እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'65 መዓልቲ ብዘይ መግቢ' - ኣብ ሱዳን ዝተረፉ ተጋሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ነበር
ኣብ ሱዳን ዕቝባ ሓቲቶም ዝነበሩ ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ዝግበረሎም ሓገዝ ብምቍራጹ ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝርከቡ ገሊጾም።
እቶም ንዂናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ 2014 (ግእዝ) ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ብምባል ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሓቲቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ግዝኣት ገዳርፍ መዓስከር ዑምጕርጕር ዝርከቡ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ነበር፡ ኵነታቶም ቈላሕታ ክግበረሉ ዝጠልብ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።
እቶም ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኣቢየን ገዳርፍን ኣብ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ እዮም።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ንህይወቶም ብምስጋእ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
መንግስቲ ፈደራል ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበሩ ተጋሩ ግዳያት "ጃምላዊን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን" ይዀኑ ከም ዝነበሩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ ነይረን።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ምክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ ብምባል፡ ቍጽሩ ብወግዒ ዘየነጸሮ ሞት'ውን ከም ዘጋጠመ የመልክት።
ስለዝዀነ ድማ ሕቡራት ሃገራት ዘዋፈሮ ዓቃቢ ሰላም ዝነበሮ ተልእኾ ምስ ወድአ፡ እቶም 'ንድሕነቶም ክብሉ' ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዘይፈቐዱ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ኣብ ሱዳን ዕቝባ ሓቲቶም ከም ዝተረፉ ይዝከር።
'65 መዓልቲ ብዘይ መግቢ'
እቶም ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ 16 ታሕሳስ 2018፡ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ እናተወሃቦም ከም ዝጸንሑ ይገልጹ።
ይዅን'ምበር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እቲ ሓገዝ ብምቍራጹ፡ ምስ ከቢድ ጸገም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ንድሕነቶም ብዝብል ሽሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ኣባላት ነበር ንቢቢሲ ገሊጾም።
"ን65 መዓልታት ብዘይ መግቢ ኢና ጸኒሕና ኣብ ሱዳን። ብተደጋጋሚ ሓቲትናዮም፣ ሕቶና ክምለስ ኣይከኣለን፡" ክብል ሓደ ኣባል ነበር ዝርከብሉ ኵነታት የብርህ።
እቲ ኣባል ከም ዝብሎ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክቕበሎም እንከሎ ጀሚሩ፡ ክሳብ 70 ዶላር ዝበጽሕ ሓገዝ ብባጤራ ሱዳን ይወሃቦም ነይሩ።
"ንተለፎን፡ ንኽዳን፡ ንመግቢ ነውዕሎ ነይርና፡" ዝበለ እቲ ኣባል ነበር፡ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኵሉ ሓገዝ ተቛሪጹ ከም ዘሎ ይጠቅስ።
ብሰንኪ ምቍራጽ እቲ ሓገዝ ብዙሓት ሕዱር ሕማም ዘለዎም ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።
"ልዕሊ 18 ዝዀኑ ኣብ ጽኑዕ ጥሜት ሕሙማት፡ ናይ ሽኮርን ጸቕጥን ደቂሶም ኣለዉ ብሕጽረት መግቢ። ክሕከሙ ኣይከኣሉን። ካብታ እትወሃቦም እዮም ሕክምና መድሓኒት ይገዝኡ ነይሮም፡" ይብል።
"ቅድሚ ሕዚ ሓደ ኣባልና ብሕጽረት ሕክምና ሞይቱና እዩ። ሓንቲ ኣባልና እውን ብሰንኪ ጭንቀት ዓርሳ ኣጥፊኣ እያ። ክልተ ኣባላትና ብሞት ተፈልዮምና ኣለዉ።"
እዞም ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ነበር፡ ዝግበረሎም ሓገዝ ኣብ ርእሲ ምቍራጹ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ እውን ውሕስነቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝገበረ ገሊጾም።
"ካብዚ ከባቢ ወጺእና ክንንቀሳቐስ እንተይልና ውሑስ ኣይኰነን። ክልተ ሰለስተ ኣባላትና ንዕዳጋ ከይዶም፡ ተወቒዖም፡ ተገሪፎም፡ መጕዳእቲ በጺሕዎም እዮም መጺኦምና። ነዚ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል የሎን፡" ክብል ብሓዘን ይዛረብ።
ብመሰረት እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣባል ነበር፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክቕበሎም እንከሎ፡ ቍጽሮም 247 እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብዝተፈላለየ ጸገም እናተበተኑ፡ 116 ጥራይ ከም ዝተረፉ ይገልጽ።
እቶም ኣብ ሱዳን ዕቝባ ሓቲቶም ዝጸንሑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ነበር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንጸጥታዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ከም ዝተቓልዑ' ንቢቢሲ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
"ድሕነቶም ኣብ ዘስግእ" ኵነታት ከም ዝርከብ ብምግላጽ ድማ ናብ ውሑስ ከባቢ ክግዕዝሉ ዘኽእል ሃዋሁ ክፍጠረሎም ተማሕጺኖም ነይሮም።