እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐለ፡ ጌታቸው ረዳ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምእጋድ ይቕጽል
ብሰኑይ ሰለስተ ፍሉጣት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝዀኑ ጀነራላት ዝኣገደ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሰሉስ ምሸት'ውን ራብዓይ ኣዛዚ ከም ዘሰናበተ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ዝነበረ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ፋንታ ካብ ዝነበሮ "ምድብ ሓላፍነት" ከም ዝተላዕለ ይጠቅስ።
"ውሑዳት ኣባላት ሓደ ጃንዳ መኮንናት ሕጊ ብምጥሓስ፡ ኣብ መላእ ትግራይ መሓውራት መንግስቲ ንምፍራስ ዘይቅኑዕ ውሳነ" ይወስዱ ከም ዘለዉ'ውን ኣማሲኡ ኣብ ኤክስ ብእንግሊዝኛ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኣብ ልዕሊ ነቲ ስጕምቲ ዝተቓወሙ ሲቪላውያን ሰባት ጐነጻዊ ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘለዉ'ውን እቲ ፕረዚደንት ከሲሱ'ሎ።
"ኣብ ዓዲ ጉዶምን ገለ ከባቢታት መቐለን ብዙሓት ተጐዲኦም" ከም ዘለዉ'ውን ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ።
ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ግጭት ከይዓረገ እንከሎ ንስጉምቲ ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ደው ከብሉ ድማ ጸዊዑ።
እቶም ኣዘዝቲ ኣብቲ ክልል "ዕግርግር" ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ብዝብል'ዩ ዘሰናብቶም ዘሎ።
እንተዀነ ብብዓል ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት: እቲ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ንምእጋድ ዝተወስደ ውሳነ 'ተቐባልነትን የብሉን' ብምባል ነጺጉዎ'ሎ።
ነዚ ስዒቡ: ብብዓል ዶ/ር ደብረፅዮንን ፈተለወርቅ ገ/ሄርን ዝምራሕ ህወሓት ኣማስዩ ዝወፅአ መግለፂ፡ ነቲ እገዳ ሕጋዊነት ዘይብሉን ተግባራዊ ክኸውን ዘይኽእልን ክብል ተቓዊሙ።
"እዚ ተመሓላሊፉ ዘሎ እገዳ ኣመራርሓ ሰራዊት፡ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ዘይፍፀምን ምዃኑ ተገንዚብኩም ንምውሓስ ብሄራዊ ህልውና ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ከም ተጠናኽሩ ህወሓት ይተኣማመን።"
ንኣቶ ጌታቸው 'ነበር ውልቀ መላኺ' እናበለ ዝጸርሕ እቲ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ቅድም ኢሉ ካብ ሓላፍነት ዘልዓሎ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ "መቐፀልታ ናይቲ ስራዊት ንምፍራስ ዝግበር ሽርሕን ተንኰልን፡" ክብል ነጺጉ።
ግዝያዊ ምምሕዳርን ብብዓል ደብረፅዮን ዝምራሕ ህወሓትን፡ ነንባዕሎም ኣፍልጦ ካብ ዝከላልኡ ፀኒሖም ኣለዉ።
ኣዛዚ ግንባር ደቡብ ሜ/ጀነራል ዮሃንስ ወልደጀወርጊስ (መዲድ)፡ ኣዛዚ ግንባር ሰሜን ምብራቕ ሜ/ጀነራል ማሾ በየነን ኣዛዚ ግምባር ምዕራብ ብ/ጀንራል ምግበይ ሃይለን ካብቶም ብሰኑይ ምሸት ካብ መዝነቶም ከም ዝተላዕሉ ዝተነግሮም ኣዘዝቲ እዮም።
እቲ ግዝያዊ ናይ እግድ ደብዳበ ሓደ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎ ኰይኑ፡ "ካብ ናይ መንግስቲ ውሳነ ወፃኢ መላእ ህዝብና፡ መናእሰይና ናብ ዕግርግር፡ ሓይልታት ፀጥታና ናብ ሕድ ሕድ ግጭት ዘእቱ ኮታስ መላእ ህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ዘእቱ ምንቅስቓስ፡" ብምግባሮም ምዃኑ ይሕብር።
ቅዳሕ ናይቲ ብወግዒ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ዝወጸ ቅሉዕ ደብደቤታት፡ ናብ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ከም ዝተላእከ'ውን የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እዞም ሰለስተ ኣዘዝቲ ግንባራት ዝርከብዎም ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ፡ ነቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት ከም ዝድግፉን ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል'ውን ምትዕርራይ ክግበር ከም ዝጠልቡን ድሕሪ ምግላጾም፡ ኣብቲ ክልል ልዑል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።
ጌታቸው ረዳ ብቐዳም 8 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወገን ዝወሰዱ ኣዘዝቲ ሰራዊት ስልጣን ዞባታትን ወረዳታትን ናብቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ከረክቡ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ሓያለ ካብዞም ጀነራላት ኣብ ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ነቶም ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎም ኢሎም ዝኸስዎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ሰበስልጣን ክልላዊ መንግስቲ፡ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ኣለዎም ዝብል ጐስጓሳት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እዞም ንግዚኡ ካብ መዝነቶም "ተኣልዮም ዘለዉ" ጀነራላት፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት ኣብ ምምራሕ ልዑል ተራ ዝተጻወቱ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ'ዮም።
ከምኡ'ውን: እቶም ደሓር መኮንናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣዘዝቲ፡ ኣብ ምእላይ ስርዓት ደርግ'ውን ግደ ዝነበሮም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት'ዮም።