ኣብ መቐለን ከባቢ ዓዲግራትን ኣንፀላልዩ ዘሎ ኵነታት ፀጥታ እንታይ'ዩ?

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ - ኣቶ ኪዱ ገ/ፃድቕ ቤተሓርያት ኣብ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ብገለ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ተጨውዩ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ሰሎሞን ትኩእ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓላፊ ፀጥታ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ዓዲግራት ኣብ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ እዋን ቤተሓርያት ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ብዕጡቓት ከም ዝተዓግተን ንዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፈልጡ ከም ዝተገብረን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ዝነበረ ሓላፊ ፀጥታ፡ ከም ዝተፈትሐ ዝግለፅ ዘሎ ኰይኑ፡ ስለምንታይ ከም ዝተዓግተን ብኸመይ ከም ዝተፈትሐን ካብ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ዛጊድ ዝተዋህበ መብርሂ የሎን።

ጭውያ ናይቲ ሓላፊ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ከዘራርብ ዝወዓለ ኰይኑ፡ እቲ ኣብታ ክልል ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ።

ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ ቴለፎን እቲ ሓላፊ ፀጥታ ባዕሉ ደዊሉ ከም ዘረጋገፀን፡ "ኣብቲ ግዝያዊ ኬላ ሒዞም ኣብ ከም ዝዓገቱዎ፡" ተዛሪቡ።

"ምኽንያት ማዕገትትቲ [ኣቶ ኪዱ] ኣይፈለጥናዮን ዘለና። ናይ መመንግስቲ ሓላፊ እዩ፣ ብዘይ ምንም ናይ ፖሊስ ኰነ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሰብ ብኢደወነንካ ምእሳር ትኽክል ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ነቲ ሓላፊ ፀጥታ ኣብ ቀይዲ ዘውዓሉ ኣባላት ኣርሚ 15 ኮር 154 ከም ዝዀኑ፡ እቲ ኣማሓዳሪ ወሲኹ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

"እቲ ኬላ ከም ዞባ ኣይንፈልጦን፣ ከም ፀጥታ'ውን ኣይፈልጦን፣ ምሊሻ'ውን ኣይፈልጡዎን፡" ብምባል ሓበራዊ ኮሚቴ ፀጥታ እቲ ዞባ፡ ዘይፈልጦ ሕጋዊነት ዘይብሉ ኬላ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ኣብ ዓዲግራትከ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ብሰንበት'ውን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት፡ ዝተወሰኑ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣርባዕተ ዝዀና ወተሃደራዊ መካይን ሒዞም ይዞሩ ከም ዝነበሩን ኣብቲ ከባቢ "ራዕዲ" ከም ዝፈጠሩን እቲ ኣመሓዳሪ ጠቒሱ።

ኣቶ ሰለሞን፡ "እቶም ሰራዊት ናይ በዓልትና ሰራዊት እዮም። ኣርባዕተ ዝዀና ፓትሮል እዮም ሒዞም፣ ኣብቲ ከተማ ምዛር ምስ ጀመሩ ነቲ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሮምሉ።"

"ከምኡ ዘድሊ ኣይነበረን፣ ከምኡ ዘግብር ዝዀነ ናይ ፀጥታ ሽግር'ውን ኣይነበረን። ምንም ዝተፈጥረ ነገር ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ከምኡ ምግባር ኣድላይ ኣይነበረን፡" ክብል ዝነቅፍ ኣቶ ሰለሞን፡ እዚ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ፖሊስ ኰነ ፀጥታ እቲ ከባቢ ከም ዘይፈልጦ ሓቢሩ።

ርግፅ ንሱ፡ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበሃል ዘሎ፡ እቲ ጐንፂ ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ከም ዘይኰነ፡ እቲ ተግባር ውሱናት ዕጡቓት ዝፍፅምዎ ዘለዉ ምዃኑ ወሲኹ ኣብሪሁ።

"እዚ ተግባር እቲ ሰራዊት ዝገብሮ ዘሎ ዘይኰነስ፡ 'ንባዕሉ ንውሱናት ኣባላት ሰራዊት ኣታሊሉ፡ ንዐኦም ኣብ ቅድሚት ገይሩ ናብ ስልጣን ክድይብ' ዝፍትን ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስራሕ እዩ፡" ክብል ከሲሱ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ህወሃት ዝተፈጥረ ምምቕቓል ስዒቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ነናይ ባዕሎም ሹመት ክህቡ ዝረአ ኰይኑ፡ ኣብ ከም ዓዲግራትን ከባቢ ሰሓርትን ድማ ማሕተም ቀበሌታት ንምቁፅፃር ከምኡ'ውን ኣብ መቐለ ራድዮ ጣብያ (ኤፍኤም መቐለ) ክቆፃፀሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ዕግርግር ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝዀነ ጀነራል ዮሃንስ (ወዲ መዲድ) ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ምስ ገለ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ነባር ተጋደልትን ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ "እቲ ሰራዊት ዝወሰኖ ክንትግብሮ ኢና፣ ዝተቐየረ ነገር የሎን፣ እንቕይሮ ነገር ድማ ኣይክህሉን'ዩ፡" ምባሉ ስዒቡ፡ ነቲ ውልዕ ጥፍእ ዝብል ፀጥታዊ ስግኣት ዘጋደዶ ይመስል።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ናብ ምክትሉን ሓላፊ ካቢነ ፀጥታን ሰላምን ጀነራል ታደሰ ወረዳ፡ ብዕለት 26 ለካቲት ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ "ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕ፡ ምብራቕን መቐለን፡ ክገብሩዎ ዝፈተኑ ዘራጊ ምንቅስቓስ፡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ምድላው ከም ዝተዛዘመን፡ እዚ ብህፁፅ ደው ክብል፡" ዝብል፡ ሓውሲ መጠንቀቕታ ዝመስል ደብዳበ ዘርጊሑ ነይሩ።

"ነዚ ትእዛዝ እዚ ሸለል ብምባል ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ሓለፍቲ ብህፁፅ ናይ መአረምታ ስጕምቲ ክውሰድ የተሓሳስብ፡" ይብል እቲ ደብዳበ።

ነዚ ስዒቡ፡ ዕልዋ መንግስቲ ክግበር እዩ ዝብል ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ብፍላይ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዝ ህዝቢ ብዝሑ ከም ዝወሰኸን ናብ ሎሚ ዘፅብሕ ለይቲ ፍርሕን ስግኣትን ተፈጢሩ ከም ዝነበረን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ መእተዊ ከባብታት መቐለን፡ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ትግራይን፡ መናእሰይ ክተኣኻኸቡን ተወዲቦም መንገዲ ክዓፅዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፃውዒታት ክግበር ዝተራእየ ኰይኑ፡ እቲ ኵነታት ናብ ሓደጋ ዘእቱ ብርኪ ከይሰጋገር ስግኣት ኣሎ።

ኣዘዝቲ ሰራዊትከ እንታይ ኢሎም ነይሮም?

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 23 ካብ 'ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ' ብዝብል ዝተዋህበ መግለጺ፡ ነቲ ከም 'ዋሕስ ህዝቢ' ክሕሰብ ዝጸንሐ ሓይልታት ትግራይ፡ ካልእ ስግኣት ኰይኑ ክርአ ከም ዝገበሮ ይግለጽ።

እቲ መግለፂ፡ ነቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብቕሉዕ ዝድግፍ ትሕዝቶ ዘለዎ ኰይኑ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝቘመ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ብ'ሕመቕን ክሕደትን' ይኸስስ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ነቲ ስጕምቲ ከም ኣዋጅ 'ዕልዋ መንግሰቲ ይረአ' ክብል ኰኒኑዎ ነይሩ።

እቲ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፈኸም ክበል ዝፀንሐ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቍርቁስ፡ ተባሊሑ ናብ ወተሃደራዊ ጽፍሒ ክልሑኽ ጀሚሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሓደ ክንፊ እቲ ውድብ፡ 'ሰራዊት ምሳና እዩ' ክብል ተሰሚዑ እዩ።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ናይቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓደ መድረኽ፡ "ሰራዊት ምስቲ ናትና ዝሳነ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ሕዚ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ካብ ምእላይ ሓሊፍና፡ ኵሎም ባህግታትና ክንትግብር ንኽእል ኢና፡" ክትብል ኣአንፊታ ነይራ።

እቲ ኣካታዒ ወተሃደራዊ መግለፂ ግን፡ ከምቲ ኣብ መቐለን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ዝተራእየ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ህዝባዊ ቍጥዐ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እቶም ሓይልታት'ውን ገለ ስምዒታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይዝረብ።