ሓድሽ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ይብል?

መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ ከም ዝኣምን፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ።

እሙን ንዝበሎ ምንጪ ሓበሬታ ምርኩስ ዝገበረ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጲያ ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ እኹል ዕድመ ንዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ መጠነ ሰፊሕ ቅትለት ፈጺሞም ኣለው ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ “ህዉኽ፡ ደረጅኡ ዘይሓለወን ናቱ ኣጀንዳ ዘለዎን’ዩ” ብምባል ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ ኣቐዲሞም ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ከምዘቕረበ’ውን ገሊጹ።

እቲ መርመሪ ጕጅለ ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት የገልግል ምህላው መርትዖ ከም ዘለዎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ፡ ኣብ ግጭት ዘይተሳተፉ ሲቪል ሰባት ቅትለት፡ ከምኡ’ውን ዓመጽ፡ ዝምታን ዕንወት ንብረትን መሰረተ ልምዓት ሲቪላውያንን ከም ዘውረዱ፡ ዘመላኽት ጭቡጥ መርትዖ ከም ዝረኸበ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን’ውን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተጋሩ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻት ምፍጻሞም ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘለዎ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጐ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጲያ ዝወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኵሎም እቶም ኣብዚ ካልኣይ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ሰበስልጣን ትግራይ ነዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ኣፈኛ መንግስቲ ትግራይ፡ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ - ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ - ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ብተደጋጋሚ ከረጋግጹ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።

መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቅትለት፡ ምጭዋይ፡ ምስዋር፡ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ዘጠቓልሉ ግህሰታት ከም ዝተፈጸሙ ኣመልኪቱ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ፡ ነዊሕ ንዝኸደ ኣድልዎ፡ ኣፈላላይን ግህሰትን ተቓሊዖም ከምዝጸንሑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

እዚ፡ ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ዳግም ዝተባርዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ተወሳኺ ግፍዒታት ከስዕብ ከም ዝኽእል፡ እቲ ኮሚሽን ኣጠንቒቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ።

እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።

ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።