ኣብ ውግእ ንዝተሳተፉ ሰባት ዝወሃብ 'ስልጠና ተሃድሶ' እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቈም ብምፍታሕ ስልጠና ተሃድሶ ክወሃቦም ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።
እዚ መስርሕ ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ተግባራዊ ይኸውን ኣሎ።
ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ነበር ሓጂ ስዩም ኣወል ዝምርሑን ኣብቲ ክልል ዕጥቂ ሒዞም ክዋግኡ ዝጸንሑን 1750 ዕጡቓት 'ፈደራሊስት ሓይልታት ዓፋር' ብ9 ታሕሳስ 2017 [ኣ.ግ] ስልጠና ተሃድሶ ጀሚሮም።
ዝሓለፈ ሕዳር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል "ስምምዕ ሰላም" ዝፈረሙ እዞም ዕጡቓት፡ ኣብ ኣብዓላ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ማእከል ከም ዝኣተው ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ።
ዳይረክተር ኮሚዩኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ኣቶ ሃብታሙ መሰለ፡ እዞም ዕጡቓት ናብ 'ሲቪል' ህይወቶም ክምለሱ እንከለው "እኹል ግንዛበን ስነ-ልቦናዊ ጥንካረን" ንኽህልዎም እዩ ዝድለ ኢሉ።
ስለዝዀነ ድማ፡ ኮሚሽን ተሃድሶ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ሰላምን ብምትሕብባር "ሰነዳት ስልጠና" ከም ዘዳለወ ዝገልጽ ኣቶ ሃብታሙ፡ ብቐንዱ እቶም ዕጡቓት ዝነበሩ ናይ ሰለስተ መዓልታት ስልጠና ስነ-ልቦናን ሲቪክስን ከም ዝወስዱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ብሓፈሻ ካብ ኲናት ናብ ሰላም ክሰጋገሩ እንከለው ዝሓሸ ስነ-ልቦናውን ሃገራውን [ግንዛበ] ሒዞም ናብቲ ሕብረተሰብ ንኽሕወሱ ዝሕግዝ ስልጠና ይወሃቦም" ይብል።
እቲ ንመዓልታት ዝወሃብ ስልጠና ስነ-ልቦና፡ ኣብ ጽልዋ ግጭትን ኲናትን ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዞም ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ክንደየናይ ዝኸፍኡ ምዃኖም ዘገንዝብ እዩ።
ኣነባብራ ድማ ካልእ ክፋል እቲ ስልጠና ኰይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ዝነበሩ ኣገባባት ምርድዳእ፡ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ክእለት፡ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ዝኣመሰሉ ክእለታት ንኸዕብዩ ዝሕግዝ ከም ዝዀነ እቲ ሓላፊ ጠቒሱ።
"እቲ ሕብረተሰብ ከመይ'ዩ ዝቕበሎም? ካብኦም'ከ እንታይ ትጽቢት ይግበር? እንታይ ዓይነት ምትሕግጋዝን ስነ-ምግባርን ክህሉ ኣለዎ? ምስቲ ማሕበረሰብ ብምትእስሳር ውጽኢታዊ ህይወት ብኸመይ ክመርሑ ይኽእሉ?" ዝብሉ ናብቲ ሕብረተሰብ ንምጽንባር ኣድላዪ ዝዀኑ ስነ-ልቦናዊ ምድላዋት ክህልዎም ከም ዝግበር ሓቢሩ።
ኣብቲ ስልጠና ንሓደ መዓልቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ሲቪክስ [ስነ-ዜግነት] ድማ፡ ህንጸት ሰላም፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ብሰላም ንምፍታሕን እጃም ንምግባር ዕጥቂ ብምፍታሕ ምስ ሕብረተሰብ ምጽንባርን ዘተኰረ ምዃኑ ኣቶ ሃብታሙ ይዛረብ።
"ብዛዕባ ህንጸት ሃገር፡ ሃገራዊ መንነት፡ ሃገራዊ ክብርታት፡ ፈደራሊዝምን ዲሞክራስን፡ ህልዊ ኵነታት እታ ሃገር . . ." ኣብዚ ስልጠና ከም ዝለዓሉ ገሊጹ።
እዚ ስልጠና፡ ኣብቲ ዓውዲ ተመኵሮ ብዘለዎም ክኢላታት ዝወሃብ ምዃኑ ይግለጽ።
ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ኣማራጺ ወሲዱ ብረት ንዘልዓለ ሰብ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስልጠና ጥራይ እዅል ድዩ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ሃብታሙ፡ "እዅል'ዩ" ይብል።
እዚ ስልጠና "ደረጃኡ ዝሓለወ" እዩ ዝብል እቲ ሓላፊ፡ "ፈተነ" ተገይርሉ ዝተረጋገጸ ብምዃኑ እቶም ዕጡቓት ዝጸንሖም ፖለቲካዊ ግንዛበታት'ውን ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ፡ ዕጡቓት ብምትእኽኻብ፡ ዕጥቂ ብምፍታሕን ናብቲ ሕብረተሰብ ክጽንበሩ ኣብ ምግባርን 75 ሽሕ ዕጡቓት ዳግም ክጣየሱ ክገብር እዩ።
እዚ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ቀዳማይ ዙርያ ስልጠና ተሃድሶ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ'ዩ።
እቶም ዕጡቓት እግሪ ንክተኽሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረሎም'ዩ።
መንግስታት ክልል'ውን ነዚኦም ብዘላቕነት ንምጥያስ ዘኽእሉ "ሕጋጋት" ከዳልው ትጽቢት ይግበር።
እቶም ዕጡቓት ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ዝወሃቦም ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ናይ መጀመርታ ዙር ስልጠና ክሳብ ዝዛዘም ከይተዋህቦም ከም ዝጸንሐን እዚ ድማ "ፈሊጦምን ተሰማሚዖምን" ዝኣተውዎ ምዃኑን ሓቢሩ።
እዚ ስልጠና ተሃድሶ፡ ካብ ክልላዊ መንግስታት ብመሰረት ዝቐርብ ሕቶ ዝወሃብ ምዃኑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







