ሕብረት ኣፍሪቃ ንወጥሪ ትግራይ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ

ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታዊን ቅልውላው ከምዘተሓሳሰቦ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።

"ምርግጋእን ሰላምን እቲ ክልል" ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ብዓርቢ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኩነታት "ብቐረባ ይከታተሎ" ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

"ነዚ እዋናዊ ምዕባለታት መሰረት ብምግባር፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ኣብ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት [ፕሪቶርያ] ሰፊሩ ዘሎ ግቡኣት ከኽብርዎ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣትሪሩ የተሓሳስብ"።

እቲ ካብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ብዶ/ር ድብረጽዮን ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን ሓያል ጸቕጢ ኣጋጢምዎ ዳርጋ ስልጣኑ ጠልጠል ኢሉ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብመንገዲ እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝከታተል ኣደራዳሪ ፓነል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ልዝብ ንምስላጥ ድልው ምዃኑ'ውን እቲ ሕብረት ገሊጹ'ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ኵነታት ትግራይ ማእከል ዝገበረ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብመዚ ማእከላይ መንግስትን ዘሳተፈ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይምራሕ ከም ዘሎ ዝተነግረሉ መድረኽ ዝተረኽበ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ንዝምዕብል ዘሎ ኵነታት "ብትዅረት" ይከታተሎ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ "ዓርሱ ዘግለለ ጕጅለ ህወሓት፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ንኸይትግበር ማሕለኻ ኰይኑ ኣሎ፡" ክብል ወቒሱ።

ንሱ፡ "ኣብ ግብራውነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ድሩትነት እኳ እንተ ሃለወ፡ ምሉእ ንምሉእ ንምትግባር ይስራሕ፡" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመልክቱዎ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቶም ልኡኻት መንግስታት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ ብምባል ዝኸሰሶ ጕጅለ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ "ንምፍራስ ብዝፈጠሮ ጸገም፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግልጺ ኣፍሪሱዎ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ምምሕዳር፡ እቲ ውዕል ብልክዕ ግብራዊ ንክኸውን ድልየት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ገለ ኣመራርሓ ህወሓትን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ግን ንግብራውነት ናይቲ ስምምዕ የዐንቅፉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ንሱ፡ ብሰኑይ "ዕግርግር" ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ንዝበሎም ላዕለዎት ወተሃደራት - ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ኣጊዱ እዩ።

እቶም ዕጥቂ ዝሓዙ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወስድዎ ዘለዉ ስጕምቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ሰባት ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ እቲ ምምሕዳር ብሰሉስ ከሲሱ።

እንተዀነ፡ እቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ክፋል ህወሓት፡ እቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ዘለዉ ኣዘዝቲ ኣብቲ ክልል "ሕግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ስራሕቲ፡" ከም ዝጀመሩ ብምግላጽ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምፍራስ ዝገበሩዎ ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ የሎን ክብል ነጺጉ።

ኣብዚ እዋን፡ ዝበዝሓ ምምሕዳራት ዞባን ወረዳታትን ካብ ቍጽጽር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ወጻኢ ኰይነን ከም ዘለዋ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።

መን እንታይ ይብል ኣሎ?

ምኒስትር ቆላን መስኖን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ሰልፊ ብልጽግናን ዝዀነ ኣብርሃም በላይ [ዶ/ር] ትማሊ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብቲ ክልል ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ብምፍጣር "ዳግም ጐንጺ ንኽለዓልን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደልዩ ኣካላት ብሰፊሑ ይርኣዩ ኣለዉ'ዮም፡" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

መንግስቲ እቲ ክልል፡ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት ኣብ ምርግጋእ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ብምምልካት ድማ፡ "ካብ ዓቕሚ እቲ ክልል ወጻኢ ዝዀኑ ኣጀንዳታት እንተ ተፈጢሮም ሓበራዊ ፍታሕ ክወሃበሉ'ዩ፡" ኢሉ

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባራትን ይፍጸም ኣሎ'ዩ ብምባል ኣብዚ ሰሙን ሓገዝ ማእከላይ መንግስቲ ከም ዝሓተተ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ይፈርስ እዩ ዘሎ ብምባል ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ጥፍኣት እንክኣቱን "ሱቕ ኢሉ ክርኢ ኣይግባእን፡" ኢሉ።

ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ'ውን፡ እቲ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ግጭት ከይዓረገ እንከሎን ውዕል ፕሪቶሪ ንስጕምቲ ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ደው ከብልዎ ድማ ጸዊዑ'ዩ።

እቲ ደገፍ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ረኺቡ ዘሎ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ግን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደገፍ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕታቱ "ቅሉዕ ብሄራዊ ጥልመት'ዩ፡" ብምባል ነቒፉ።

ንኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ መዝነቶም ክወርዱ ንዝሓለፈ ውሳነ ዝተቓወመ እቲ ወገን ህወሓት፡ እቲ ስጕምቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ'ዩ ኢሉ።

ትማሊ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ብሓባር ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መንግስቲን ብኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝተደገፈ ወገን ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ ብዘተ ክፍታሕ ተማሕጺነን እየን።

እቲ ኵነታት "ናብ ጐንጺ ክምለስ የብሉን፡" ብምባል ኵሎም ወገናት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከኽብሩ ጸዊዐን።

እቲ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ክልል ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ወጥሪ ግን፡ ነቲ ካብ በሰላታት ደማዊ ኵናት ትግራይ ዘይሓወየ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምዎ ይርከብ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ለበዋ ኣቕሪቡ ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መብርሂ ዘይሃበ ኰይኑ፡ ነቲ ኵነታት ብኸመይ'ዩ ክኣልዮ ዝብል'ውን ግልጺ ኣይኰነን።

መንግስቲ ፈደራል፡ ሓደ ካብቶም ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳርን ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

እዚ ውጥጥ ብኸመይ ናብዚ ደረጃ በጺሑ?

እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐድኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ምስቶም ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን እዩ ተወሊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ'ዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ንምቕያር ናብ መንግስቲ ፈደራል ክቐርብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ጕጅለ ደብረጽዮን ከም ዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፡ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ምግላጾም ይፍለጥ።

እዚ ውሳነ፡ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ሕጂ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ክንፊ ህወሓት፡ ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንኸየካይድ ኣጊዱዎ ይርከብ።

ሰብመዚ መንግስቲ ፈደራል ድማ ተፈጻምነት ውዕል ፕሪቶርያ ንኸይህሉ መራሕቲ እቲ ክልል ይሓልኩ ኣለዉ ብምባል ይኸሱ።

ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ተማሕጺኑ ከም ዝነበረ ይዝከር።