እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ሓደ ቤት ትምህርትን ጥቓኡ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከርን ብኸመይ ብተደጋጋሚ ተሃሪሞም?
መጠንቀቕቃ፡ እዚ ዛንታ ገለ ሰባት ክርብሾም ዝኽእል ጸብጻባት ዝሓዘ እዩ
ካብ ሳታላይት ዝተረኽቡ ምስልታት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝተፈጸመ ብዙሕ መጥቃዕትን ምልክታት ዝተቓጸለ ህንጻን ከም ዘሎ፡ እዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ግዜ ከም ዝተሃርመን የመላኽት።
ሰብመዚ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ 168 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘረጋገጾም ምስልታትን ኣሳእልን ሳተላይት፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሚንዓብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሻጃረህ ታየበህን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ቀጽሪ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም የርእዩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ "ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደ እዋን ወይ ዳርጋ ብሓንሳብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተሃርመ" ይሕብር ይብል ክኢላ ኣጽዋር ኤን ኣር ጀንዘን ጆንስ።
ኣብቲ ምስሊ ክልተ ዝዓነው ህንጻታት ብንጹር ክረኣዩ ይኽእሉ፤ እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ መደበር ሓለዋ ሰውራ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ይርአ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ብኸፊል ፈሪሱ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲታት ብቕጽበት ዝተራእየ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሰባት ኣብቲ ፍርስራስ ግዳያት ክደልዩ እንከለዉ፡ ስድራቤታት እናእወዩ የርኢ።
ኣብ ገለ ቪድዮታት ሰባት ናይ ህጻናት ቦርሳን መጻሕፍትን ሒዞም ይርኣዩ።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ካብ ኣየር ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ብውሑዱ 100 ምልክት ዘለዎም ወይ ሓድሽ ዝተዃዕቱ መቓብራት ተሰሪዖም ይርኣዩ።
ሰበ ስልጣን ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ንኣመሪካን እስራኤልን ተሓተትቲ ይገብሩ፤ ይዅን እምበር ክልቲአን ሃገራት ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰዳሉን።
እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ከም ዘይትፈልጥ ክትገልጽ እንከላ፡ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ድማ ዋሽንግተን ነቲ ፍጻመ ገና ትምርምሮ ከም ዘላን "ንስቪላዊ ቦታታት ፈጺማ ዒላማ ከም ዘይትገብር፡"ን ተዛሪቡ።
"ብርግጽ ንስቪላዊ ቦታታት ፈጺምና ዒላማ ኣይንገብርን ኢና፡ ነጻርዮ ግን ኣለና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኢራን ቀጻሊ ምቍራጽ ኢንተርነት ብምህላው፡ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ ብናጻ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 10፡45 እዩ ተፈጺሙ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ብቐዳም ንግሆ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሓደ ቪድዮ ሓደ ሰብኣይ ብቕጽበት ናብቲ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ መደበር ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝርከብ መረባ ናይቲ ቤት ትምህርቲ እናጐየየ ቪድዮ ክስእል ይርአ።
እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብናይ ቈልዑ ኣሳእልን ፊደላት ፋርስን ዝተሰለሙ መናድቕ እዮም ካብ ቀጽሪ መደብር ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝፈልዩዎ።
ካልእ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀጽሪ እቲ መደብር ካብ እትጓዓዝ መኪና ዝተቐድሐት ቪድዮ፡ ነቲ መእተዊ ዝሕብር ምልክት የርኢ።
ኣብ ኣፍ ደገ "ትምህርታውን ባህላውን ኮርፕስ ሰይድ ኣልሾሃዳ"ን ክሊኒክን ክልተ ኣርማታት እቲ ሓለዋ ሰውራ ይርኣዩ።
እዚ ድማ ማዕከናት ዜና ኢራን ናይ ሓይሊ ባሕሪ እቲ ሓለዋ ሰውራ ምዃኑ ይሕብራ።
ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብውሑዱ ሰለስተ ዓምድታት ክቃጸሉ የርኢ።
ብ4 መጋቢት 2026 ብፕላኔት ላብስ ዝተሳእሉ ምስልታት ሳተላይት - እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ - ሰፊሕ ዕንወት እቲ ከባቢ የርእዩ።
ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህንጻታት ብኸፊል ወይ ምሉእ ንምሉእ ዓንዮም፤ ቢቢሲ ፈሪቫይ ብውሑድ ሓሙሽተ ህንጻታት ሓደጋ ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ። እዚኦም ድማ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ የመላኽቱ።
"ብዙሓት [ዝተጸልዉ ቦታታት] ኣዝዮም ቀረባ (ብተዛማዲ)፡ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ዒላማታት ተቐራሪቦም ከም ዝነበሩ ይሕብር፡" ይብል ተንታኒ ምስሊ ሳተላይት ኦሪገን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ጃሞን ቫን ደን ሆክ።
"[እዚ] ኰነ ተባሂሉ ነቲ ከባቢ ንምውቃዕ ዝዓለመ ይመስል፤ እንታይ ክሃርሙ ከም ዝሓሰቡ ግን ኣይንፈልጥን ኢና፡" ኢሉ።
ላዕለዋይ ተንታኒ ኣገልግሎት ስለያ ማኬንዚ ኦዝ ስሚዝ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ እቲ ብዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ዝርአ ጕድጓድ፡ "ናብ ታሕተዋይ ደረጃታት ንምእታው" ፍሉይ ተተኰስቲ ተጠቒሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘመልክት እዩ።
ክሳብ ሕጂ ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የሎን።
ተወሳኺ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተተኰስቲ እንተ ዘይሃልዩ፡ ተሓታቲ መን ምዃኑ ብንጹር ምፍላጥ ኣይከኣልን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንኪ ካብ መደብር ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተተኰሰ ፍሹል ሚሳይል ከም ዝተፈጸመ ክግለጽ ምኽንያት ኰይኑ።
ይዅን እምበር፡ ነቲ ምስሊ ኣብታ ካብ ሚንዓብ ልዕሊ 1,000 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዛንጃን ምስ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጽና።
ዳይረክተር ኣገልግሎት ምርምር ኣጽዋር ጀንዘን ጆንስ፡ "ኣብዚ ዝተራእየ ርኡይ ዕንወት፡ ብተዛማዲ ንኣሽቱ ነታጒ ብዝሕዝ ካብ ሸነኽ ኢራን ዝተተኰሰ ሚሳይል ዘስዓቦ ክኸውን ዘይሕሰብ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ካብቲ መዓስከር ሓለዋ ሰውራ ዝተፈለየ ድዩ?
እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ጥቓ መዓስከር ሓለዋ ሰውራ ኢራን እዩ ዝርከብ።
ብ2013 ዝተወስደ ምስሊ ሳተላይት ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ብ2016 ዝፈልዮ ህንጻ ቅድሚ ምስርሑ ኣካል ቀጽሪ እቲ መደብር ሓለዋ ሰውራ ኢራን እዩ ነይሩ።
እቶም ግዳያት መን'ዮም?
ሰበስልጣን ኢራን፡ ካብቶም ዝተቐትሉ 168 ሰባት መብዛሕትኦም ቈልዑ ምዃኖም ሓቢሮም።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ነቶም ዝርዝራት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾም ኣይከኣለን።
ብተወሳኺ፡ በቲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ተቐቲሎም እንተዀይኖም ንምፍላጥ'ውን ንጹር ኣይኰነን።
እታ ቤት ትምህርቲ ንባዕላ ብድምር 264 ተመሃሮ ከም ዝነበራ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢራን ሓቢሩ።
ብማዕከናት ዜና ኢራን ዝተዘርግሐ ብኢድ ዝተጻሕፈ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም በቲ ፍጻመ ከም ዝተቐትሉ ዝንገረሎም 56 ሰባት፡ ጐድኒ ጐድኒ ዕለተ ልደቶም የርኢ።
ካብዚኦም እቶም ኣርብዓን ሸሞንተን ኣስማት ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ነዚ ዝርዝራት ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ይዅን እምበር፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ዘለዉ ኣስማት፡ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳታት ተመሳሳሊ ስም ተጻሒፉ ኣብ ዝርኣየሉ ኣብ ካልእ ቪድዮ ይርኣዩ።
ካልኦት ሰለስተ ናይ ቈልዑ ዝመስሉ ኣሳእል'ውን ተራእዮም።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ሰብኣዊ መሰላት (ህራና) እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዛጊት ሞት 1,114 ሰለማውያን ኢራናውያን ሰኒዱ ኣሎ፤ ካብዚኦም ድማ 183 ቈልዑ ይርከብዎም።
ድሕሪ መዓልታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ እቶም ግዳያት ክሳተፉ ዘርእዩ ምስልታት ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ተዘርጊሖም።
ደቂ ተባዕትዮ ሳንዱቕ ሬሳታት - ገሊኦም ናይ ቈልዑ ዝዓቐኖም - ብባንዴራ እስላማዊት ሪፓብሊክ ሸፊኖም ተሰኪሞም ክኸዱ ይረኣዩ። ኣዴታት'ውን ስእሊ ኣወዳትን ኣዋልድን ሒዘን ተራእየን።
ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ በቲ መጥቃዕቲ 14 መምህራን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።