ኣመሪካ፡ ስደተኛታት እናባረረት ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምቕባላ የዘራርብ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
59 ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታዎም፡ ሽዑ ንሽዑ ናይ ስደተኛ ወረቐት ከም ዝተዋህቦም ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቶም ኣፍሪካነር ዝበሃሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ግዳይ "ዓሌታዊ ኣድሉዎ" ስለ ዝዀኑ፡ ሕቶ ዕቝባኦም ከም ዝተቐላጠፈ ገሊጹ።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቶም ሰባት፡ ስደተኛታት ክዀኑ ዘብቅዕ ዝዀነ ዓይነት ምስዳድ ኰነ ጭቈና ከም ዘየጋጠሞም ገሊጹ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ ዞባታት ኲናት ንዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ከይተረፈ ምቕባል ስደተኛታት ደው ኣቢሉዎ ኣሎ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ስጕምቲ 'ደፋር ዓሌታዊ ምጥምዛዝ' ክብል ብምግላጽ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት - ብዙሓት ጸለምትን ኣፍጋናውያንን ስደተኛታት - ኣብ ኣመሪካ ዕቝባ ከም ዝተኸልከሉ ገሊጹ።
ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዱለስ ዝዓለበ ጕጅለ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግን፡ ካብ ሰብመዚ ኣመሪካ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ኣብ ኣመሪካ መስርሕ ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣዋርሕ፡ ዓመታት ከይተረፈ ዝወስድ ኰይኑ፡ ነዚ ጕጅለ'ዚ ግን ብቕልጡፍ ተሳሊጥሉ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ከምቲ ልሙድ ኣብቲ መርመራ ከም ዘይተሳተፈ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ንምንታይ ናይ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሕቶ ካብ ናይ ካልኦት ብዝቐልጠፈ መስርሕ ከም ዝተፈጸመ ምስ ተሓተተ፡ "ምጽናት ዓሌት" ይፍጸም ከም ዘሎን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ "ጸዓዱ ሓረስቶት፡" ዒላማ ይግበር ከም ዘሎን ገሊጹ።
"ሓረስቶት ይቕተሉ ኣለዉ፡ ኣጋጣሚ ጸዓዱ እዮም፣ ጸዓዱ ይዅኑ ጸለምቲ ግን ንዓይ ፍልልይ የብሉን።"
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ግን ኣብ እዋን ጻውዒት ተለፎን ንትራምፕ ከም ዝገለጾ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዝሃበቶ ገምጋም "ሓቂ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
"ስደተኛ ማለት ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ቍጠባዊ ጭቈና ኰነ ምስዳድ ዝተኻየደሉ'ሞ ካብ ስግኣት ተላዒሉ ሃገሩ ክሓድግ ዝግደድ ሰብ እዩ፡" ዝበለ ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ "እዚ [ናይ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን] ምስዚ መግለጺ ኣይሰማማዕን እዩ፡" ኢሉ።
ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ክሪስቶፈር ላንዳው ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዱለስ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "እታ ካብኣ ዝተሰዱ ሃገር፡ ስደተኛታት ምዃኖም ዘይምእማና ዘገርም ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ኣመሪካ ንውሽጣዊ ፖሊሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምንቃፍ፡ መንግስቲ ብዘይ ዝዀነ ካሕሳ ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት መሬት ይምንዝዕ ምህላዉ ከሲሳ።
ኣብ ጥሪ ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ መንግስቲ ብውልቂ ዝውነን መሬት ኣብ ዝተወሰኑ ኵነታት ብዘይ ካሕሳ ክሕዝ ዘፍቅድ ኣካታዒ ሕጊ ፈሪሙ፣ እዚ ድማ "ንስለ ፍትሕን ረብሓ ህዝብን፡" ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ይግለጽ።
መንግስቲ ግን ክሳዕ ሕጂ ብመሰረት እቲ ዝተደንገገ ሕጊ ዝተወስደ መሬት ከም ዘየሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምብቃዕ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ዋንነት መሬት ዝምልከት ምምሕያሻት ብዘይምግባሩ ቍጥዐ ከለዓዕል ተራእዩ እዩ።
ልዕሊ 90 ሚእታዊ ናይቲ ህዝቢ፡ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብ ኵሉ ብውልቂ ዝውነን መሬት ግን 4 ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝሓዙ ኣብ 2017 ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ትራምፕ ዝዀነ ተወላዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤሎን ማስክ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ "ምጽናት ዓሌት ጸዓዱ" ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ንዋንነት ዝምልከት "ዓሌታዊ ሕግታት፡" ከም ዘሕለፈ ከሲሱ'ዩ።
ኣባል ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ደሞክራስያዊ ፓርቲ ግሪጎሪ ሚክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲታት ምጥያስ ስደተኛታት፡ "ዓሌታዊ መጠንቀቕታ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ታሪኽ ዳግማይ ንምጽሓፍ ዝግበር ፖለቲካዊ ፈተነ እዩ፡" ኢሉ።
ኤጲስቆጶሳዊት ቤተክርስትያን፡ ብሰንኪ እቲ "ኣድሉዎ ዘለዎ ኣተሓሕዛ" ዝበለቶ፡ ድሕሪ ደጊም ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሰፈራ ወይ ምጥያስ ስደተኛታት ከም ዘይትሰርሕ ገሊጻ።
ምክትል ፕረዚደንት ጀይ ዲ ቫንስ ከም መልሰ ተግባር ናይዚ፡ "ዕብዳን" ክብል ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ።
ጠበቓ ፕሮጀክት ኣህጉራዊ ሓገዝ ስደተኛታት ሜሊሳ ኪኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዋይት ሃውስ ምምጻእ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንምቅልጣፍ ዝወሰዶ ውሳነ፡ "ምስሉይነትን ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛን ዝመልኦ፡" ምዃኑ ገሊጻ።
እቲ ትካል፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንፕሮግራም ምቕባል ስደተኛታት ኣመሪካ (USRAP) ኣብ ጥሪ ደው ብምባሉ ይኸስስ።
እዚ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ንልዕሊ 120,000 ግዝያዊ ዕቝባ ረኺቦም ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብ ሰንፈላል ኣውዲቑዎም ከም ዘሎ'ውን ገሊጻ።
ካብ ዓሌት ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝዀነ ደራሲ ማክስ ዱ ፕሪዝ ንመደብ ራድዮ ቢቢሲ ኒውስደይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስደት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ክሲ "ፍጹም ዕሽነት"ን "ኣብ ጭብጢ ዘይተመርኰሰን፡" ምዃኑ ገሊጹ።
ኣሃዛት ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2024 ኣብ ቦታታት ሕርሻ 44 ቅትለት ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ካብ መንጐኦም ሸሞንተ ሓረስቶት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓሌት ዝተመርኰሰ ጸብጻብ ገበን ኣይተቕርብን እያ። እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ሓረስቶት ናይታ ሃገር ጸዓዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ጸለምቲ ድማ ሰራሕተኛታት ናይቲ ሕርሻኦም እዮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ንመጀመርታ ግዜ ንምምሕዳሩ ነቶም ዝበዝሑ ሆላንዳውያን መበቈል ዘለዎም ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣመሪካ ንምስፋር ዕማም ካብ ዝሃበሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ኣመሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ሻሕኪሩ እዩ።
ኣብ መጋቢት፡ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣመሪካ ኢብራሂም ራሱል፡ ፕረዚደንት ትራምፕ "ግዳይነት ጸዓዱ ከም ስዉር ሽርሒ፡" ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ካብታ ሃገር ተሰጒጉ። ኣመሪካ እቲ ኣምባሳደር ዓሌታዊ ጽልኢ ከለዓዕል ይፍትን ኣሎ ክትብል ከሲሳ።
ኣመሪካ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ኣንጻር እስራኤል "ጽኑዕ" መርገጺ ብምሓዛ'ውን ነቒፋቶታ እያ። ፕሪቶርያ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብምጽናት ዓሌት ከሲሳ፣ እስራኤል'ውን ብትሪ ነጺጋቶ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገሩ ንጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምቕባል ኢዳ ዝርጕሕ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ሰፊሕ ክልከላ ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







