ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን 'ህጹጽ ልዝብ' ክካየድ ጸዊዐን

እቲ ኣብ መንጎ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መንግስቲን ብኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝደገፈ ወገን ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ ብዘተ ክፍታሕ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት ተማሕጺነን።

ኣብቲ ብኤምባሲታት እተን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ኩነታት "ናብ ጐንጺ ክምለስ የብሉን" ኢሉ'ሎ።

"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ንከታተሎ ኣለና" ዝበሉ እቶም ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ኤምባሳታት፡ ኩሎም ወገናት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከኽብሩ ጸዊዖም ኣለዉ።

"ነቲ ኣፈሙዝ ብረት ዝዓበሰ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዘለና ምሉእ ደገፍ ደጊምና ነረጋግጽ" ይብል እቲ ሓጺር መግለጺ።

ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኒዊዝላንድ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ጃፓን፡ ስዊዘርላንድ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያን ኣየርላንድን ካብተን ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ስግኣተን ዝገለጻ 24 ሃገራት'የን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣምባሰደራት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መብርሂ ከምዝሃቦም ብረቡዕ ምሸት ገሊጹ ነይሩ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ኣብቲ ክልል ጸጥታዊን ፖለቲካውን ቅልውላው ሰፊኑ ይርከብ።

እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ከምዝለመሰ ይንገረሉ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት ምድጋፎምን ብቕሉዕ ጌታቸው ረዳን ደገፍቱ ክእለዩ ምጽውዖምን'ውን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲድዎ'ዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት'ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ግጭት ከምዝተፈጥረን ሓያለ ሰባት ከምዝተጎድኡን ይግለጽ።

ወከልቲ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ኩነታት ብምህዳእ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጸኒዑ ከምዝቕጽል ንምግባር ብተደጋጋሚ ናብ ትግራይ ብምኻድ ክንቀሳቐሱ ተራእዮም'ዮም።

ነቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት ትግራይ ደው ንኽብል ኣመሪካ ወሳኒ ግደ ምጽዋታ ይፍለጥ።

ድሕረ-ባይታ ናይቲ ወጥሪ

እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ዀይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ምስቶም ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን እዩ ተወሊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ'ዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ንምቕያር ናብ መንግስቲ ፈደራል ክቐርብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ጕጅለ ደብረጽዮን ከም ዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ምግላጾም ይፍለጥ።

እዚ ውሳነ፡ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ሕጂ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ክንፊ ህወሓት ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንከየካይድ ኣጊዱዎ ይርከብ።

ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል ድማ፡ ተፈጻምነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንከይህሉ መራሕቲ እቲ ክልል ይሓልኵ ኣለዉ ብምባል ይኸሱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ተማሕጺኑ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ሓያለ መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ኣብ ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ሕጊን ቅጥዕን ናይቲ ውድብ ዘይተኸተለ'ዩ ብምባል ከምዝኾነንዎ ይዝከር። እቲ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ጉባኤ ግን ንጌታቸው ዝርከቦም ሓያለ መራሕቲ ካብቲ ውድብ ኣጊድዎም'ዩ።