'ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ'ውን እንተዀነ ገበናት ኲናት ይቕጽል ኣሎ'- ሕቡራት ሃገራት

ኣብ ኢትዮጵያ ተጻብኦታት ደው ንምባል ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ገና ግፍዒታት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ይፍጸሙ ከምዘለዉን ዓለመለኻዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣጠንቂቝ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ 21 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻቡ፡ ካብ 3 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ብዅሎም ተጻባእቲ ወገናት ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ዝበሎም ሓያለ ግፍዕታት ሰኒዱ።

እዚኦም፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ጥምየት፡ ምዕናው ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናዊ ትካላትን፡ ግዱድ ምምዝባልን ኢደወነናዊ ማእሰርትን ይርከብዎም።

”እቲ ስምምዕ ነቲ ተዅሲ ደው ኣቢልዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ግጭት ግን ኣይፈትሐን፤ ኵለመዳያዊ ሰላም’ውን ኣየምጽአን” ይብል ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን መሓመድ ቻንደ ዑስማን።

ንሱ ወሲኹ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ” ክበል’ውን ተዛሪቡ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ጐነጽ ዝመልኦ ግጭታት ሰፊኑ ከምዘሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠቒሱ፡ ሕጂ’ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክዀኑ ዝኽእሉ ግፍዕታት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ከሲሱ።

"ሕጂ ጐነጽ ዝመልኦ ግጭት ዳርጋ ኣብ መላእ እታ ሃገር ይርአ'ሎ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ግህሰት ዘሰክፍ ጸብጻባትን ይወጽእ ኣሎ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ግፍዕታትን ይቕጽል ኣሎ" ይብል ዑስማን።

ካብ ምቛም እዚ ኮሚሽን ጀሚሩ ዝቃወም መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን።

እቲ ኮሚሽን ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኣባላት ምልሻ ኣምሓራን፡ ግፍዕን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ግፍዒታት ይቕጽልሉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

"ቀጻሊ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መርአያ ሱር ዝሰደደ ገበነኛ ዘይሕተተሉ ፖሊሲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጥሕሰት ብፈደራል መንግስቲ ቀጻሊ ደገፍን ምጽዋርን'ውን ከምዘሎ ንጹር ምልክት'ዩ።"

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ብቐጻሊ ንዝቐርቡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክነጽግ ጸኒሑ እዩ።

“ምሉእ ስድራቤታት ተቐቲሎም፡ ኣዝማድ ኣብ ልዕሊ ዝፈትውዎም ሰባት ዘስካሕክሕ ገበናት ክዕዘቡ ተገዲዶም፣ ምሉእ ማሕበረሰባት ድማ ካብ ገዛኦም ተመዛቢሎም ወይ ተሰጒጎም፤ ብዙሓት ንኽምለሱ ኣዝዮም ፈሪሖም፡ ካልኦት ድማ ክምለሱ ኣይከኣሉን። ውልቃዊ ይዅን ሓባራዊ ስንባደ ንወለዶታት ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ” ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቲ ኮሚሽን፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንኸውሕስ ዝኣተዎ ቃል ዘየኽብር ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ብሓይልታት መንግስቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ምእሳርን ስቅያትን ሲቪላት ኣቃሊዑ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ነሓሰ 2023 ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ግፍዕታት ዘቃልዑ ብርክት ዝበሉ እሙናት ጸብጻበት ከምዝበጽሕዎ ሓቢሩ።

"ተኣማንነት ዘለዎ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍን ትርጕም ዘለዎን መስርሕ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ዕርቅን ሕውየትን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ " ይብል እቲ ሓድሽ ጸብጻብ።

መሰጋገሪ ፍትሒ ብዝምልከት

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መንግስቲ ፈደራል “ኣማራጺታት ፖሊሲ ኢትዮጵያ ንመሰጋገሪ ፍትሒ” ዝብል እማመ ኣውጺኡ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክህሉ ዝኽእል መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ምብጋሱ ዝዝከር እዩ።

እዚ ድማ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ተግባራውነቱ ግን ሕቶ ይለዓል ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን፡ እቲ መስርሕ ብመንግስቲ ዘቐመጦ ኢደወነናዊ ገደብ ግዜ ንምምላእ ታህዋኽ ዝበዝሖን፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት፡ እንተላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ግዳያት ንምብጻሕ ከምዘይተዋፈረ ወቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግህሰት ብኣድማዒ መንገዲ ክከላኸል ወይ ክምርምር ከምዘይከኣለን ኣብ ክንድኡ፡ ግዳያት ዕሽሽ ዝተባህሉሉ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ከምዘበገሰ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

“ምስ ኣማኢት ግዳያት፡ ስድራቤቶምን ወከልቶምን ዘለና ርክብ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ዓቕሚ ወይ ድልውነት ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣማንነት ዘለዎ መስርሕ ንምክያድ፡ ፍጹም እምነት ከምዘይብልና ዘመልክት እዩ” ይብል ካልእ ኮሚሽነር ስቲቨን ራትነር።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተበግሶታት መሰጋገሪ ፍትሒ ክንዕዘብ እንከለና፡ ብመገዲ ‘ክዋሲ-ኮምፕላይንስ’ – ኮነ ኢልካ መንግስቲ ካብ ኣህጉራዊ ምጽራይ ንምህዳም ዝገብሮ ፈተነታት እዩ።”

ንሱ ወሲኹ፡ “እዚ ብቐንዱ ዓለማዊ ጸቕጢ ንምቅላልን ዓለምለኻዊ መርመራ ከይግበር ንምክልኻልን ኣገልጊሉ ኣሎ። ነቶም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ግዳያት ግን፡ እዚ ክቕጽል ክንፈቅድ ኣይግባእን።"

እቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ኢደወነናዊ ቅትለትን ጥምየትን ከም መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ ዘቃልዐ 19 ገጻት ዝሓዘ ቀዳማይ ጸብጻብ ዘውጽአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጂ ቀጻልነቱ ኣብ ሕቶ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን'ዩ ካልኣይ ጸብጻብ ኣውጺኡ ዘሎ።

ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ተቓውሞ ከስምዕ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኮሚሽን ህላወኡ ከብቅዕ ብዙሕ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ እዩ።

ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህሉው ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕድመ ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ከሐድስ ኣተሓሳሲቡ።