'ሰራዊት ዕልዋ እንተፈጺሙ ዘይዛሪ ምጥፍፋእ ክስዕብ'ዩ' - ምክሳስ ህወሓት ናበይ ገጹ?

ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ስምምዕ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ተፈረመን ኣብ ትግራይ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስተጣየሸን ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ምክፍፋል ንክፍጠር ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ንመራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር "ብብሄራዊ ክሕደት" ከሲሱ ኣሎ።

መግለጺ ብኣቶ ጌታቸው ዝምርሕ ጉጅለ ህወሓት'ውን ንጉጅለ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) "ዓመጸኛ ጉጅለ" ብምባል ነቒፍዎ።

እቲ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ እናገደደ ብምኻዱ ድማ ብኽልቲኡ ወገን ብቕሉዕ ክካሰሱን ንሓድሕዶም መጠንቀቕታታት ክወሃሃቡን ጸኒሖምን ኣለዉን።

እዚ ኣብ መንጎኦም እናዓረገ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ ናብ ሓይልታት ትግራይ ልሒዅ ካልእ ሳዕቤናት ከየስዕብ ድማ ኣብ ህዝቢ ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ክልልን ኣብ መንጎኦምን ዘሎ ፀገማት ብምዝታይ ፀገማት ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ።

እቶም ክስታት እንታይ'ዮም?

ረቡዕ 2 ታሕሳስ 2017 ኣ.ግ [11 ታሕሳስ 2024] ብደብረጽዮን (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ መሪሕነት ተሪር ክስታት ከቕርብ ተሰሚዑ።

እቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ሓደ ጉጅለ ህወሓት፡ ኣቶ ጌታቸውን ምስኡ ዘለዉ ገለ መራሕትን 'ካብቲ ውድብ ስለ ዝተባረሩ' ብስም እቲ ውድብ ካብ ዝሓዝዎ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክወርዱ ብተደጋጋሚ ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ። ነቲ ጉዳይ ድማ ናብ ፌደራል መንግስቲ ኣቕሪብዎ።

ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ዘቕረብዎ ሓሳብ "ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክንሪኦ" ዝብል ስለ ዝተወሃበሉ "ኣብ መስርሕ ዘሎ ጉዳይ'ዩ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድን ስሩዕ ምምሕዳር ክሳብ ዝምስረትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝቕፅል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዘፍለጠ፡ ምስቲ ዝርርብ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ግዝያዊ ምምሕዳር ስራሑ ከይሰርሕ 'ሰራዊት ትግራይ ኣብ ጎንና'ዩ' እናበልኩም ህዝቢ ተደናግሩ ኣለኹም። ብሽም ኣብያተ ምኽሪ ሰላም ሕብረተሰብ ትዘርጉ ኣለኹም" ዝብል ግብረ መልሲ ከም ዝሃበ ዝሓበረ ምንጪ "እቲ ዝሓይሽ ንሕና [መንግስቲ ፌደራል] 'ውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተዋህቦ ዕማም ንኸፈጽም ግብኡና ብምልኣት ተዋጺእና ኢና ኣይንብልን፡ ስለዚ ክንድግፎ'ዩ ዝግባእ" ከም ዝበለ ገሊጹ።

ንመሪሕነት ግዚያዊ ምምሕዳር ዝኸስስ ደብረጽዮን ዝመርሖ ህወሓት ግን "ብሄራዊ ክሕደት ዝፍጽም ዘሎ ጉጅለ፡ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ኣሕሊፉ ብምሃብ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረቦም ሕቶታት ስም ህወሓት ዘጸለመ እዩ" ይብል ኣብ መግለጺኡ።

እቶም ናብ ፌደራል መንግስቲ ዝቐረቡ ሕቶታት ዝበሎም ከኣ "ስም ሰራዊት ትግራይ ዘፀልሙ፤ መስርሕ ምፍታሕ ኣፅዋርን ምጥያስን (DDR) ብምቅልጣፍ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሕ ይገብር ኣሎ" ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣቐሚጡ።

ብተወሳኺ "ሰራዊት ትግራይ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክጽንበር" ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረበን መስርሕ ዲ.ዲ.ኣር ክሳብ ዝትግበር ድማ ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኾኑ ከምዝጠለበን ብምጥቃስ ኣብቶም "ጥልመት" ዝበሎም ጉዳያት ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋን ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ዝመርሖ ጉጅለ ህወሓት ብወገኑ ነቶም ክስታት መልሲ ዝሃበ መግለጺ ትማሊ ዘርጊሑ'ሎ።

ነቲ ብበዓል ዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት "ፋሉል ጉጅለ" ክብል ብምግላጽ፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ተፈጻምነት ከይህልዎ ከተዓናቕፍ ከምዝጸንሐ ከሲሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ. . .

ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዝተኻየደ ዝርርብ "ግዚያዊ ምምሕዳር ስራሕቱ ብዝግባእ ኣይዓመመን" ዝብል ምርድዳእ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ መግለጺ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ህወሓት፡ እቲ ደብረጽዮን ዝመርሖ ህወሓት "ግዝያዊ ምምሕዳር ከይሰርሕን ህዝባዊን ፖለቲካዊን ድጋፍ ከይረክብን ኰነ ኢልካ ሰሪሕካ ኢኻ" ብዝብል ከም ዝተገምገመ ኣመልኪቱ።

"እዚ ድማ ብውድቀት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመኽኒኻ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝዓለመን እዩ" ዝብል ነቐፌታ'ውን ከም ዝቐረበሉ ኣብ መግለጺኡ ይጠቅስ።

እቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ዘልዓሎ ካልእ ጉዳይ ድማ ብወገን ትግራይ ምስ ኤርትራ ርክብ ከይህሉ ብዝብል ምስምስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ሓቲቱ" ክብል ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከሲሱ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ ለውጢ ንምምፃእ ብዝብል ስም "ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብምብታን፣ ባይቶታት ወረዳታት ብምፍራስ" ኣብ ትግራይ "ሕብራዊ ሰውራ" ንምልዕዓል ይሰርሑ ከምዘለዉ ድሕሪ ምባል፡"እቲ ፀገም ኣብ ሓፂር እዋን ንምእራም ትልሚ ኣውፂኡ ብምውሳን ናብ ቃልሲ ኣትዩ ኣሎ" ክብል ደምዲሙ።

ብዛዕባ እቲ ውሳነን ዝውሰድ ስጉምትን ግን ዘነጸሮ ነገር የለን።

መግለጺ ኣቶ ጌታቸው ዝመርሖ ህወሓት ከኣ ነቲ ዝኸሰሶ መሪሕነት "ዓመጸኛ ጉጅለ" ብምባል፡ ንህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ናብ ምትፍናን ንምእታው ሓደገኛ መገዲ ይኽተል ኣሎ" ኢሉ።

"ንህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ቀጻሊ ምትፍናን ንከእትዎ ሓደገኛ መንገዲ ሒዙ ኣሎ። ጊዚያዊ ምምሕዳርና ፖለቲካዊን ህዝባዊን ድጋፍ ረኺቡ ተልእኹኡ ቀልጢፉ ብምውዳእ ናብ ዝተመረፀ ህዝባዊ መንግስቲ ከስጋግረና እዩ ድሌትና" ይብል እቲ መግለጺ።

'ሰራዊት ዕልዋ እንተፈጺሙ ዘይዛሪ ምጥፍፋእ ክፍጠር'ዩ'

ብወገን ዶክተር ደብረጽዮን ዝወጸአ መግለጺ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር [ሞንጀሪኖ] ዝበለቶ ከም ዝመሳሰል ገዲም ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ነበርን ኣብዚ ሕጂ ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ውድብ ዓረናን ኣቶ ገብሩ ኣስራት ይዛረብ።

ሓንቲ ካብ ቀንዲ መራሕቲ ህወሓት ዝኾት ፈትለወርቅ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ሓደ ህዝባዊ ዋዕላ "ነቲ ዙር ክነኽርሮ ኢና። ኣንጻር እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣጠናኺርና ክንኸይድ ኢና፤ ክሳብ ዓመጽ ዝበጽሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክለዓሉ ክንገብር ኢና" ምባላ ይዝከር።

ስለዚ እቲ ዝወጽአ መግለጺ ናቱ መቐጸልታ ከም ዝዀነ እዩ ኣቶ ገብሩ ዝዛረብ።

"ሰላም እንተመጺኡ ነገራት ምጽራይ ክመጽእ እዩ፤ 'ናብቲ ኲናት ብኸመይ ኣቲና?' ኲናት ከመይ ተመሪሑ? ዝብል ሕቶ ክለዓል እዩ። ኣብ ኢዶም ዝነበረ ንብረት ናበይ ኣተወ ዝብል ክመጽእ እዩ። ዝፍጸሙ ዘለዉ ስርቅታት መዓድን ወርቂ፣ ሓጺን፣ መሬትን ረድኤትን ንምሽፍፋን ዝግበር መሲሉ ይስመዓኒ" ክብል ነቲ ኣብ ህወሓት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ መንቀሊ ዝበሎ የቐምጥ።

ኣስዒቡ "እቲ ህዝቢ ቁሩብ ዕረፍቲ ምስ ረኸበ መሊሶም ይህውኽዎ ኣለዉ። ዋላ ጥይት ኣይተኰስ ግን ድማ በቲ ዝፈጥርዎ ዘለዉ ዕግርግር ሰላም ዘይብሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ዝተረጋግአ ሕብረተሰብ የለን። ህዝቢ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝነበረ ተጨናኒቑ እዩ ዝነብር ዘሎ" ኢሉ።

ኣቶ ገብሩ፡ ነቲ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት ዘውጽኦ መግለጺ "ናይ ውግእ ኣዋጅ" ክብል ይገልጾ።

"ጸገሞም ኰፍ ኢሎም ብዘተ ክፈትሑ ምተገብአ- ስልጣን ብምምንጣልን ብምጽርራፍን ክኸውን የብሉን እየ ዝብል። ቀንዲ ጸገም ህወሓት (ብደብረጽዮን ዝምራሕ)፡ ሰራዊት ምሳይ ኣሎ፤ ህዝቢ ናተይ እዩ ምባሉን ቤት ፍርድን ካልእን እውን ከም ናቱ ስለዝቖጽርን እዩ" ክብል የረድእ።

"ከምቲ ዝብልዎ ዘለዉ ሰራዊት ትግራይ ምስኦም ተሰሊፉ እንዀይኑ ናብ ኲናት ምእታው ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብሓቂ ግን እቲ ሰራዊት ከምኡ ድዩ ዝደሊ ዝብል ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

"እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ግዚያዊ ምምሕዳር ዕልዋ እንተፈጺሙ ዘይዛሪ ዕግርግር መወዳእታ ዘይብሉ ምጥፍፋእ ከምጽእ እዩ። ስለዚ ነዚ እንተዘይሓስብዎን ብልዝብ እንተዝፈትሕዎን" ክብል ለብዋ ኣቕሪቡ።