ትግራይ: መራሕቲ ህወሓት ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ እንታይ ተዘራሪቦም?

ትማሊ ንጉሆ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ኣብይ ኣሕመድ [ዶ/ር] ዝተራኸቡ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ኣብ ትግራይ ዝዋጠጡ ዘለዉ መራሕቲ ህወሓትን ካልኦት ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ ሓለፍቲ ጸጥታን ዝተረኸቡ ኮይኖም ብወገን መንግስቲ ፌደራል ድማ ንፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓዊስካ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተሳቲፎም ነይሮም።

ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ዝከታተሎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ህወሓት "ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰንኪ ጌታቸው ረዳ ዝተውሃቦ ዕማም ከፈጽም ስለዘይከኣለ ብምክትሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ይተከአልና" ዝብል መፍትሒ ሓሳብ ሒዙ ከምዝቐረበ ተዛሪቡ።

እቲ ሽሙ ክጥቐስ ዘይደለየ ምንጪ ኣስዒቡ "ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ይኹነልና፤ ካልኦት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካቢኔ ኣባላትን ኣመሓደርቲ ዞባን ወረዳን ድማ ተማኺርና ክንምድብ" ምባሎም ገሊጹ።

ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሑ ጉጅለ ህወሓት ድማ "ኣይፋል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይሰርሕ ቀንዲ ዓንቀፍቲ ንሳኻትኩም [ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት] ኢኹም" ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡ እቲ እሙን ምንጪ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝቐረበ "ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ይኹነልና" ዝብል ሓሳብ ከምዘይተቐበሎን "ጸገማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንጌታቸው ብታደሰ ብምቕያር ከምዘይፍታሕ ብምሕባር እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ቅቡል ኣይኮነን" ዝብል ምላሽ ሂቡሉ ተባሂሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ግዝያዊ ምምሕዳር ስራሑ ከይሰርሕ 'ሰራዊት ትግራይ ኣብ ጎንና'ዩ' እናበልኩም ህዝቢ ተደናግሩ ኣለኹም። ብሽም ኣብያተ ምኽሪ ሰላም ሕብረተሰብ ትዘርጉ ኣለኹም" ዝብል ግብረ መልሲ ከምዝሃበ ዝሓበረ ምንጪ "እቲ ዝሓይሽ ንሕና [መንግስቲ ፌደራል] 'ውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ዕማም ንኸፈጽም ግብኡና ብምልኣት ተዋጺእና ኢና ኣይንብልን፡ ስለዚ ክንድግፎ'ዩ ዝግባእ" ከምዝበለ ገሊጹ።

እብቲ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተገበረ ምሉእ መዓልቲ ዝወሰደ ኣኼባ ኣብ ጉዳያት ምሕደራ ዘይሕጋዊ ዕደና ብዝምልከት "ኣብ ትግራይ ዘሎ ተፈጥሮ ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ብዝጠቅም መገዲ" ክመሓደር ኣንፈት ከምዝተውሃበ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝኾነን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ ምሕበራዊ መርበብ ሓበሬታኡ ጽሒፉ'ሎ።

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣስዒቡ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ፎቖድኡ ኣብ ጸገም ወዲቖም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ክምለሱን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ድማ ዝጣየስሉ ኩነታት ቆላሕታ ተዋሂብዎ ክስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ትግራይ መረጻ ተኻይዱ ክልላዊ መንግስቲ ክሳዕ ዝቐውም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስርሑ ክሰርሕ ድጋፍ ክግበረሉ ከምዘለዎ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሔን።

ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝተመርሐ ጉጅለ ህወሓት ዘቕረቦ "ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ብጀነራል ታደሰ ይተከአልና" ሕቶ ተቐባልነት ዋላ ኣይርከብ እምበር፤ እቲ ጉጅለ ክሳዕ መወዳእታ ቅዋሙ ንሳ ከምዝኾነት ኣንጸባሪቑ ብኣፈላላይ ከምዝዘለቐ እቲ ሽሙ ዘይንጠቕሶ ምንጪ ቢቢሲ ወሲኹ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን መራሕቲ ህወሓት ሰለስተ ግዜ ናብ ፌደራል መንግስቲ ብምኻድ ከምዝተዘራረቡን መንግስቲ ፈደራል ግን ሓደ ኰይንዅም ጉዳይኩም ፍትሑ ከምዝበሎም ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ እቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ዝበለ ኵናት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ዳግማይ ኵናት ሓድሕድ ከይለዓል ስግኣት ዘለዎም ዜጋታት ብዙሓት እዮም።

እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ህወሓት መበል 14 ጉባኤ ዘካየደ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ኳ እንተኾነ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ቅቡል ከምዘይኮነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ካልእ ጉጅለ ህወሓት ድማ "ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ንኽምለስ ኣባላተይን ደገፍተይን ከተሓባብር'የ" ኢሉ ክልተ ሰለስተ ናይ ካድረታት ኣኼባ ወዲቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ናይ መራሕቲ ውጥጥ ካልእ ደመና ኵናት ዘንጸላለዋ ክልል ኮይና መንእሰያታ ብብዝሒ ይስደዱ ከምዘለዉ ካብ ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጽኡ መረዳእታታት ይሕብሩ።