መጥቃዕቲ ‘ዕጡቓት ሱዳን’ ዘስግኦም ኣብ ሱዳን ዝተረፉ ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ዝጸንሑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ “ድሕነቶም ኣብ ዘስግእ” ኵነታት ከም ዝርከብ ብምግላጽ ናብ ውሑስ ከባቢ ክግዕዝሉ ዝኽእል ሃዋሁ ክፍጠረሎም ተማሕጺኖም።

እቶም ቅድም ኢሉ ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኣቢየን ገዳርፍን ኣብ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ንህይወቶም ብምስጋእ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዞም ሕጂ ኣብ ማእከል ከሰላን ገዳርፍን ኣብ ዝርከብ ዑምጕርጕር ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዓቀብቲ ሰላም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንጸጥታዊ፡ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ጸገማት ከም ዝተቓልዑ’ዮም ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቶም ወተሃደራት ንድሕነቶም ብዝብል ሽሞም ክዕቀብ ብምሕታት፡ ቅድም ኢሉ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኲናት ትግራይን ኣብቲ ዝተዋፈርሉ ቦታ ዝነበሮም ልኡኽ ድሕሪ ምዝዛሞም ናብ ኢትዮጵያ ንኸይምለሱ ምኽንያት ከም ዝነበረ ጠቒሶም።

ኣብ 2020 ናብቲ ዓቃቢ ሰላም ከም ዝተጸንበረ ዝገልጽ ሓደ ኣባል ሰራዊት፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኣብ ዘለዋ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ኣቢየ ከም ዝተዋፈረ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ዘዋፈሮ ዓቃቢ ሰላም ዝነበሮ ተልእኾ ምስ ወድአ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ከም ዝሓተተ ዝገልጽ እዚ ውልቀሰብ፡ “ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈጥረ ጐንጺ ዝኽሰት ዝነበረ ግፍዒታት ይዅን፡ ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ምሳና ዝሰርሑ ዝነበሩ እናተገፈፉ ክእሰሩ እንከለው፡ ልኡኽና ምስ ወዳእና ህይወትና ንምድሓን ኣብ ሱዳን ዕቝባ ሓቲትና” ኢሉ።

መንግስቲ ፈደራል ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት “ጃምላዊን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን” ይዀኑ ከም ዝነበሩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ ነይረን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ምክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ ብምባል፡ ቍጽሩ ብወግዒ ዘየነጸሮ ሞት'ውን ከም ዘጋጠመ የመልክት።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣሲሩ ኣሎ ብምባል፡ እቲ ማእሰርቲ "ንመንነት መሰረት ዝገበረ" ከም ዝመስል'ውን ገሊጹ ነይሩ።

እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩን ዜጋታት ልዑል ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ናይ ሕጂ ስግኣት ካብ ምንታይ ዝነቅል’ዩ?

ኣካል እቲ ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝነበረ ዓቃቢ ሰላም ከም ዝነበረት እትገልጽ መንነታ ክዕቀብ ዝሓተት ውልቀሰብ፡ “ሕዚ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረና ስግኣትን ጸበባን ንላዕሊ ኢና ዘለና” ብምባል ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ንዝተፈላለዩ ሕክምናውን ጥዕናውን ጸገማት ይቃልዓ ከም ዘለዋ ተዛሪባ።

ኣብቲ መዓስከር፡ ብጭንቀት “ነፍሰ ቅትለት” ዝፈጸመት ውልቀሰብ ከም ዘላን ካልእ ኣብ እዋን ወሊድ ሰኣን ሕክምና ውላዳ ዝስኣነትን ከም ዘላ እቶም ሓተትቲ ዕቝባ ሓቢሮም።

“ብጭንቀትን ሰኣን ሕክምናን ዝመውት ሰብ ኣሎና። ኣብ ሕርሲ ሕክምና ብዘይምህላው ውላዳ ዝስኣነት ኣላ። ደቂ ኣንስትዮ ኣጸጋሚ ኵነታት እየን ዘሕልፋ ዘለዋ” ይብል ሓደ ካብኣቶም።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ንዕዳጋ ኢሎም ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ኣስታት ሓሙሽተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም’ውን፡ ብዕጡቓት ዝምታ ከም ዝተፈጸሞም ጠቒሶም።

“ናይ ጸጥታ መኪና ተጠቂሞም ኣብ ማእከል ከተማ ገዳርፍ ብብረት ዘፈራርሑ፤ ናብ በረኻ ወሲዶም ቀጥቂጦም፡ ገንዘብን ንብረትን ዝወሰዱ ኣባላት ኣካላት ጸጥታ ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት የጋፍዑና ኣለው” ክብል ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ገሊጹ።

እዚ ስግኣት ጸጥታን ድሕነትን፡ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ከም ዝመጽአ ይዛረቡ።

ብቐንዱ ግን፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ግንቦት 2024፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ) ዝምርሑ ሓይልታት- ዳዕመ ሰሪዕ - ንሓይልታት ትግራይ ዝኸስስ መግለጺ ምውጽኦም እዩ ይብሉ።

ኣብቲ እዋን “ሓይልታት ህወሓት ብሰራዊት ሱዳን ተዓሲቦም ኣንጻርና ይዋግኡ ኣለዉ” ክብሉ ዘቕረብዎ ክሲ ሎሚ ነቶም ኣብታ ሃገር ዕቝባ ዝሓተቱ ዓቀብቲ ሰላምን ስደተኛታትን መንቀሊ ስግኣቶም ኰይኑ’ሎ።

ሓይልታት ሕመቲ፡ ኣብ መግለጺኦም “ሓይልታት ህወሓት ኣብ ጐድኒ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ይዋግኡ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጭብጢ ሰኒድና ኣለና” ዝብል ክሲ እዮም ኣቕሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ክሲ ብምዅናን ነጺግዎ ነይሩ። እንተዀነ እቶም ዓቃብቲ ሰላም እዚ ዘንቀሎ ግዳያት ከይኰኑ ከም ዝሰግኡ እዮም ዝዛረቡ።

“ቅድሚ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ደሓን እዩ ነይሩ፣ ንህይወት ስግኣት ዝዀነ ነገር ኣይነበረን፤ ሕጂ ግን እቲ ኲናት ናብቲ ዘለናሉ እናደፍአ ይመጽእ ኣሎ። ኣርኤስኤፍ ዘውጽኦ ክሲ’ውን ኣሎ፤ እዚ ድማ ንዓና ብቐጥታ ዝጸሉ’ዩ። ብስግኣት ኢና ንነብር ዘለና” ይብል።

እዞም ዓቀብቲ ሰላም፡ ኣካል እቶም ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ሕቶ ይግበአኒ ኣብ ዘቕርባላ ግዝኣት ኣቢየ ተዋፊሮም ዝነበሩ እዮም።

ኣብዛ ብተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት ግዝኣት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘዋፈሮም ዓቃቢ ሰላም፡ እቲ ዝበዝሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ።

ካብቲ ዓቃቢ ሰላም፡ ብሓፈሻ 4,190 ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኰይኖም፡ ካብ መንጐኦም 3158 ወተሃደራትን ሸውዓተ ፖሊስ መኮንናትን ካብ ኢትዮጵያ ምዃኖም ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።

ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዶባዊ ግጭት ከምኡ'ውን ምሰ ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ እቲ ኣብ ግዝኣት ኣቢየ ዝነበረ ኣኽባሪ ሰላም ሓይሊ ኢትዮጵያ ወጺኡ ብኻልእ ክትካእ ምሕታታ ዝዝከር እዩ።

ይዅን’ምበር ኣኽባሪ ሰላም ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእ እንከሎ፡ እቶም ተጋሩ ኣባላት ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዘይክእሉ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ኣስታት 500 ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዕቝባ ይሓቱ ከም ዘለው ተገሊጹ’ዩ።

ብመዓርግ ሓለቓ ሚእቲ ዝዀነ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ 10 መዓልቲ ናብ ካዳጉዲ ከም ዝኸደ ይዛረብ።

“ኲናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ [ኢትዮጵያ] ማእሰርቲ ከየጋጥመኒ’የ ኣብዚ ዕቝባ ክሓትት ተገዲደ ነይረ” ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣሰካፊ ኵነታት ጸጥታ፣ ሕጽረት እኹል ቀረብ መግብን መጽለልን ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ገዳርፍ ገጹ ይደፍእ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

“ወተሃደራት ስለ ዝዀንና፡ እንታይ ዓይነት ገስጋስ ከም ዘሎ ንግንዘቦ ኢና። እዚ ብኸመይ ክጸልወና ከም ዝኽእል’ውን ንፈልጥ ኢና። ኣርኤስኤፍ [ሓይልታት ትግራይ] ምስ ሰራዊት ሱዳን ኰይኖም ይወግኡኒ ኣለው ከም ዝበለ’ውን ንዝክሮ። ሕጂ፡ እንተመጺኦምስ እንታይ ክፍጠር ይኸውን ኢለ’የ ዝሰግእ” ይብል።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ዓቃቢ ሰላም፡ መብዛሕትኦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም።

ይዅን’ምበር፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር “ብክሕደት ሃገር” ስለ ዝኸሰሶም እቲ ክሲ እንከይተልዓለሎምን ውሕስና ከይተዋህቦምን ናብታ ሃገር ምምላስ ሻቕሎት ይፈጥረሎም ምህላው ገሊጾም።

ዝዀነ ኣብ ምኽባር ሰላም ተዋፊሩ ዝነበረ ይዅን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እናሃለወ ብስራሕን ካልእን ኣጋጣሚን ካብታ ሃገር ዝወጽአ ግን ድማ ብዘይፍቓድ ዝተርፍ ወይ ጠፊኡ ዝኸይድ “ብክሕደት ሃገር” ከም ዝኽሰስ መተሓዳደሪ ደንቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ይድንግግ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ምምዝባል ሰባት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ልዕሊ 8.9 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ወጻእተኛታትን ስደተኛትትን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክቓልዑ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ኣብቲ ውግእ፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሰፊሕ ጾታዊን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ከም ዝተዋፈሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች ብሰኑይ ዘውጽኦ ጸብጻባት ይኸስስ።

ብሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝእዘዙ ሓይልታት፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ገበናት ዓመጽ ብቐጻሊ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታትን ዝተፈጸመ ሰፊሕ መጥቃዕቲታት’ውን ከም ዘስተብሃለ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን፡ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ክቐርበሉ ንዝጸንሐ መጸዋዕታ ተቐቢሉ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ [ዳዕመ ሰሪዕ] ክዛተ ከም ዝተሰማምዐ ክግለጽ ቀንዩ ነይሩ።

እዚ ዝርርብ እንተተዓዊቱ ነቲ ን15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ደው ከብል እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢሩ እዩ። እንተዀነ፡ ድሕሪ'ቲ ብረቡዕ 31 ሓምለ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ብሓይልታት ሕመቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ፈተነ ቅትለት፡ መንግስቲ ሱዳን ካብቲ ዘተ ከምዘንሰሓበ ክገልጽ ተሰሚዑ'ሎ።