ትራምፕ፡ ውጥን መጥቃዕቲ ኢራን ኣጽዲቑ - ውሳነ ግን ኣይሃበን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ንኽትጥቃዕ ንዝተሓንጸጸ መደብ እኳ እንተ ኣጽደቐ፡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ግን ከም ዘይበየነ ስቢኤስ ጸብጺቡ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ መደባታ ከተቋርጾ ተስፋ ብምግባር መጥቃዕቲ ከይጅመር ከም ዝወሰነ ሓደ ላዕለዋይ ምንጪ ስለያ ንሲቢኤስ ሓቢሩ። ትራምፕ ኣብ ኢራን ዩራንየም ዝምዕብለሉ ሕቡእ ፋብሪካ ፌርዶ ንምጥቃዕ እውን ይሓስብ ምህላዉ ይግለጽ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትዕግስቱ ከም ዝጸንቀቐ ብምግላጽ ብዘይ ቅድመ-ዅነት ስዩም ክብሉ ዘቕረቦ ሕቶ ነጺጉዎ።
ትራምፕ፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ኣመሪካ ኣብ መጥቃዕቲ ኢራን ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ክገብሮ እኽእል፡ ዘይክገብሮ እኽእል፡" ክብል መሊሱ።
ኻመኒ ተቐዲሑ ኣብ ዝተፈነወ መደረኡ ስም ትራምፕ ብምርቋሕ፡ "ዝዀነ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ" ብዙሕ ወጻኢታት ከም ዝጠልብ ብምሕባር፡ "ኢራን ስዩም ኣይትብልን እያ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ነቲ ምንጻግ ዕሽሽ ብምባል "ጽቡቕ ዕድል" እኳ እንተ በለ፡ መደባቱ ክገልጽ ግን ኣይደለየን፣ "እንታይ ከም ዝገብር ዝፈልጥ ሰብ የሎን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ መደበራት ሚሳይልን ትካላት ንዩክለርን ወቒዑ። ኢራን ከም ግብረ መልሲ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ገሊጻ።
ልኡኽ ኢራን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ንትራምፕ ቀዪዕሉ፡ "ኢራን ብኣስገዳድ ናብ ዘተ ኣይትኣቱን፣ ተገዲዳ ሰላም ኣይትቕበልን። ብርግጽ ድማ ኣገዳሲት ኰይና ምእንቲ ክትርአ ውግእ እትናፍቕ ኣይኰነትን፡" ኢሉ።
"ዝዀነ ኢራናዊ ብዓል ስልጣን ኣብ ልዳት ዋይትሃውስ ቈይሙ ጕንብሕጥልዕ ኢሉ ኣይፈልጥን፡" ክብል ድማ ወሲኹ።
"ካብ ሓሶቱ ዝኸፍእ ነገር እንተ'ልዩ፡ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን 'ክቐትል' ምዃኑ ከፈራርሕ ምፍታኑ ጥራይ እዩ፡" ኢሉ።
እዚ ቃላት ኲናት ዝውርወር ዘሎ፡ ኢራናውያን ካብ መጥቃዕቲ እስራኤል ንምድሓን ካብታ 10 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ቴህራን ንምውጻእ ብጻዕቂ ትራፊክ ጽርግያታት ተዓጽይሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ሓይልታት ሃገሩ መደበራት ንዩክለርን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ኢራን ከስዕቡዎ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ንምውጋድ፡ "ደረጃ ብደረጃ ይግስግሱ ኣለዉ፡" ክብል ገሊጹ።
"ሰማያት ቴህራን ንቈጻጸሮ ኣለና። ንስርዓት ኣያቶላህ ብዘገርም ሓይሊ ንሃርሞ ኣለና። ንመደበራት ንዩክለር፡ ሚሳይላት፡ ዋና ቤት ጽሕፈትን ትእምርቲ ናይቲ ስርዓት ንዝዀኑን ንወቕዖም ኣለና፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸሓፊ ምክልኻል ትራምፕ ፒት ሄግሰት ንሽማግለ ሰኔት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፔንታጎን ትራምፕ ንዝህቦ ዝዀነ ይዅን ትእዛዝ ንምፍጻም ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተወሳኺ ሓይሊ ኣብ ዝድርብሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክራኸቡ ምዃኖም ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣመሪካ ነቲ ኣብ ድየጎ ጋርስያ ወይ ቆጵሮስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያ ንመጥቃዕቲ ኢራን ክትጥቀመሉ ወግዓዊ ሕቶ ከም ዘየቕረበት ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።
ካብዞም ዝተጠቕሱ ቦታታት ነቒላ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንተ ሓሲባ ንመሻርኽታ ዝዀነት ብሪጣንያ ክትሕብራ ምዃና ርዱእ እዩ።
ሓደ ብሪጣንያ ምንጪ ኣብ ዋሽንግተን፡ "ኵሎም ኣማራጺታት" ኣብ ጠረጴዛ ከም ዝርከቡ እሙን እኳ እንተዀነ፡ ምሉእ ስእሊ ዕላማ ኣመሪካ ግን ንጹር ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ኣብ እየሩሳሌም ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዜጋታቱ ናይ ምውጻእ ውጥን ብረቡዕ ኣውጺኡ። ክንደይ ኣመሪካውያን ክወጽኡ ከም ዝደልዩን ሰራዊት ኣመሪካ ኣብቲ መስርሕ ምውጻእ ክሕግዝ ድዩን ግን ግልጺ ኣይገበረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







