ውዕል ፕሪቶርያ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝርርብ ይካየድ'ሎ - ደሕሪኡኸ ናበይ'ዩ ከምርሕ?

ወከልቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝነበረ ምድንጓያት ንምእላይ ዝርርብ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ጸብጻበት ይሕብሩ።

እቲ ‘ስትራተጂካዊ ገምጋም’ ብዘስምዕ ኣርእስቲ ብሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ልዝብ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ነቶም ከሰሓሕቡ ዝፀንሑ ቀንዲ ጉዳያት መዓልቦ ይፈጥር ይኸውን ዝብል ተስፋታት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ መንጎ እቶም ተደራረደርቲ ሰፊሕ ዘይምትእምማን ስለ ዘሎ፡ እቲ ኩነታት ናበይ ኰን ከምርሕ እዩ ዝብል ስግኣት ዘሕደረሎም ኣካላት ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ: ሕዚ’ውን እቲ ልዝብ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣውሓስቲን ኣደራደርትን ምክያዱ፡ ብውሕዱ እቲ ምትፍናን ናብ ረፅሚ ከየምርሕ ንምዕጋት ከም ኣወንታዊ ጐድኒ ዝረአ እዩ ይብሉ።

“እቲ ጸገም ካብቲ ‘ቴክስት’ እዩ ዝጅመር”

እቲ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ዘበለ በዓል 12 ገፃት ውዕል፡ ብኣላይነት ሕብረት ኣፍረቃ፡ ብኣውሓስነት ኣመሪካን፣ ሕብረት ኣውሮጳን ዝተፈረመ ኰይኑ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ውግእ ደው ኢሉ ብመጠኑ እንተዀነ’ውን ኣብቲ ዞባ ህድኣት፡ ኣብቲ ክልል ድማ ኣንጻራዊ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ገይሩ’ሎ።

ውዕል ፕሪቶርያ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ክፈትሕ፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ወተሃደራት ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፅኡን፡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስን ዝብሉ ዓበይቲ ዓንቀፃት ዝሓዘ እዩ።

እንተዀነ እዞም ኣዘራረብቲ ጉዳያት፡ ገና ተስፋታት ከጸልምቱ ዝኽእሉ ምንጪ ስግኣት ኰይኖም ቀፂሎም ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ኣሰፋ ለኣከ (ዶ/ር)፡ እቲ ውዕል ዋላ'ውን ንግዚኡ ተኹሲ ደው ንምባል እንተሓገዘ፡ ነዞም ዛዕባታት ኣብ ምፍታሕ፡ መሰረታዊ ፀገማት’ ከም ዝነበርዎ የዘኻኸር።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ቀዳማይ ነገር እቲ ውዕል ‘ግዳይ -ቪክትም’ ማእኸል ዝገበረ ኣይኰነን ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ክፍተት ካብ’ቲ መንፈስ ‘ቴክስት’ እዩ ዝጅመር ይብል።

ንኣብነት፡ ኣብ እዋን እቲ ደማዊ ኲናት፡ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝብልን፡ ገበናት ብመሰጋጋሪ ፍትሒ ይረአዩ ዝብሉን ኣልዒሉ።

“ሓደ እዚ በዚ መዓልቲ ይፍጸም ዝብል፡ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን፤ ንኣፈጻጽማኡ ድማ ገንዘብ የድሊ እዩ-- ሰፊሕ ናይ ፋይናንስ ሕጽረት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ዝብሎ ነገር የብሉን” ይብል።

ከምኡ ድማ፡ እቲ ውዕል ብቐንዱ፡ ኣብ ምትእምማንን ምርድዳእን ተመስሪቱ ክትግበር ዝተሃቀነ እዩ ዝመስል- ይብል።

“ሕጋዊ ግዴታ የብሉን-- ባይንዲንግ [ቀያዲ] ኣይኰነን። ሓደ ነገር ዘይተፈጻሚ ኰይኑ ምስ ዝተርፍ፡ መን እንታይ ከም ዝቕፃዕ፡ ተሓታትነት ዘስዕብ ዓንቀፅ የብሉን። እቲ ዘሕዝን ክፋሉ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ብዓይኒ ጥራጣረ ዝረኣኣዩን፡ ናይ ቅንዕና ጸገም ዘለዎምን ዝተፈጸመ ምዃኑ፡ ከይዱ ከይዱ ከም ዝዕንቀፍ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ ነይሩ” ክብል ይዛረብ።

ካልኣይ፡ ‘ናይ ደገ ኣካላት’ ተባሂሎም ኣብቲ ውዕል ግን ብስም ዘይተጠቕሱ ሓይልታት፡ ኣካል እቲ ቅልውላው ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ሰላም ክካተቱ ነይሩዎም ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

ኣብቲ ውዕል ካብ ሰራዊት ፌዴራል ወፃኢ ዝዀኑ ኩሎም ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወፅኡ ኣለዎም ዝተባህሉ፡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን፡ በቲ ውዕል ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣቡሓሽም ዓብድሩሕማን ሰይድ ብወገኑ ኣብቲ ምፍርራም እቲ ስምምዕ ጌጋታት ከም ዝነበረ ይኣምን።

“ንኣብነት ኣብዚ ጉዳይ ፌዴራል መንግስቲ ንበይኑ ምውሳኑ ልክዕ ኣይነበረን” ብምባል ብውሕዱ፡ እቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ግዝኣት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተቖፃፂሩ ዘሎ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ክሳተፍ ከም ዝነበሮ ይዛረብ።

“ከይዱ ከይዱ፡ ዕጡቓት ንምፍታሕ ኣብ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ቅልውላው ኣምሪሑ፡ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ስምምዕ ከየሳተፍካ ዝተገብረ ምዃኑ ስግኣት ከም ዝፈጠሮሎም ዘርኢ እዩ” ይብል።

ነቲ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ስለ ዘይተቐበልዎ ዓንቃፊ ተራ ከም ዝፃወቱ ተንተንቲ ይኣምኑ።

መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ ክልል ኣምሓራ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተወከለ ምዃኑ እዩ ዝምጉት።

ኣቡሃሺም ከም ዝብሎ እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን፡ ዕጡቓት ሓይልታት ደገ ምውፃእን፡ ብቐጥታ እቲ ዛጊድ ዘሰሓሕብ ዘሎ ግዝኣት ምስ ምምላስ ዝተኣሳሰር፡ ምዃኑ ይኣምን።

እዚ ድማ፡ ነቶም ነቲ ግዝኣት ተቖፃፂሮምዎ ዘለዎ ሓይልታት ኣግሊልካ ምውሳን ተፈፃምነቱ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ምዃኑ ይዛረብ።

ግደ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣደራደርትን

ሕብረት ኣፍሪቃ እዚ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብዝሓዞ ቕዋም ክውቀስ እኳ እንተጸንሐ ኣብ መወዳእታ ግን ብእኡ ዝምእዘን ልዝብ'ዩ ኣብ ፕሪቶርያ ሕዳር 2022፡ ናብ ምፍርራም ስምምዕ ተበጺሑ።

ንኣፈጻጽማ’ዚ ውዑል ግቡእ ትኹረት ከይሃበ ከም ዝፀንሐ ግን፡ ዶ/ር ለኣከ የረድእ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ በቲ ውዕል መሰረት፡ ቁፅፅርን ምፅራይን [monitoring and verification] ናይቲ ሕብረት ግደ’ኳ እንተነበረ፡ ግቡእ ክትትልን ምፅራያትን ገይሩ ፀብፃባትን ከም ዘይቐረበ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ “ካብቲ ሕብረት ትፅቢት ዘይግበረሉ ነገር ኣይኰነን” ይብል። ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ዘይሻራዊነት ሕቶ’ውን የልዕል።

ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብነፍሱ፡ እምብዛ ፅልዋ ዝፈጥር ውድብ ከም ዘይኰነ፡ ምስ ታራኻዊ ፍጻመታት እታ ሃገር ተኣሳሲሩ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከም ዝለሳለስ ተዛሪቡ።

ከም ኣብነት ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ጉዳይ ስምምዕ ሶማሊላንድ ብዝተኣሳሰር፡ ምስ ሶማልያ ዝተፈጥረ ምትፍናን ኣመልኪቱ፡ ዛጊድ ተሪር ቅዋም ዘይምሓዙ ይጠቅስ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ንሳልሳይ ኣካል ኣሳቲፍካ፡ ፀገማትካ ብልዝብን ዘተን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ድማ የለን። ምእኩል ዝዀነ ኣሰራርሓ እዩ ፀኒሑ” ዝብል ኣቡሓሽም፡ ናይ ሳልሳይ ኣካል ኣድማዕነት ብድሌትን ቅሩብነትን እቶም ተላዘብቲ ኣካላት ከም ዝውሰን ይዛረብ።

እንተዀነ፡ ድሒሩ’ውን እንተዀነ እቲ ልዝብ ናብቲ ፓነል ምምላሱ፡ እቲ ውዕል ከይፍጸም ዕንቅፋት ዝዀኑ ጉዳያት ኣስተብሂሎም፡ ብግዜን ተሓታትነትን ዝተደረኸ፡ ንቅድሚት ናይ ኣፈታትሕ ሜላታት ንከቕምጡ ተስፋ ይገበር።

ብፍላይ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብቲ ዘተ ምስታፉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፌዴራል መንግስቲ ኰነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፅዕንቶ ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎ ይብል።

ኣመሪካ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ጥርጣራታት ከምዝለዓላ ብምጥቃስ፡ “ብሓደ ዓይኒ ክትርእዮም እንተኽኢላ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ሰፊሕ ተሰማዕነትን ፅልዋን ኣለዋ” ኢሉ።

‘እቲ ዕላማ ረፅሚ ምዕጋት እዩ’

እቲ ብኣፍሪቃ ሕብረት ዝምእዘን ዘሎ ኣኼባ ብዕፅው እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቶም ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ምግማት ዝካኣል እንተዀነ’ኳ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።

መንግስቲ፡ እቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበኣኒ ዝለዓሎ ግዝኣት፡ ‘ብህዝበ ውሳነ ይፈታሕ’ ዝብል ኣንፈት ዝሓዘ ዀይኑ፡ እዚ ውሳነ ካብ ግዝያዊ ምመሕዳር ትግራይ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ ቀንዲ ኣፈላላይ ዝፈጥር ጉዳይ እዚ ዛዕባ ከምዝኽውን ክልቲኦም እቶም ተንተንቲ ይግምቱ።

“እቲ ቐንዲ ዛካትዕ፡ ኣብዚ ህዝበ ውሳነ መን እዩ ክሳተፍ ዝብል እዩ፤ ቅድሚ እቲ ውግእ ዝነበረ ህዝቢ’ኸ ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ፡ ዋላስ በቲ ሕዚ ዘሎ ክውንነት?” ዝብል ሕቶ የልዕል ኣቡሃሺም።

ሓለፍቲ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓደሽቲ ሰፈራታት ይካየድ ከምዘሎን፡ ‘ዲሞግራፊክ [ናይ ህዝቢ ኣሰፋፍራ] ለውጢ’ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎን ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።

ኣቡሃሺም ፡ “እቲ ቀንዲ ዓላማ ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዝርርብ ከምዝመስለኒ፡ ናብ ረፅሚ ንከይኣትዉ ምዕጋት እዩ፡ ቀዳማይ ሓላፍነት ንሱ ይመስለኒ” ይብል፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምክራር ዘሰክፍ ምዃኑ ብምግላፅ።

ብወገን ኤርትራ’ውን እንተዀነ፡ ምስ ሓላፍቲ ትግራይ ዘሎ ምቅሕሓር መዓልቦ ስለዘይረኸበ፡ ብፍላይ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ [ወልቃይትን ከባቢኡን] ከምዝግደሰሉ የረድእ።

“ኣምሓራ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ እዚ ከባቢ፡ ንህወሓት [ትግራይ] ምስ ሱዳን ስለዘራኽቦም፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ሓደጋ እዩ ዝሪኦ፡ ዋላ ብቐጥታ ኣብቲ ዝርርባት እንተዘይተሳተፈ’ውን፡ ንዐኦም’ውን [ኣብ ኣስመራ ኬድካ ዋላ] ምዝርራቦም የድሊ” ይብል።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ አበባን ኣስመራን ዘሎ ርከብ ምሕርፋፉ ድማ የሰክፎ።

ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ዝተዋግኡን ብገበናት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱን ወተሃደራት ኤርትራ፡ ካብ ብዙሓት ከባብታት እቲ ክልል ምስሓቦም ይዝከር።

እንተዀነ፡ ሕዚ’ውን ገለ ኣዋሰንቲ ከባብታት፡ ብፍላይ ከባብታት ኢሮብ ሒዞም ከምዘለዉ መራሕቲ ትግራይ ይኸሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ሰራዊቱ በቲ ውዕል ኣልጀሪስ መሰረት ንኤርትራ ኣብ ዝተኻለለሉ ‘ሉአላዊ’ ዝበሎም ግዝኣታት ከምዝርክቡ እዩ ሓቢሩ።

ዘይምትእምማን መንፈስ

እቲ ነቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ብኣላይነት ሕብረት ኣፍረቃ፡ ብኣውሓስነት ኣመሪካን ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ዝተፈረመ እዩ።

ኣብ ፈለማ ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል፡ “ብዘይ ሳልሳይ ወገን ባዕልና ክንውደኦ ኢና” ብዝብል መንፈስ ኽልቲኣዊ ርክባት ቀፂሉ ነይሩ።

ሰበ ስልጣናት ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን መቐለን፡ ክመላለሱ ተራእዮም።

ምናልባሽ እዚ ተርእዮ’ዚ ነቶም ሸምገልቲ ኣዘናጊዑዎም ከይኸውንን፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ተዓዘብቲ ይሰማምዑ።

“ብፍላይ ብወገን ትግራይ ታህዋኽ ነይሮም፡ ‘ባዕልና ክንውደኦ ኢና’ ዝብል- ዓብዪ ጌጋ እዩ፡ ነቶም ኣውሓስቲ ኣካላት ‘ኢንኣክቲቭ’ ገይሩዎም፡ ሕዚ ድንጒዩ’ውን እንተዀነ እቲ ጉዳይ ናብዚ ምምላሱ ልክዕ እዩ” ይብል ዶ/ር ኣሰፋ ለኣከ።

ብፍላይ ብወገን ህወሓት፡ ንዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ባዕላዊ ውሽጠዊ ጉዳያት ተረግሪጉ፡ ነዘ ጉዳይ ዕሽሽ ኢልዎ ከምዝፀንሐ ይነቅፍ።

ብሓፈሻ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝቕጽል ዘሎ ጐነጽ ዝመልኦ ግጭታት ውዕል ፕሪቶርያ ንዝፈጠሮ መንፈስ ከየበርዕኖ ስግኣት ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።