እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፌደራላዊ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ምሕታት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ - ህወሓት
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲን መንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባራትን ይፍጸም ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሓገዝ ማእከላይ መንግስቲ ሓቲቱ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ይፈርስ እዩ ዘሎ ብምባል ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ጥፍኣት እንትኣቱን "ሱቕ ኢሉ ክርኢ ኣይግባእን" ኢሉ።
ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ'ዉን፡ እቲ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ግጭት ከይዓረገ እንከሎን ውዕሊ ፕሪቶሪ ንስጕምቲ ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ደው ከብልዎ ድማ ጸዊዑ።
ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደገፍ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕታቱ "ቅሉዕ ብሄራዊ ጥልመት'ዩ፡" ክብል ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ነቒፉ።
ንኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ መዝነቶም ክወርዱ ንዝሓለፈ ውሳነ ዝተቓወመ እቲ ወገን ህወሓት፡ እቲ ስጕምቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ'ዩ ኢሉ።
"ስለ'ዚ እቲ [ብጌታቸው ዝምራሕ መንግስቲ] ብሄራዊ ክሕደት ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ሳልሳይ ወገን ናብ ትግራይ ኢዱ ንኸእቱ ዝገብሮ ዘሎ ፃውዒትቅሉዕ ብሄራዊ ጥልመትን ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ብምዃኑ ፍፁም ተቐባልነት ኣይብሉን፡" ኢሉ።
ቢሮ ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ይፈርስ ኣሎ ብምባል እቲ ክልል ዳግም ናብ ረጽሚ ከይኣቱ ስግኣት ከም ዘለዎ ይጠቅስ።
"መንግስቲ ፌዴራል እቶም ብሽም ሓይልታት ጸጥታ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣካላት ናይ ሓደ ድሑርን ገበነኛን ጕጅለ ተለኣአኽቲ እምበር ንህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ከም ዘይውክሉ ተረዲኡ ኣድላይ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ፡" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጽአ መግለጺ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት እቶም ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነቶም መሓውራት መንግስቲ የፍርሱ ኣለዉ ኢሉ ዝኸሶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ የሰናብቶም ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ልዕሊ ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ ሲቪላውያን ጐነጻዊ ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘለዉ'ውን እቲ ፕረዚደንት ከሲሱ'ሎ።
ትማሊ፡ ኣብ ዓዲ ጉዶምን ገለ ከባቢታት መቐለን ብዙሓት ተጐዲኦም ከም ዘለዉ እቲ ፕረዚንት ብትዊተር ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ሎሚ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከባቢታት ተምቤን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ንምቍጽጻር ከቢቦምዎም ከም ዘለውን ወጥሪ ከም ዘሎን ምንጪታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ኣርሚ 33 ብዝብል እትፈለጥ ኣሃዱ ሎሚ ለይቲ ካብ ሓውዜን ናብ መቐለ ትጕዕዝ ሓዲራ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወትን ኣብኡ'ዉን ወጥሪ ነጊሱ ከም ዘሎን ምንጪታትና ገሊጾም።
እቲ ብመሰረት ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ብሽም ሓይልታት ጸጥታ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ምምሕዳር ኣይውክሉን ብምባል እቲ ተግባራት ንውዕል ፕሪቶሪያ ዘፍርስ'ዩ ይብል።
ህወሓት ግን "ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተጀመረ ሕገ መንግስትን ልዕልነት ሕግን ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ንመስርሕ ሰላም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘኽብር እምበር ዘፍርስ ኣይኰነን፡" ክብል'ዩ ዝምጕት።
እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?
እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዝተኻየደ ውግእ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።
ነዚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ስዒቡ ድማ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመንግስቲ ፈደራል ቈይሙ።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ ኣመራርሓ ህወሓት ኣፈላላይ ክፍጠርን ጸኒሑ ድማ ናብ ክልተ ክምቀሉን ጀሚሮም።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ምግላጾም ይፍለጥ።
እዚ ውሳነ፡ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።
ይኹን'ምበር፡ እቶም ውግንኖም ምስቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካአል ዝምራሕ ፍንጫል ህወሓት ከም ዝዀነ ብወግዒ ዘፍለጡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ሕጋዊ ምምሕዳራት ክፍርሱ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቶም ኣዘዝቲ ኣብቲ ክልል "ዕግርግር" ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ብዝብል ድማ ኣቶ ጌታቸው ከሰናብቶም ጀሚሩ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣዛዚ ግንባር ደቡብ ሜ/ጀነራል ዮሃንስ ወልደጀወርጊስ (መዲድ)፡ ኣዛዚ ግንባር ሰሜን ምብራቕ ሜ/ጀነራል ማሾ በየነን ኣዛዚ ግምባር ምዕራብ ብ/ጀንራል ምግበይ ሃይለን ካብቶም ብሰኑይ ምሸት ካብ መዝነቶም ተላዒሎም ኣለው።
ብተወሳኺ፡ ትማሊ ንሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ዝዀነ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ፋንታ ካብ ዝነበሮ "ምድብ ሓላፍነት" ከም ዝተላዕለ ሓበሬታ መንግስቲ የመልክት።
ሓያለ ካብዞም ጀነራላት ኣብ ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ነቶም ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎም ኢሎም ዝኸስዎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ሰበስልጣን ክልላዊ መንግስቲ፡ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ኣለዎም ዝብል ጐስጓሳት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እንተዀነ ብብዓል ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት: እቲ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ንምእጋድ ዝተወስደ ውሳነ 'ተቐባልነትን የብሉን' ብምባል ነጺጉዎ'ሎ።
ካብ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ኣ.ግ] ጀሚሩ፡ ገለ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዝዀኑ ውልቀሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ምምሕዳራት ዘነጻጸረ ስጕምቲታት ክወስዱ ከም ዝጀመሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይገልጽ።
ኣብዚ ሰሙን፡ "ብኣዘዝቲ ግንባራት ሰሜን ምብራቕን ደቡብን ዝምራሕ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ" ብዝኸፍአ መገዲ ይቕጽል ኣሎ ይብል።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሲቪላት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ይኸስስ።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ይእሰሩ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።