ትግራይ፡ ዝቐጸለ ጠለብ ሓይልታት ትግራይ

ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጥርዓን ከስምዑ ምስ ዕጥቆም ዝመፅኡ ካልኦት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብተመሳሳሊ ኣብ ህንፃ ቤት ጽሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተረኺቦም እዮም።
ዝተወሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ብምኻድ ንጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ወፅዮም ነናብ ገዛኦም ክኸዱ ኣገዲደሞም እዮም።
ብሰንኩ ድማ ፈነወ ተለቪዥን ድምፂ ወያነ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ተቛሪፁ ኣጋግዘ ዳግም ከምዝጀመረ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ናብ ህንፃ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣምርሑ: ዕጥቅኹም ኣራጊፍኩም ናብ ኣደራሽ ህንፃ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እተዉ ተባሂሎም: ምስ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑን (ፍስሃ ማንጁስ) ካልኦት ኣዘዝቲን ተዛትዮም።
እዚኦም እውን ተመሳሳሊ ሕቶታት ብምቕራብ ምስቶም ኣዘዝቲ ዘትዮም ምሸት ከባቢ ሰዓት 3:30(9:30) ናብ ኣሃዱኦም ከምዝተመለሱ ተፈሊጡ እዩ።
ብተዛማዲ ሓበሬታ: ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ፖሊስ ዝርከብዎም ሓይልታት ጸጥታ ንትካላት ተለቪዢን ትግራይን ድምጺ ወያነ ትግራይ ንምክልኻል ኣብ ሓለዋ ኣምስዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ከቲቶም ዝቖሰሉን ብህይወት ዝደሓኑን ኣባላት ንመነባብረኦም ዝምልከት ጠለባት ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ዝበዝሑ ሓይልታት ትግራይ ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ንቡር ናብራ ክምለሱ ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰብመዚ ትግራይን ፌደራላዊ መንግስትን ዘሎ ምስሕሓብን ዘይምትእምማንን ከምዝነበርዎ ክቕጽሉ ተገዲዶም ይርከቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ኣብታ ብሰንኪ ኣድማ ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ኣብ ወጥሪ ዝወዓለት ከተማ መቐለ: ድሕሪ ቀትሪ ሓያል ነትጒ እውን ተሰሚዑ እዩ።
ጠንቂ ናይቲ ካብ ውሽጢ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝተሰምዐ ነትጒ ሰብሞያ ኣሰር ናይቲ ፍንጃር ብምውሳድ እንታይ ምዃኑ ብንጹር የፃርዩ ምንባሮም ተገሊፁ እዩ።
በቲ ምፍንጃር ኣብ ሰብ ዝበፀሐ ሓደጋ ከምዘየለ ምንጭታት ፖሊስ ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ሎሚ ብዛዕባ እቲ ነትጒ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ፀጥታ ዝረኸቦ ሓበሬታ: ብሰዓት ተመሊኡ ተፃዊዱ ዝነበረ ምዃኑ ከምዝተነፀረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሎሚቕነ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ክካየድ ዝተሓሰበ ኣኼባ ስለዝነበረ ንዕኡ ንምህዋኽ ዝተወጠነ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ወረ እውን ተሰሚዑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







