ኣመሪካ ማዕጾኣ ዘርሓወትሎም ማሕበረሰብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንታዎት'ዮም?

ኣብ መበል 17 ክፍለዘበን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ ሆላንዳውያን ሰፋሮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ዝቕመጡ 'ኣፍሪካነር' ተባሂሎም ንዝጽውዑ ማሕበረሰብ ኣብ ኣሜሪካ ክተጣይሶም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ኣስታት 70 ሽሕ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብ ኣሜሪካ ክግዕዙ ድሌቶም ገሊጾም ክብል ሓደ ናይ ንግዲ ጉጅለ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ንግዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣሜሪካ (ሳኩሳ) መርበብ ሓበሬታኡ ናይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምዝገባታት ከምዝተቐበለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ንእቶም ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ካብ ሆላንድ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዶም ዝሰፈሩ ኣፍሪካነር ዝበሃሉ ማሕበረሰብ "ግዳያት ዘይፍትሓዊ ዓሌታዊ ኣድልዎ" ስለዝኾኑ ከም ስደተኛታት ክቕበሉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፕረዚደንት ስራሑ ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝምድና ኣመሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን እናሓርፈፈ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ንግዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርዝር ናይቶም ድልየት ዘለዎም ውልቀሰባት ኣብ ፕሪቶርያ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከምዘረከበ ገሊጹ።

ሓደ በዓል ስልጣን ኤምባሲ ኣመሪካ፡ እቲ ዝርዝር ከምዝበጽሖ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ካብቶም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሳኩሳ ዝተመዝገቡ 67,042 ሰባት፡ መብዛሕትኦም ኣፍሪካነር ወይ እንግሊዝኛ ኣስማት ከም ዝነበሮም ፕረዚደንት እቲ ትካል ኒል ዳይመንድ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ነጋዶ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝውክል ጉጅለ መብዛሕትኦም እቶም ናብ ኣመሪካ ክግዕዙ ድልየት ዘርኣዩ ሰባት ካብ 25 ክሳብ 45 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖምን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ጽግዕተኛታት ከም ዘለዎምን ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ናይ ንግዲ ጉጅለ ወግዓዊ መንግስታዊ ኣካል ኣይኮነን።

እንተኾነ ግን ብዛዕባ ዳግመ-ምጥያስ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ብዝቐረበሉ ሕቶ መሰረት፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ምዝገባ ወለንታውያን ከምዝተሳተፈ ሚስተር ዳይመንድ ንፈነወ ኒውስሩም ኣፍሪቃ ገሊጹ።

ገለ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣድልዎ ይፍጸመና ዝበሉ ኰይኖም እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣቓልቦ የማናውያን ጉጅለታት ኣመሪካ ስሒቡ ኣሎ።

ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ ውሑዳት ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ዝበዝሐ ብውልቂ ዝውነን መሬትን ሃብትን ዝውንኑ ኮይኖም እዚ ድማ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ካብ ዘብቅዕ ድሕሪ 30 ዓመታት'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ "ንረብሓ ህዝቢ" ብዝብል ሽፋን መንግስቲ ብዘይ ካሕሳ መሬት ክትሕዝ ዘፍቅድ እማመ ናብ ሕጊ ምስ ፈረመ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝነበረ ወጥሪ ክብ ኢሉ።

እዚ ስጉምቲ ድሕሪ ንዓመታት ዝቐጸለ ጻውዒታት ጽገና ፖሊሲ መሬት ኮይኑ፡ ደለይቲ ፍትሕን ፖለቲከኛታትን ካብቲ ብውሑዳት ጸዓዱ ዝተትሓዘ መሬት ሕርሻ ዳግማይ ክምቀሉ ካብ ምድላይ ዝተበገሰ እዩ።

ትራምፕ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጽደቖ እማመ፡ ነቶም "ብመንግስቲ ዝምወል ዓሌት መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ በጺሕዎም" ዝበሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንምቕባል ዘኽእል ትእዛዝ ፈሪሙ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ትራምፕ ነቲ መጸዋዕታ ንኹሎም ሓረስቶት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቕሪቡ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ፕረዚደንት ነታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ኣቋሪጹ።

ራማፎሳ ንነቐፌታ ትራምፕ መልሲ ዝሃበ ኰይኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ መሬት ከም ዘይሓዘትን፡ እቲ ሓድሽ እማመ ድማ "ብቅዋም ዝምራሕ ህዝቢ ብፍትሓዊ ኣገባብ መሬት ክረክብ" ከም ዘረጋግጽን ገሊጹ።

ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን እናገደደ ስለ ዝመጽአ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪካ ንኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዋሽንግተን ኣባሪራቶ።