እስራኤል ምስ ቅትለት መራሒ ሓማስ ሃንየ ብዝተሓሓዝ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ነገር እንታይ'ዩ?

ሃንየ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ኢስማዔል ሃንየ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2024 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ቴህራን ከም ዝተቐትለ ይዝከር።

እቲ ቅትለት ብእስራኤል ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ድማ ሃገሩ ንኢስማዔል ሃንየ ኣብ ቴህራን ከም ዝቐተለቶ ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ንሱ፡ ንመራሕቲ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ የመን ዒላማ ከም ዝገብር ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን እዩ ነዚ ኣረጋጊጹ።

ሑቲ፡ ኲናት ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንድሓር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚሳይላትን ድሮናትን ይትኵሱ ምንባሮም ይፍለጥ።

"ልክዕ ከምቲ ኣብ ቴህራን[ኢስማዔል ሃንየ]፡ ቓዛ [ያሕያ ሲንዋር] ሊባኖስ [ሓሰን ናስራላህ] ዝገበርናዮ፡ ኣብ ሑደይዳን ሰንዓን ክንገብሮ ኢና" ክብል ነቶም ኣብዚ ዓመት ዝተቐትሉ መራሕቲ ሒዝቦላህን ሓማስን ጠቒሱ።

ወዲ 62 ዓመት ሃኒየ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ድርድር ልዑል ተራ ነይሩዎ።

ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ኢስማዔል ሃንየ ብእስራኤል ኣብ ቴህራን- ኢራን ከም ዝቐተለት ከኣ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጹ'ሎ።

ንሱ ምስ ተቐትለ፡ ሓማስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሃንደስቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነ ያሕያ ሲንዋር መራሒ ገይሩ ሸይሙዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሲንዋር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ብሰራዊት እስራኤል ክቕተል እንከሎ፡ እቲ ጕጅለ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስርሕ ምምራጽ ሓድሽ መራሒ ይርከብ።

ብኻልእ ወገን፡ መራሒ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጕጅለ ሒዝቦላህ ዝዀነ ሓሰን ናስራላህ፡ እስራኤል ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ልዕሊ ቤይሩት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲታት ቀቲላቶ።

ብኢራን ዝድገፍ ንሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቈጻጸር ጕጅለ ዓመጽቲ ሑቲ፡ እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ድሕሪ ምጅማራ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ እስራኤልን ካልኦት ዓለምለኻውያብ መራኽብን መጥቃዕቲ ክፍጽም ጀሚሩ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክሳብ ዘይበለ ካኣ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝቕጽሎ ተሓንዩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ የመን ዝተወንጨፈ ፕሮጀክትላይት ንምውዳቕ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይተዓወተን እቲ ሚሳይል ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ሕዛእቲ [ፓርክ] ከም ዝዓለበን ገሊጹ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ፡ እቲ ጕጅለ ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይል ተጠቒሙ ወተሃደራዊ ዒላማ ከም ዝሃረመ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሑቲ እዩ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ንወደባት ከምኡ'ውን ትሕተ ቅርጺ ሃሪማ።

ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እውን ኣካል ናይቲ ኣህጉራዊ መራኽብ ንምሕላው ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ኣብ ዒላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ፈጺመን ኣለዋ።

ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት 251 ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሓማስ ንምጥፋእ ዝብል ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝጀመረቶ ወፍሪ ንልዕሊ ዓመት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ወሽመጥ ቓዛ 45 ሽሕን 317 ሰባት ከም ዝቐትሉ ይሕብር።

እቲ ኣሃዝ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ 58 ሰባት ዘጠቓልል ምዃኑ ሰበስልጣን ሓማስ ገሊጾም።

ሰብ መዚ ሕክምና እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሰራዊት እስራኤል "ውሑስ ዞባ" ተባሂሉ ዝተነጸረ ከባቢ ኣል-ማዋሲ ብዝተፈጸመ ሰለስተ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።

እስራኤል ንሓደ ተቓላሳይ ሓማስ ዒላማ ከም ዝገበረት ገሊጻ።

ትማሊ ሰኑይ እስራኤል ሰለስተ ካብ ወተሃደራታ ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ምስ ሓማስ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ንምስምማዕ ገለ ምዕባለታት ከም ዝተራእየ እኳ እንተገለጸ፡ መዓስ ኣብ ስምምዕ ከም ዝብጻሕ ግን ናይ ግዜ ገደብ ኣየቐመጠን።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ 90 ሚኢታዊት ከም ዝተዛዘመ'ኳ እንተገለጸ፡ ቍልፊ ጕዳያት ግን ከም ዝተረፉ ጠቒሱ ነይሩ።