እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰንሰለት እዚ ሓይልታት ትግራይ ከመይ ይመስል?
ከቢድ ምፍንቓልን ህልቂትን ዘስዓበ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ካብ ዝብል ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣቝጺሩ፤ እቲ ክልል ድማ ተዛማዲ ሰላምን ህድኣትን ረኺቡ ጸኒሑ ኣሎ።
እንተዀነ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ 'ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ' ብዝብል ዝተዋህበ መግለጺ፡ ነቲ ከም 'ዋሕስ ህዝቢ' ክሕሰብ ዝጸንሐ ሓይልታት ትግራይ፡ ካልእ ስግኣት ኰይኑ ክርአ ከም ዝገበሮ ይግለጽ።
እቲ መግለፂ፡ ነቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብቕሉዕ ዝድግፍ ትሕዝቶ ዘለዎ ኰይኑ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝቖመ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕመቕን ክሕደትን ይኸስስ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ነቲ ስጕምቲ ከም ኣዋጅ 'ዕልዋ መንግሰቲ ይረአ' ክብል ኰኒኑዎ ኣሎ።
እቲ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፈኸም ክበል ዝፀንሐ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቍርቁስ፡ ተባሊሑ ናብ ወተሃደራዊ ጽፍሒ ክልሑኽ ጀሚሩ ኣሎ።
ቅድሚ እዚ መግለፂ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ገለ ካብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብቲ ፖለቲካዊ ምምቕቓል ፀግዒ ሒዞም ርእይቶ ክህቡ ዝተርአዩ ዀይኖም፡ ብፍላይ ሓደ ክንፊ እቲ ውድብ፡ 'ሰራዊት ምሳና እዩ' ክብል ተሰሚዑ እዩ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓደ መድረኽ፡ "ሰራዊት ምስቲ ናትና ዝሳነ ዉሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ፤ ሕዚ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ካብ ምእላይ ሓሊፍና፡ ኵሎም ባህግታትና ክንትግብር ንኽእል ኢና" ክትብል ኣአንፊታ ነይራ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ኣካታዒ ወተሃደራዊ መግለፂ ግን፡ ከምቲ ኣብ መቐለን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ዝተርአየ፡ መንእሰይ ዝበዝሖ ህዝባዊ ቍጥዐ ዝፈጠረ ኰይኑ፤ ኣብ ውሽጢ እቶም ሓይልታት'ውን ገለ ስምዒታት ፈጢሩ ኣሎ።
'ስምዒትና ተተንኪፉ እዩ'
መብዛሕትኦም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝግምትዎ፡ ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ዝተመልመለ ዘይኰነስ፡ ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን ዝተፈጸመ ግፍዒ ንምቅላስ ዝተኣኻኸበ ከም ዝዀነ እዩ ዝንገር።
እቶም፡ ንርእሶም 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' [TDF] ኢሎም ዝፅውዑ ተቓለስቲ፡ 'ዕጡቓት ህወሓት' ተባሂሎም ክጽዉዑ ንብዙሓት ዝወሓጠሎም ኣይኰነን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም [ግ] ዝተፀንበረ ክሳብ ሕጂ ኣባል ሰራዊት ዝዀነ [ንድሕነቱ ስሙ ዘይተጠቕሰ]፡ ንርእሱ ተጋዳላይ ህወሓት ገይሩ ከም ዘይቈፅር ይዛረብ።
"ኣነ ይዅን ካልኦት ብፆተይ ዕጡቓት ህወሓት ኢና ኢልና ኣይንኣምንን፤ ንህዝብና ሓራ ክነውፅእ ዝተቓለስና 'ምበር ናይ ዝዀነ ሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ረብሓ ክንሕሉ ንበረኻ ኣይወፃእናን፤ ከምኡ ዝብል ኣገላልፃ ድማ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነና፡" ይብል።
እቲ ንሓደ ክንፊ ህወሓት ከም ዝድግፍ ዝገልፅ ኣብ ቀረባ ዝወጽአ መግለፂ እቲ ሰራዊት ድማ፡ 'ናብ ግጭት ሓድሕድ ዘእቱ' ዝብል ስግኣት ዝፈጠረሉ ኰይኑ፡ ቅቡል ከም ዘይኰነ ይኣምን።
"ከምቲ ዝሰማዕናዮ፤ ንዝዀነ ክንፊ ፖለቲካ ኢና ንድግፍ ብዝብል ዝእቶ ግጭት ተቐባልነት የብሉን፤ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዋሞም ከዕርዩ እዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ፤ እንተዘይኰነ ንሓድሕድና ብረት ነልዕለሉ ኵነታት የለን፤ ስምዒትና ግን ተተንኪፉ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
"እዚ ናተይን ናይ ብዙሓት ብፆተይን ርእይቶ እዩ" ዝብል እቲ ኣባል፡ እቲ ሰራዊት ግልፂ ዝዀነ ዝቘመሉ ዓላማን ደንብን እናሃለዎ፡ ነዚ ጥሒስካ ዝተወሃበ መግለፂ መብርሂ ይፅበይሉ ከም ዘለዉ ይዛረብ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እዚ ዘይዕረ እንተዀይኑ፡ እቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ነናይ ርእሶም 'ውልቃዊ' ኣማራጺ ከም ዝወስዱ ይዛረብ።
'ፍጡራት ህወሓት'
ሓደ ካብቶም ነቲ 'ወተሃደራዊ ኣኼባ' ረጊፆም ዝወፅኡ ጀነራላት፡ ዝተቓወመሉ ቀንዲ ምኽንያት ንቢቢሲ እንክገልጽ፡ 'እዚ ፖለቲካዊ መርገፂ ናትና ማንዴት ኣይኰነን' ካብ ዝብል ዝብገስ ከም ዝዀነ ይዛረብ።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብቲ 'ሓቛፋይ' ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ 'ካቢነ' ዝተወከለ እንተዀነ'ኳ፡ ንሓደ ኣውሪዱ ንኻልእ ናብ ስልጣን ከደይብ፡ ዝፈቅድ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ የብሉን።
ምናልባት'ውን፡ ከምኡ ምግባር ምስ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ግጭት ዘእቱ ከም ዝኰነ ሰብ ሞያ ሕጊ ይዛረቡ።
ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣንጻሩ ዝዀነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣኑ ክለዓልን፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ክትካእን ዘቕርቦ ሕቶ፡ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተነፅገ ይፍለጥ።
"እቲ ፀገም ንዘረራረበሉ ኣለና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፍታሕ ክረክብ እዩ፡" ዝበለ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ጀነራል፡ ከምኡ እንተዘይኰይኑ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ይግምት።
እዚ ሕዚ ኣብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተርአየ ፖለቲካዊ ቅዋም ግን፡ ሕዚ ዝተፈጥረ ዝንባለ ከም ዘይኰነ ዝገልፁ ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ሰነ 2013 ዓ.ም [ኣ.ግ] ንከተማ መቐለ ዳግም ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ሓድሽ ሓቛፊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ ህዝባዊ ድፍኢት ኣብ ዝተረአየሉ እዋን፡ ሓሙሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ 'ንሕና ሰራዊት ህወሓት' ኢና ኢሎም መግለፂ ምሃቦም ዝዝከር እዩ።
ነዚ ኣጋጣሚ ኣልዒሉ፡ "ሽዑ እዩ ነገር ዝተበላሸየ፡" ብዝብል ርእይቶኡ ኣዘራረቢ ኰይኑ ዝቐነየ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ንጉሰ ኣረፈ፡ 'እዚ ነገር ንብዙሓት ስለ ምንታይ ይሕድሾም ኣሎ?' ክብል ይሓትት።
"እዞም ሰባት ንርእሶም፡ ፍጡራት ህወሓት ገይሮም እዮም ዝሓስቡ፤ ድሕሪ 21 ሰነ 2013 [ግ] 'ንሕና ናይ ህወሓት ሰራዊት ኢና፤ ህወሓት እዩ ዝእዝዘና'- እንትብሉ፤ እዚ ብግልፂ ነቲ ህዝቡ ከድሕን ዝወፅአ ተጋዳላይ 'ሓሽከር ሓደ ውድብ ኢኻ' እዮም ኢሎዎም፡" ይብል።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ኣመራርሓ ንውድብ ዝሕለቕ 'ምበር ንብሄር [ህዝቢ] ዝሕለቕ ኣይኰነን፤ ብምባል፡ ሕዚ ድማ ካልእ ጥፍኣት ይዕድሙ ኣለዉ ክብል ይኸስስ።
ኣቃውማ ሓይልታት ትግራይ
እቲ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝነበረ ምትፍናን ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ናብ ኲናት ኣብ ዘምርሓሉ፡ ጀነራላት ዝርከቡዎም ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተኣሲሮም፡ ካልኦት ድማ ጥሮታ ወፂኦም ዝነበሩ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢሮም ተሰሊፎም።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት 'ሴንትራል ኮማንድ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣወዳድባ፡ ላዕለዋይ ኣካል ምንባሩ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ነዚ ተኪኡ ዝሰርሕ ካልእ መሓውር ተፈጢሩ ይርከብ።
እዚ ብቐንዱ፡ 'ወተሃደራዊ ካውንስል' ብዝብል ዝፍለጥ ላዕለዋይ ኣካል እቶም ሓይልታት፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ [ወዲ ወረደ] ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣስታት 26 ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ይርከብዎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰለስተ ግንባራት [ምዕራብ፡ ደቡብን ሰሜን ምብራቕን] ዝተወደበ ኰይኑ፡ ኣስታት 17 ኣርሚታት ኣለዋ፤ ኣብ ነፍስ ወከፍ ድማ 3 ኮራት ኣለዋ።
ካብ ውሽጢ እቶም ሓይልታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ብኣርሚታትን ኮራትን ዝግለፅ እዚታት፡ ነፍስ-ወከፈን ሰሰለስተ ኣዘዝቲ [ኣዛዚ፡ ምክትል ኣዛዚ - ኮሚሳር ከምኡ'ውን ሓላፊ ሎጂስቲክስ] ኣለወን።
እቶም ኮሚሳራት [ምክትል ኣዘዝቲ] ፡ ብቐጥታ ፖለቲካዊ ስርሓት ዘሳልጡ ምዃኖም ይዝረብ።
እዚ ኣብ ትሕቲ ነፍስ-ወከፍ ኣዛዚ ዝተሰኵዐ 'ኮሚሳር'፡ ብቐጥታ ምስ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ዙር እቲ ኲናት [ፖለቲካዊ ገምጋም ስዒቡ] ዝተፈጥረ መሓውር ከም ዝዀነ እዩ ዝንገረሉ።
ምኽንያቱ፡ 'እቲ ሓድሽ ወለዶ ተጋዳላይ ፖለቲካዊ ብስለት ይንእሶ እዩ' ካብ ዝብል ገምጋም፡ ፖለቲካዊ ህንፀትን ስርፀትን [ኢንዶክትሪኔሽን] ስርሓት ከካይድ ዝተፈጥረ መሓውር ከም ዝዀነ እዮም ዝዛረቡ።
ብዙሓት ተጋደልቲ፡ በቲ ስጕምቲ ሕጕሳት ከም ዘይነበሩ'ኳ እንተገለፁ፡ ኣብቲ እዋን 'ግዳማዊ ፀላእቲ ኣለዉና' ካብ ዝብል፡ ቀዳምነት ከም ዘይሃብዎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጋደልቲ ይዛረቡ።
እቲ ሓውሲ ስለያዊ ስርሓት ይሰርሕ ተባሂሉ ዝሕመ መሓውር [ኮሚሳር]፡ ኣብቲ ምስ ስርዓት ደርግ ዝተኻየደ ቃልሲ ልሙድ መሓውር ዝነበረ ዀይኑ፡ ስነ-ምግባር ተጋዳላይ ንምህናፅ ብዝብል እዩ ተዋቒሩ።
ኲናት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 275 ሽሕ ዕጡቓት ከም ዝርከቡ ምግላጹ ይዝከር።
መብዛሕትኡ እቲ ሓድሽ ወለዶ ካብ ክፍለ ጦር ንታሕቲ ኣብ መሪሕነትን ኣባልነትን እዩ ዝርከብ።
ልዕሊኡ እቲ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት እዩ ዝእዝዞ።
እቲ እዚ መሓውር ዝተሰግሰገ ኮሚሳር፡ ኣብዚ ዘዘራርብ ዘሎ ወተሃደራዊ ውሳነ፡ ኣብ ምውሳንን ኣብ ምውዳብን ቀንዲ ግደ ዝነበሮ ምዃኑ ካብ ፈለጥቲ-ውሽጢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የምልክት።
'ፈኸም እናበለ ዝመጽአ ፍልልይ'
ብመሰረት ስምምዕ ሰላም-ፕሪቶርያ 'ዕጥቂ ክፈትሑ' ዝበሃሉ ሓይልታት ትግራይ፡ 'ዕጡቓት ህወሓት' ብዝብል እዮም ዝፍለጡ።
ኣብቲ እዋን ወሃቢ ቃል ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣፀዋዉዓ እቶም ሓይልታት ይዅን፡ እቲ ናብ ፕሪቶርያ ዝተልኣከ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ፡ 'ልኡኽ ህወሓት' ምባሉ፡ ልክዕ ከም ዘይኰነ ግን ድማ 'በዚ ምኽንያት' ውዕል ሰላም ክፈርስ ከም ዘይደለየ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ናይሮቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
"ህወሓት ሰራዊት ዝበሃል የብሉን፡ ዕጥቂ ኣውርድ ክብል ኣይክእልን፣ ስራሕና ኢኹም ተኽብድዎ ዘለኹም. . . ዕጥቂ ምውራድ ዝበሃል መስርሕ ክንጅምር፡ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ይዉሰድ። መንግስቲ ትግራይ'ዩ 'ደሊገሽን' [ጕጅለ ልኡኽ] ሰዲዱ። መንግስቲ ትግራይ ዝበሃል ኣይንፈልጥን እንተ'ይሉ እቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ 'እሞ በዚ ዲኹም ክትፋረሱ፡ ዝዀነ ስም ይሃብኹም' [ኢሎምና]፡" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም ኣዘዝቲ እቶም ሓይልታት ዘውፅእዎ መግለፂ ግን፡ እቲ ዛዕባ ስያመ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሽጣዊ መንነት እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዘመልክት ይመስል።
ርግፅ እዩ፡ ገለ ካብቶም ኣዘዝቲ፡ ነቲ መግለፂ ቅዋም ኣይተስማምዕሉን።
ልዕሊ 20 ዝዀኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ፡ ነቲ መድረኽ ረጊፆም ምውፀኦም ፀብፃባት ይሕብሩ።
ካልኦቶም ድማ ዋላ ኣብቲ ውሽጢ ኰይኖም፤ ተቓውሞ ኣስሚዖም እዮም።
ገሊኦም ካብ ሓላፍነቶም ደስኪሎም ከም ዘለዉ ድማ ቢቢሲ ካብ ውሽጢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም ኣስታት 175 ይዀኑ ዝተባህሉ ኣዘዝቲ፡ ካብ ኮር ንላዕሊ ዘሎ መሓውር፡ ኣዘዝትን ምክትላቶምን [ኮሚሳራት] ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ሎጂስቲክ ዝርከቡዎም እዮም፤ ዳርጋ ኩሎም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት እዮም።
እቲ ንቢቢሰ ቃሉ ዝሃበ ጀነራል፡ "እቲ ኣጀንዳ ሃንደበት እዩ ነይሩ፣ ተሓሲብሉ ገለ ኣይኰነን። ልክዕ እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይዅን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ግን ህውከትን ሻቕሎትን ፈጢሩ ኣሎ" ይብል።
"እንተዀነ፡ 'ንዘራረበሉ ኣለና፤ ክነዕርዮ ኢና፤ ዓብይ ነገር ኣይኰነን" ብምባል፡ ናብ ረፅሚ ከምርሕ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ይዛረብ።
ብዛዕባ እቲ ተጀሚሩ ዝተባህለ ዝርርብ ዝርዝር ሓበሬታ ምርካብ ግን ኣይተኽኣለን።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጋደልቲ፡ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ዘይሻራዊ ኰይኑ ክሰርሕ ዝግበኦ ሰራዊት፡ ሓላፍነት ዝጐደሎ መግለፂ ከም ዘውፀአ ይኣምኑ።
እንተዀነ ዘይከም እቲ ጀነራል ዝበሎ፡ 'ሃንደበት ዝተፈጥረ' ዘይኰነስ፡ "ፈኸም እናበለ ዝመፅአ ፍልልያት እዩ፤ ምልክታት ነይሮም እዮም፤ ዋላ ምስ ሕመቝ ነቲ ጉባኤ ዝገበረ [ክንፊ] ኢና ንድግፍ፡" ዝብል ድፍን ዝበሉ ዝንባለታት ይንገሮም ከም ዝነበረ ይዛረብ።
"ንሳቶም'ውን [በዓል ደብረፅዮን] ሰራዊት ምሳና እዩ ዝብል፡ ከም ሓሽከር ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ይስማዕ ነይሩ፤ ሰሚዕና ከም ዘይሰማዕና ንሓልፎ ነይርና፤ ምኽንያቱ ሰራዊት ብሕጊን መምርሕን እዩ ዝምራሕ፡" ብምባል እንተወሓደ ብመንግስቲ ዝእዘዝ 'ምበር ንዝዀነ ፖለቲካዊ ክንፊ ዝሕሽከር ከም ዘይኰነ ይዛረብ።
"ናብ ስሩዕ መንግስቲ ከመይ ንሰጋገር፤ ስግኣት ፀጥታ ከመይ ይውገድ ብዝብል፡ እቲ ፍልልይ ዝፀበሉ ኵነታት፡ ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትፅቢት እዩ ነይሩና፡" ይብል።
"ተጠጂኡ እዩ ፀኒሑ፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ መድሕንን ከለላን ዝነበረ ኣካል፡ ንባዕሉ ናብ ሻቕሎት ኣእትዩና ኣሎ፤ ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ስሩዕ ገምጋም ኣይተገብረን። እቲ ምኽንያት ግን 'ዕብዳን እዩ'፡ ራኢኻ ኵሉ እዩ ዝጠፍኣካ፤እዚ ናይ ህዝቢ ረብሓ ገዲፍካ፡ ንውልቀ ውድብ፤ ንናይ ባዕልኻ ረብሓ ምሕሽካር፡" ኢሉዎ።
እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ እዮም ኣፍሊጦም።
እቲ መግለጺ፡ "ቍልፊ ስልጣን ዝነበሮም ኣመራርሓን ኣባላቱን፡ ካብ ዝተዋህቦ ልኡኽ ወጻኢ፡ ረብሓታት ህዝቢ ንጐድኒ ብምግዳፍ፡" ብኣንጻሩ "ክሕደት ከም ዝፈጸመን መሳርሒ ረብሓ ሓይልታት ወጻኢ፡" ኰይኖም ኣለዉን ብምባል ይኸስስ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብስም "ኣመራርሓ ሰራዊት" ዝሓለፉ ውሳነታት ተፈጻምነት ከይህልዎም ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
እንታይ ከስዕብ ይኽእል?
መግለፂ እቶም ኣዘዝቲ፡ ኣብ መንጐ እቲ ሓድሽ ወለዶ ተጋዳላይን ነባራት ተጋደልትን፡ ነቓዕ ዝፈጠረ ይመስል።
ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ኣቶ ብስራት ኣማረ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መግለፂ ልክዕ ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ማንዴቱ [ሓላፍነቱ] ወፃኢ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ።
'ተጋዳላይ ትግራይ፡ ሓይሊ መኸተ እዩ፤ ክንደይ ታሪኽን መስገደልን ዝሓለፈ እዩ። ሕዚ እቶም ናይ ቀደም ናይ ህወሓት ተጋደልቲ ተኣኻኺቦም እዮም መግለፂ ሂቦም፤ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ዕጡቕ ቲዲኤፍ ዝውክሉ'ውን ኣይመስልን፡" ኢሉ።
"ቅድም ክብል ብጥሮታን ብትሑት መነባብሮን ተገሊሎም ዝነበሩ እዮም፤ ገሊኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብጕሕለትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽሰሱ እዮም፤ እዚ ኲናት ግን፡ ሃብትን ስልጣንን ኣምፂኡሎም፤ ሰላም እንድሕር ተፈጢሩ ናብታ ዝነበሩዎ ክምለሱ እዮም።
"ነዚኣ ድማ ኣይደልዩዋን፤ ሕዚ ነቲ ክምለስ ዘይኽእል ዝበሰበሰ ውድብ ምርኩስን ዋርድያን ኰይኖም፡ ኲናት ከቕፅሉ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ፤ እዚ ውሳነ ድማ ጸረ-ህዝቢ ትግራይ እዩ፡" ኢሉ።
ኣመራርሓ ብሄራዊ ውድብ ሳልሳይ ወያነ፡ ኣቶ ንጉሰ ኣረፈ ብወገኑ፡ እዚ ውሳነ ነቶም ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልተ ዝመቅልን፡ ሓድነቱ ዝሽርሽርን ምዃኑ ይኣምን።
"ድሕሪ ሕዚ ከም ሓደ ውሁድ ሓይሊ ኰይኑ ክቕፅል ኣይክእልን፤ ምናልባት ግን እቶም መናእሰይ ወጊድ ኢሎም ነዚ ናይ ጥፍኣት ውሳነ እንድሕር ነፂጎምዎ፡ እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከምክንዎ ይኽእሉ እዮም፡" ኢሉ።
"ክልተ ዘይሳነዩ ዕጡቓት ሓቢሮም ክድቅሱ ኣይክእሉን፤ ስለዚ እቲ ምስ ክንፊ ህወሓት እየ ዝብል፡ ብረቱ ኣቕሚጡ ናብቲ ፖለቲካዊ ውድብ ክፅንበር ጥራይ እዩ ዘለዎ።"