እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ንመግለጺ ኣዘዝቲ ሰራዊት 'ኣዋጅ ዕልዋ መንግስቲ' ክብል ኰኒኑ
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ዘውጽእዎ መግለጺ "ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀ" እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮኒኑ።
ነቲ ንጉሆ ዝወጸ መግለጺ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ዝጠቐሰ እቲ ኣማስያኡ ዝወጸ መብርሂ ቤት ጽሕፈት ጌታቸው ረዳ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ጸዊዑ'ሎ።
"እዚ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይፈልጦን ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ድማ ሕጋዊነትን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ዘይንቡር ተግባር እዩ።
"ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ዘይንቡር ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምርኣይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣሎ። ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምርኣይ ድማ ንህዝብና ዝርዝር መብርሂ ክንህብ ኢና'' ኢሉ።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ብሓሙስ ብወግዒ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እቶም "መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ" ብዝብል መግለጺ ዝሃቡ፡ ካብ 12 ጥሪ ክሳብ 14 ጥሪ 2017 [ግ] ድሕሪ ዘካየድዎ ጽዑቕ ኣኼባ ሎሚ ሓሙስ ብመገዲ ኣፈኛኦም ገብረ ገብረጻድቕ በዓል 13 ነጥቢታት መግለጺ ኣቕሪቦም።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ እቲ ውሱንን ንጹርን ተልእዀ ሒዙ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ተልእኾኡ ብግቡእ ኣይፈጸመን ጥራይ ዘይኰነስ፡ "ቍልፊ ስልጣን ዝነበሮም ኣመራርሓን ኣባላቱን፡ ካብ ተልእኾኡ ወጻኢ፡ ረብሓታት ህዝቢ ንጐድኒ ብምግዳፍ፡" ብኣንጻሩ "ክሕደት ከም ዝፈጸመን መሳርሒ ረብሓ ሓይልታት ወጻኢ" ኰይኖም ኣለዉን ብምባል ከሲሱ።
እቲ ሓይልታት ወጻኢ ብምባል ዝጠቐሱዎ ኣካል ግን ኣየነጸሩን።
ብወገን ጌታቸው ዝወጸ ሓጺር መብርሂ ብወገኑ፡ እቶም ኣዘዝቲ ዝሃብዎ መግለጺ "ኣዋጅ ኩናን ስርዓት ኣልቦነትን" ዘስዕብ ብምዃኑ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ "ብውነ ተገንዝብኩም በፅንዓት ክትነፅጉዎን ካብዚ ወፃኢ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ትእዛዝ ተግባራዊ ከይትገብሩን ነፍልጥ" ክብል ተማሕጺኑ'ሎ።
እዚ ሓድሽ መግለጺታት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ግብረመልሲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘጋድድ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግመት።
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምምቕቓል፡ እቲ ውድብ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ጕጅለ፡ ካብቲ ካልእ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝመርሖ ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብ ዝሓቘፈ ጕጅለ ዕንቅፋታት ስራሕ ከጋጥሞ ከም ዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።
እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ፡ ህሉው ፖለቲካዊ መድረኽ ትግራይ፡ ብኣውራጃነትን ከባቢያውነትን ተመቓቒሉ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከም ዝርከብ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ውድቀት ስትራተጅያዊ መሪሕነት ረብሓታት ህዝቢ ንጐድኒ ተገዲፉ ምጥቅቓዕ ቀንዲ ውራይ ኰይኑ ከም ዘሎ ኣነጺሩ።
እቲ መግለጺ፡ ኣብታ ክልል ልዕልና ሕጊ ከም ዘየለን፡ ብሰንኩ ሰላማዊ መነባብሮን ድሕነት ህዝቢን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐን ብምምልካት፡ "ሰረቕትን ገበነኛታትን" ዕድል ዝረኽቡሉ ኵነታት ከም ዝተፈጥረ ኣቐሚጡ።
ንሚድያታት ትግራይ'ውን ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ገለ ሚድያታት መሳርሒ ውልቀ ፖለቲከኛታትን፡ "መሳርሒ ሓይልታት ወጻኢ" ይዀና ብምህላወን ከሲሱ።
እንተዀነ ኣየኖት ሜድያታትን እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝበሃል ዘሎ ወገንን ብንጹር እቲ መግለጺ ኣይረቝሖምን።
እቲ ኣብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ን "ሕመቕ" ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘጕልሐ "መግለጺ መራሕቲ ሰራዊት"፡ እቲ ምምሕዳር ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ይጽዕር ብምህላው ወቒሱ።
ነቲ ኣብ "ዕንይንይ" ከም ዝርከብ ዝገለጾን "ዝደኸመን ተልእኾኡ ዝረስዐን" ግዝያዊ ምምሕዳር ንምሕያል፡ መራሕቱ ክትክኡ ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ።
በዚ መሰረት ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኻየደ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ዝሃበ መሪሕነት ሰራዊት፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ጉባኤ፡ ምምዕራይ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክግበር ጸዊዑ።
እቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦ ጉባኤ ህወሓት፡ ምክትል ኣቦመንበርን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ከም ዘግለሉ ኣይርሳዕን።
ኣብቲ ጉባኤ ኣቦ መንበር ኰይኑ ዳግም ዝተመርጸ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ካብ ጽባሕ እቲ ጉባኤ ኣትሒዙ፡ "ፈራሚ ውዕል ፕሪቶሪያ ህወሓት እዩ፤ ልዕሊ 50 ሚእታዊት (50 +1) ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ናይ ህወሓት'ዩ፤ ስለዚ ዝደለናዮ ሰብ ክንምድብ ንኽእል ኢና፡" ክብል ተሰሚዑ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመንግስቲ ፈደራል ከምዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ንምቕያር ናብ መንግስቲ ፈደራል ክቐርብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ጕጅለ ደብረጽዮን ከምዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጕጅለ "ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰንኪ ጌታቸው ረዳ ዝተውሃቦ ዕማም ከፈጽም ስለዘይከኣለ ብምክትሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ይተከአልና" ዝብል "መፍትሒ ሓሳብ" ሒዙ ከምዝቐረበ ተገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ሕቶ ዝነጸገ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ግን "ጸገማት ግዝያዊ ምምሕዳር ንጌታቸው ብታደሰ ብምቕያር ከምዘይፍታሕ ብምሕባር "ግዝያዊ ምምሕዳር ስራሑ ከይሰርሕ 'ሰራዊት ኣብ ጐንና'ዩ' እናበልኩም ህዝቢ ተደናግሩ ኣለኹም። ብስም ኣብያተ ምኽሪ ሰላም ሕብረተሰብ ትዘርጉ ኣለኹም" ዝብል ግብረመልሲ ከምዝሃበ ን መንግስቲ ፈደራል'ውን ግቡኡ ብምልኣት ከምዘይፈጸመ ከምዝገለጸ፡ ምንጪ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።
ተመሳሳሊ ቃና ዘስፈረ መግለጺ እዞም መራሕቲ፡ "እቲ ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምትዕርራይ ዝወሰዶ ውሳነ ብዘይወዓል ሕደር ክትግበር፡ ድጋፍና ንገልጽ" ኢሉ።
ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ኣብቶም ንሰራዊት ዝውክሉ ኣባላት ካቢነ ገምጋም ብምግባር "እምነት ኣብ ዝሰኣነሉም" ምትዕርራይ ከም ዝገብር ውሳነኡ ኣፍሊጡ።
ንዅሉ'ቲ ኣብ ዝተመዛበለ ህዝቢ ዝወረደ ኣደራዕ ይዅን ናብ መረበቱ ክምለስ ዘይምኽኣልን፡ "ሰራዊት ንምድኻምን ንምጽላምን" ዝግበር ወፍሪ ክከላኸል ዘይከኣለ ብምባል፡ ብክሕደት ከሲሱ።
ኣድላይነት ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝተቐበለ ዘነጸረ መግለጺ፡ እንተዀነ እቲ ምምሕዳር የተኵረሉ ኣሎ ኢሉ ዝጠቐሶ መስርሕ ጽገናን ለውጥን ኣድላይነት የብሉን ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ መሪሕነት ሰራዊት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክጠሓሱ የብሎን ዝበሎም ጉዳያት ብምቕማጥ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ምትእትታው ከም ዝገብር ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ዝተፋላለየ ከባቢታት ስእነት ጸጥታ፡ ዓመጽ ደቀንስትዮ፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ዕደናን ወራር መሬትን ስርቂ ሓጺነ-መጺንን ገኒኑ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ ተሓታትነት ከረጋግጽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ኣብቲ ክልል ብዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ሰባትን ዘይሕጋዊ ዕደናን ክኸሶም ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
እቶም ኣብ ከምዚ ተግባራት ከም ዝተዋፈሩ ዝተለለዩ ሰባት፡ "ዘለዉዎ ቦታን ሓላፍነትን" ብዘየገድስ እቲ ሰራዊት ብሕጊ ተሓተትቲ ክገብሮም ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት፡ "ፖለቲካዊ መፍትሒ እዩ ዝደሊ" ብምባል፡ ዝዀነ ይዅን ካብ ዓቕሚ 'ሰራዊት ትግራይ' ከም ዘየለ ብምጥቃስ፡ "ኣመኻኒካ ዝግበር ኢድ ኣእታውነት" ከም ዘይቅበል ኣስሚሩሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ እዚ ኣኼባ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ክዛዘዘም ትጽቢት ዝተገበረሉ'ኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈጥረ ፍልልይ፡ ሓያለ ላዕለዎት ጀነራላት ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ከም ዝወጽኡ ቢቢሲ ካብ እሙናት ምንጭታቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነቲ ኣኼባ ረጊጹ ዝወጽአ ጀነራል፡ "ኣብ ናይ ውድብ ኣጀንዳ ኣይንመያየጥን፣ ናይ ህወሓት ኣይኰንናን ናይ ህዝቢ ኢና ኢሎም ካብቲ ኣኼባ ወጺኦም" ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዘዝቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ።
እቶም ልዕሊ 12 ምዃኖም ዝግለጽ ብረቡዕ ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ዝወጹ ጀነራላት፡ መርገጺኦም ብወግዒ ከነጽሩ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረን ነቲ ገዛኢ ውድብ ኣብ ክልተ ጕጅለታት ዝገምዐን ፍልልይ ቍርቁስ ስልጣንን፡ ናብቲ ሰራዊት ከይልሑኽ እሞ እታ ካብ በሰለታት ኲናት ዘይሓወየት ትግራይ ናብ ሕድሕድ ግጭት ከይትኣቱ ስግኣት ብዙሓት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ሰራዊት ዘይሻራዊ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዞም ሕጂ መግለጺ ዝሃቡ ኣዘዝቲ ግን ነቲ "መበል 14 ጉባኤ" ዘካየደ ወገን ህወሓት ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ኣነጺሮም ኣለዉ።
ብመሰረት መግለጺ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኵሎም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ካቢነ ሰክረታሪያት ሰላምን ጸጥታን ክኣትዉን ነዚ ዘድሊ ምትዕርራይ ከም ዝገብሩን ብምሕባር፡ "ካብዚ ወጻኢ ዝዀነ ዓይነት ዝተወደበ ዕጡቕን ፍቓድ ዘይብሉ ዕጥቅን፡ ከምኡ'ውን ነዚ መፈጸሚ ዝዀኑ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ምኽፋት ክልኩል" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ጥሒሱ ንዝርከብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር ከም ዘፈሙጽ" ኣነጺሮም።