ንልዕሊ 70 ዓመታት 'ብሓጺናዊ ሳንቡእ' ከስተንፍስ ዝጸንሐ ፖል ኣሌክሳንደር ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, gofundme
እቲ ካብ ሕማም ፖልዮ ዝድሓነን ሓጺን ተገጢምሉ ዘስተንፍስን ሰብኣይ ኣብ መበል 78 ዓመቱ ዓሪፉ።
ፖል ኣሌክሳንደር ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከሎ ብ1952 ብሕማም ፖልዮ ስለዝተትሓዘ፡ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ለሚሱ።
ብሰንኪ እቲ ሕማም ከስተንፍስ ስለዘይከኣለ፡ ሓካይም ኣብቲ ብሓጺን ዝተሰርሐ ሲሊንደር ስለዘእተውዎ ዝተረፈ ዕድሚኡ ኣብኡ ከሕልፎ’ዩ ተገዲዱ።
ቀጺሉ ድማ ብትምህርቲ ሕጊ ዲግሪ ተመሪቑን በቲ ዓውዲ’ውን ዝሰርሐ ኮይኑ ናይ ህይወት ተዘክሮታቱ’ውን ጽሒፉ።
"ፖል ኣሌክሳንደር፡ ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ" ይብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምትእኽኻብ ገንዘብ ዝወጸ ጽሑፍ።
"ፖል ናብ ኮለጅ ኣትዩ፡ ጠበቓ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ደራሲ መጽሓፍቲ’ውን"።
"ፖል ንምእማኑ ዘጸግም ኣርኣያ ሰባት እዩ ነይሩ።"
ሓዉ ፊሊፕ ኣሌክሳንደር፡ "ተቐባሊን ምስ ሰባት ብቐሊሉ ዝተኣታቶን" ኢሉ ይዝክሮ። ብቕጽበት ምስ ሰባት ንምፍላጥ ዘኽእሎ መሳጢ ፍሽኽታ ከምዝነበሮ’ውን ገሊጹ።
"ንዓይ ከም ሓው ጥራይ'ዩ ነይሩ። ተባኢስና፣ ተጻዊትና፣ ንፋቐር፣ ድግስ ንገብር፣ ብሓባር ኮንሰርት ንኸይድ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፊሊፕ፡ ሓዉ ማዕሮ ክንደይ ርእሱ ዝኸኣለ ምዃኑ ከም ዘድንቖ ተዛሪቡ።
"ንሱ ጎይታ ነፍሱ እዩ ነይሩ፡ ሰባት ንክሕግዝዎ ይሕግዝ ነይሩ" ክብል ፊሊፕ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጥዕና ፖል እናሓመቐ ብምኻዱ እቶም ኣሕዋት ናይ መወዳእታ መዓልታቱ ብሓባር ኣይስክሪም እናተኻፈሉ ኣሕለፍዎ።
"ኣብ ናይ መወዳእታ ህሞታቱ ምስኡ ኮይነ ስለዘሕለፍኩዎ ክብሪ እዩ ነይሩ" ይብል ፊሊፕ።
ብ1952 ምስ ሓመመ ኣብ ዓዱ ዳላስ ዝርከቡ ሓካይም መጥባሕቲ ብምግባር ህይወቱ ኣድሒኖምዎ። ግን ኣካላቱ ባዕሉ ከስተንፍስ ኣይከኣለን ዝነበረ።
ጸገም ፖል ዝተረድኡ ሓካይም ዳላስ ኣብ ሓጺን ሳንቡእ ዝበሃል - ኣካላቱ ክሳብ ክሳዱ ዝዓጽዎ ብብረት ዝሰርሕ ሲሊንደር ክነብር ወሲኖም።
እታ "ኣረጊት ፈረስ ሓጺን" ዝበላ ሳንቡእ፡ ከተስተንፍስ ኣኽኢላቶ። ‘ቤሎውስ’ ካብቲ ሲሊንደር ኣየር መጢጡ ኣውጺኡ፡ ሳንቡኡ ክሰፍሕን ኣየር ክወስድን ኣገደዶ። እቲ ኣየር ተመሊሱ ምስ ኣተወ፡ ተመሳሳሊ መስርሕ ብግልባጡ ሳንቡኡ ከም ዝወጽእ ገበሮ።
ድሕሪ ዓመታት፡ ኣሌክሳንደር ኣብ መወዳእታ ንሓጺር እዋን ካብ ሳንቡእ ክወጽእ ምእንቲ፡ ንበይኑ ምትንፋስ ተማህረ።
ከም መብዛሕትኦም ካብ ፖልዮ ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ሓጺናዊ ሳንቡእ ዝተቐመጡ፡ ነዊሕ ክነብር ትጽቢት ኣይተገብረሉን። ንሱ ግን ንሸውዓተ ዓሰርተ ዓመታት ብህይወት ጸኒሑ።
ፖል ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስወድአ ብድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዘርን ሜቶዲስት ተማሂሩ። ኣብ 1984 ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ኣብ ኦስቲን ናይ ሕጊ ዲግሪ ረኺቡ። ንዓሰርተታት ዓመታት ከም ጠበቓ ኮይኑ ድማ ሰሪሑ።
"ኣብ ህይወተይ ዝኾነ ነገር ክገብር እንተኾይነ፡ ናይ ኣእምሮ ነገር ክኸውን ከምዘለዎ ፈሊጠ ነይረ" ክብል ኣብ 2020 ንጋርድያን ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ፕላስቲክ ባትሪ ተጠቒሙ ኣብ ኪቦርድ እንዳጽሓፈን ንዓርኩ ብቓል እናተዛረበን ሓደ መጽሓፍ ኣሐቲሙ። እታ ኣብ ህይወት ታሪኹ መሰረት ገይራ ዝተጽሓፈት መጽሓፍ ንምውዳእ ድማ ሸሞንተ ዓመት ከም ዝወሰደሉ ይንገር።
ፊሊፕ ፡ ሓዉ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ክሳብ ክንደይ መነቓቕሒ ምዃኑ ዝተረድአ፡ እቲ መጽሓፍ ተሓቲሙ ምስተዘርግሐ’ዩ።
ኣብ ሕክምና ብዝተራእየ ምዕባለታት፡ ሳንቡእ ሓጺን ኣብ 1960ታት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከም ዝኸውን ገይርዎ። ብመተንፈሲ መሳርሒታት ድማ ተተኪኡ። ኣሌክሳንደር ግን ነቲ ናይ ሓጺን ሳንቡእ ስለዝለመዶ ኣብታ ሲሊንደር ምንባር ቀጸለ።
ኣብ ሳንቡእ ሓጺን ዝነውሐ ዕድመ ዝጸንሐ ሰብ ምዃኑ ብመዝገብ ጊነስ ዎርልድ ሪከርድ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







