ብጥይት ተቐቲለን ሬሳአን ንሓሰማታት ዝተወሃበ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳየን ቍጥዐ ኣለዓዒሉ

ማርያ ማክጋቶ ኣርባዕተ ደቃ ንበይና እትኣልይ ኣደ እያ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Makgato family

መግለጺ ስእሊ, ማርያ ማክጋቶ ኣርባዕተ ደቃ ንበይና እትኣሊ ኣደ እያ ነይራ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ጻዕዳ ሓረስታይን ክልተ ሰራሕተኛታቱን ንክልተ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም ሬሳአን ንሓሰማታት ከምዝመገቡ ይንገር ኣሎ።

እዚ ፍጻመ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ቍጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።

እተን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ 45 ዓመት ዝዕድመኣ ማርያ ማክጋቶን 34 ዓመት ዝዕድመኣ ሉቺያ ንድሎቩን እየን።

ክልቲአን ድማ ኣብ ነሓሰ ናብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሊምፖፖ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ኣትየን መግቢ እናኣለሻ እንከለዋ ብጥይት ከምዝተሃርማ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ነዚ ስዒቡ እቶም ቀተልቲ መርትዖ ንምውጋድ ብዝገበርዎ ፈተነ ሬሳኣን ንሓሰማታት ከምዝመገቡ ይንገር።

ቤት ፍርዲ ነቲ ዛካርያስ ዮሃንስ ኦሊቨር ዝተበሃለ ወዲ 60 ዓመት ወናኒ እቲ ሕርሻን፡ ሰራሕተኛታቱ ወዲ 19 ዓመት ኣድሪያን ደ ዌትን፡ ወዲ 50 ዓመት ዊልያም ሙሶራን ዝተበሃሉ ሰራሕተኛታቱ ቅድሚ መስርሕ ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑን ዘይክፍትሑን ምዃኖም ክውስን’ዩ።

ኣቐዲሙ ግን ሰልፈኛታት፡ እቶም ጥርጡራት ዋሕስ ክኽልከሉ ብምሕታት ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

እቲ ፍጻመ ኣብ መንጐ ጸለምትን ጸዓዱን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዓሌታዊ ወጥሪ ዝያዳ ከምዘጋደደ ሓው እታ ማክጋቶ ዝተበሃለት ግዳይ ዝዀነ ዋልተር ማቶለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ኣብታ ሃገር ቅድሚ 30 ዓመት ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ እንተተዛዘመ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ክሳዕ ሕጂ ዓሌታዊ ጉዳይ የጋጥም እዩ።

እቶም ሰለስተ ተኸሰስቲ፡ ነቲ ኣብቲ ሕርሻ ምስተን ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ በዓል ቤት ንድሎቩ እውን ብጥይት ክቐትሉ ብምፍታንን ከምኡ'ውን ፍቓድ ዘይብሉ ብረት ብምሓዝ'ውን ይኽሰሱ።

ማቡቶ ንኩቤ ካብቲ ዘጋጠሞ መከራ ድሒኑ፡ እናተንፈሓኸ ሓገዝ ሓኪም ክረክብ ከምዝኽኣለ ይዛረብ።

ብድሕሪኡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ንፖሊስ ከምዝሓበረን መኮንናት ድማ ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት ዝበስበሰ ሬሳታት እተን ግዳያት ከምረኸቡን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣስከሬን ዝቐተልወን ደቀንስትዮ ንሓሰማ መጊቦም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ኣስከሬን ዝቐተልወን ደቀንስትዮ ንሓሰማ መጊቦም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰባት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ግዳያት ንመግቢ ዝኸውን ግዜኡ ዝሓለፎ ፍርያት ክእልሹ ናብቲ ሕርሻ ከምኣተዉ ይንገር። ከምዚኦም ዝበሉ ፍርያት ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ሕርሻ ተገዲፎም ንሓሰማታት ዝወሃቡ’ዮም።

ስድራቤት ማክጋቶ ከምዝብልዎ ብቕትለታ ተሃስዮም እዮም። ብፍላይ ድማ ካብ 5 ክሳብ 22 ዓመት ዝዕድመኦም ኣርባዕተ ደቃ፡ ብስእነት ኣደኦም ተጐዲኦም ኣለዉ።

“ኣደይ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ሞይታ፡ ኵሉ ነገር እትገብረልና ኣላይትና’ያ ነይራ። ንሳ ስለዝነበረት ዝጐደለና ነገር ኣይነበረን” ክትብል በዅሪ ጓላ ራንቲ ማክጋቶ ብንብዓት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

“እቶም ቀተልቲ ዝተበሃሉ ዋሕስ እንተተኸልኪሎም ብሰላም ክድቅስ’የ ዝብል ግምት ኣለኒ” ክትብል ትውስኽ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ቅትለት ብምዅናን ኣብ መንጐ ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ጸረ-ዓሌትነት ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ጸዓዱ ንዝዀኑ ሓረስቶት ዝውክሉ ጕጅለታት፡ ሓረስቶት ማሕበረሰባት ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዑ ኰይኑ ከምዝስምዖም ይዛረቡ። ይዅን’ምበር ሓረስቶት ካብ ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ስግኣት ከምዘጋጥሞም ዘመልክት መርትዖ የለን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ካልኦት ክልተ ዓሌታዊ ወጥሪ ዘስዓቡ ፍጻመታት ኣጋጢሞም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ሓደ ሓረስታይን ሓላዊ ጸጥታኡን ኣብ ነሓሰ ኣብ ጥቓ ንእሽቶ ከተማ ሚድልበርግ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ክልተ ሰባት ቀቲሎም ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።

እቶም ሬሳኦም ንምልላይ ክሳብ ዘጸግም ዝተቓጸሉ ክልተ ሰባት፡ ኣባጊዕ ሰሪቘም ተባሂሎም ከምዝተኸሰሱ እዩ ተነጊሩ።

እቲ ሓሙኽሽቲ ሬሳታት መርመራ ዲኤንኤ ክግበረሉ እንከሎ እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ተገይሮም ነይሮም።

ካልእ ድማ ሓደ ወዲ 70 ዓመት ጸዕዳ ሓረስታይ፡ ካብ ሕርሻኡ ኣራንሺ ሰሪቑ ዝበሎ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ክልቲኡ ኣእጋሩ ብመኪና ከምዝረገጾ ይዝከር።