ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ እንተዓፅያቶ ኣብ ዓለም እንታይ ይፍጠር?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ጽልዋ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ክፋል ዓለም ልዑል ቀረብ ነዳዲ ዝረኽበሉ ኣፍደገ ብኲናት ክሕመስ ከሎ ንቡር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ይጎናደብ'ዩ።

ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ እትሓልፍ ዝኾነት መርከብ ከንድዳ እየ ምባላ ስዒቡ ዘሻቕል ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ሆርሙዝ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጽዑቕ ምንቅስቓስ መራኸብ ዝረኣየሎም መስመራት'ዩ።

ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና በዚ ጸቢብ መስመር ማይ'ዩ ዝሓልፍ።

ኢራን ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ ኲናት ንጣብ ነዳዲ'ውን በቲ መስመር ከምዘይትሓልፍ ገሊጻ ኣላ።

እዚ ኣገዳሲ መስመር ፀገም እንተጋጢምዎ፡ ዋጋታት ኣቑሑትን ነዳድን ዓለም ብዝለዓለ መጠን ወሰኽ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ብፍላይ ናይዚ መስመር ቀንዲ ተጠቀምቲ ዝኾና ቻይና፣ ህንዲን ጃፓንን ብቐጥታ ከምዝህሰያ ይእመን።

ብዙሓት ሃገራት ዝተፈላለየ ፍርያት ካብዘን ሃገራት ብብዝሒ ስለዝዕድጋ፣ እቲ ወሰኽ ዋጋ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንካልእ ክፋል ዓለም እውን ይፅሉ'ዩ።

ኣገዳስነት መጻብቦ ሆርሙዝ

መጻብቦ ሆርሙዝ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ባሕሪ ዓለምና ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ናይ ነዳዲ መተሓላለፊ መስመር'ዩ።

መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰሜን ምስ ኢራን፡ ብደቡብ ድማ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ይዳወብ።

ንውሓት እቲ መጻብቦ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ 50 ኪሎ ሜተር ይበጽሕ። እቲ ዝጸበበ ክፋሉ ኸኣ 31 ኪሎ ሜተር ግፍሒ ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 20 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ በቲ መጻብቦ ሓሊፉ ምንባሩ ፀብፃባት የመልክቱ።

እዚ ናብ ገንዘብ ክቕየር ከሎ ኣብ ዓመት 600 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መጠን ንግዲ ብሆርሙዝ ተመሓላሊፉ ማለት'ዩ።

በዚ መጻብቦ ዝሓልፍ ነዳዲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይቲ ዞባ እዩ ዝመጽእ።

ኢራን፡ ዒራቕ፡ ቀጠር፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀንዲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንመጓዓዝያ ነዳዲ ዝጥቀማ ሃገራት እየን።

ሆርሙዝ እንተዝዕጾ እንታይ ምተፈጠረ?

ሆርሙዝ ኣብ ዓለም እቲ ጽዑቕ ናይ መራኽብ ምንቅስቓስ ዝረኣየሉ መስመር ምዃኑ ይፍለጥ። ብውሑዱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 3000 መራኽብ ይሓልፋ።

እቲ ጸቢብ መሕለፊ መራኽብ እንተተዓፅዩ ዓለም ካብ እትረኽቦ 20 ሚእታዊት ቀረብ ነዳዲ ይቋረፅ ኣሎ ማለት'ዩ።

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኩናት ድሕሪ ምጅማረን ዋጋ ነዳዲ ዓለም ወሰኽ ኣርእዩሎ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ብዙሓት መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዘይምኽኣለን እዩ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ቻይና ነዳዲ ንምጉዕዓዝ ዝኽፈል ወጻኢታት መራኽብ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይዝረብ።

ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንቁጠባ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምፅላዉ ኣይተርፍን።

ብፍላይ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ቁጠባአን ብኣውርኡ ኣብ ነዳዲ ዝተመርኮሰ ሃገራት፡ ቀንዲ ተቓላዕቲ እየን።

ኢራንን ነዳድን

ኢራን ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 1.7 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ወጻኢ ትሰድድ ነይራ። እዚ ናብ ገንዘብ ክቕየር ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኢራን 67 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ነዳዲ ናብ ወጻኢ ሰዲዳ ከም ማለት'ዩ። ነዚ ድማ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢላ እያ ኣካይዳቶ።

ኣስታት 90 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ ኢራን ቻይና ትዕድጎ። ብድሕሪኡ ቻይና ነቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣጽሪያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ትሰዶ።

መብዛሕቲአን ተጠቀምቲ ናይቲ ኣብ ቻይና ዝተጻረየ ነዳዲ ድማ ባዕለን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እየን።

ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንኽልተ ንጥፈታት ክጸልው እዩ። ዘይተጻረየ ነዳዲ ከይወጽእን ዝተጻረየ ነዳዲ ከይኣቱን ይገትእ።

ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትዓጽዎ ምዃና ምፍርራሓ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወተሃደራቱ ኣብቲ ዞባ ንዕጀባ መራኽብ ክዋፈሩ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡሎ።

ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኲናት ዋጋ ነዳዲ ምውሳኹ ዝተርፍ ኣይኮነን።

ናይ ዓለምና ሓደ ሕምሲት (ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኢድ) ነዳዲ እተቕርብ ቀጠር እውን እቲ ዝዓበየ መጻረዪ ነዳዲኣ መጥቃዕቲ ምስተፈፀሞ ስርሑ ደው ኣቢሉ'ሎ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ ኤውሮጳ ዋጋ ነዳዲ ብ30 ሚእታዊት ምውሳኹ ይግለፅ። እቲ ኲናት እንተተናዊሑን መጻብቦ ሆርሙዝ እንተተዓጽዩን፡ እቲ ጽልዋ ካብ ዋጋ ነዳዲ ዝሰገረ ክኸውን ይኽእል እዩ።