቅርጺ ዝወረደ ሰፊሕ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ግምት ብምእታው መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ምስ መልእኽቲ እስላም ዝጻረር እዩ።
ሓማስ "ዕጡቓቱ ካብቶም ርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ [ፍልስጤማውያንን] መዕቆቢታቶምን ከርሕቘም፡ ንሲቪላውያን ውሕስነትን ጸጥታን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ኵሉ ህይወቶም . . .ጸጥታ፡ ቍጠባ፡ ጥዕናን ትምህርትን፡ ከምኡ'ውን እኹል ቀረብ ክህቦም ኣይክኣለን" ኢሉ።
ኣብቲ ዘመሓላለፎ ዘይንቡር ዝብሃል ዘሎ ፋትዋ፡ ንኣፈጻጽማ ጅሃድ፡ እንኮላይ ነቲ ካብ ተጻባእቲ ክወሃብ ዝኽእል ተዓጻጻፊን ዘይተመጣጣኒን ግብረመልሲ ንምግታእ ዝምልከት ጥቕስታት ቁርኣንን ሱናን ጠቒሱ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብመሰረት እስላማዊ ሕጊ፡ ዝዀነ ዝካየድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝዛይድ ክኸውን የብሉን ይብል።
መራሕቲ ምስልምና'ውን፡ ድሕነትን ጸጥታን ናይቶም ኣብ ውግእ ዘይሳተፉ ሰባት ኣብ ምውሓስ፡ ከምኡ'ውን መግቢ፡ መድሃኒትን መዕቆብን ክረኽቡ ኣብ ምግባር ክዋስኡ ግቡእ ኣለዎም ይብልድ ዶ/ር ደያሕ።
"ንኣምላኽ ካብ መካ ህይወት ሰብ ዝያዳ ይኸብር" ክብል'ውን እቲ ፍሉጥ መምህር ኣነጺሩ።
ከም ሃይማኖታዊ መራሒ ብፍላይ ኣብታ ወሽመጥ ልዑል ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ዶ/ር ደያሕ፡ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ዝርከብዎም ሕሉፋት ምንቅስቓሳት ተሪር ነቐፌታ ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ተኸታሊ እምነት ሳላፊ ምስልምና ብምዃኑ ድማ፡ ምስቲ ሓማስ ዘካይዶ ዕጥቃዊ ተቓውሞን ምስ ሺዓ ኢራን ዘለዎ ርክብን ኣይቃዶን'ዩ።
ኣመንቲ ሳላፊ ምስልምና፡ ሕሉፋት ተኸተልቲ ነቢ መሓመድን ቀዳማይ ወለዶ ሰዓብቱን ክዀኑ ዝህቅኑ እዮም።
ዶ/ር ደያሕ፡ ኣብ ክንዲ ብከም በዓል ሓማስ ዝበሉ ሰልፍታት ዝወሰን ፖለቲካዊ ስርዓት፡ እስላማዊ ሕጊ ዝኽተል እስላማዊ ሃገር (ካሊፋ) ክምስረት'ዩ ብቐጻሊ ክጽውዕ ጸኒሑ።
"ኣብነትና፡ ሃገር ዝመስረተ ነቢ መሓመድ'ዩ። ንሱ፡ ንሃገር ዝመቓቕላ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣይመስረተን። ስለዚ ሰልፍታት ኣብ ምስልምና ውጉዛት እየን" ክብል ቅድሚ ሒደት ዓመት ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ተዛሪቡ ነይሩ።
ነቶም ከም ዳዕሽን ኣል-ቓዒዳን ዝበሉ ሕሉፋት ኣኽረርቲ ጅሃዳውያን ጕጅለታት'ውን ክዅንኖም ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዘለዎ ጽልዋ ተጠቂሙ፡ ንግዳዊ ዕድጊታት፡ ምስ ሓዳር ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ ምስሕሓባትን ፍትሕን፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ጐንጺ፡ ዝርከብዎም ማሕበራዊን ፖለቲካውን ጉዳያት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ፋትዋታት ክህብ ጸኒሑ።
እቲ ሕጂ ኣውጺእዎ ዘሎ ፋትዋ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቓዛን ሃገራት ዓረብን ኣብ ዙርያ ስጕምቲ ሓማስ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ክትዓት ነዳዲ ወሲኹሉ ኣሎ። ነቲ ብዛዕባ ኣንጻር እስራኤል ዝካየድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ሕብረተሰብ ፍልስጤም ዘሎ ፍልልያት ድማ መሊሱ ከጋድዶ ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሸኽ ኣሽራፍ ኣሕመድ፡ ሓደ ካብ ተምሃሮ ዶ/ር ሳልማን ደያሕ ዝነበሩ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ደብዳብ እስራኤል ካብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ቓዛ ዝነበረ መንበሪኡ ተፈናቒሉ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ትሸዓተ ደቁን ናብ ደቡባዊ ቓዛ ዝገዓዘ'ዩ። ብዛዕባ'ቲ ፋትዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ዋላ'ኳ ፍርሒ ደብዳብ እስራኤል እንተሃለወ ሊቅና [ደ/ር ደያሕ] ግን ካብቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዘሎ ቤቱ ምውጻእ ኣብዩ። ነዚ ሕጋዊ ርእይቶ ብምውጻእ ድማ ሃይማኖታዊ ሓላፍነቱ ፈጺሙ'ሎ" ይብል።
እቲ ፋትዋ፡ ኣዝዩ ሓያልን ታሪኻውን ሕጋዊ ብይን ምዃኑ'ዩ ሸኽ ኣሕመድ ዝምጕት። "ኣዝዩ ዓሚቚ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ሰነድ'ዩ፡ ደያሕ ኣብ እስላማዊ ስርዓተ-ሕጊ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ዘንጸባርቕ ድማ'ዩ ክብል ደገፉ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







