ንኣፍቃሪቱ ቀቲሉ ን16 ዓመት ኣብ ስሚንቶ ዝቐበራ ሰብኣይ

መኪና ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቡብ ኮርያዊ ሰብኣይ እታ ንልዕሊ 16 ዓመት ደሃያ ጠፊኡ ዝነበረ ኣፍቃሪቱ፡ ቀቲሉ ሬሳኣ ኣብ ስሚንቶ ከም ዝቐበረ ተኣሚኑ።

እቲ ኣብ 50ታት ክሊ ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጂዮጄ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ምስ መጻምዱ ኣብ ዝተጨቓጨቝሉ እዋን፡ ብተሪር ነገር ከም ዝወቕዓ ንፖሊስ እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።

ብድሕሪ'ዚ ንሬሳኣ ኣብ ባልጃ ብምእታው፡ ኣብ ኮረድዮ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ትሕቲ ሕጡብ ማቶኒን ስሚንቶን ቀቢርዎ።

ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ እንከይተፈለጠ ከም ዝነበረን፡ ሰራሕተኛ ጽገና ኣብ ዝዅዕተሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ሬሳ ከም ዝረኸቦን ማዕከናት ዜና ደቡብ ኮርያ ኣቃሊሐን።

እቲ ብኽፋል ኣብ ባልጃ ተዓቒቡ ዝተረኸበ ሬሳ፡ ብምርመራ ኣሰር-ኣጻብዕ ናይታ ቅድሚ 16 ዓመታት ዝጠፍአት ሰበይቲ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ።

ምርመራ ሬሳ ከም ዝሕብሮ፡ እታ ግዳይ ብገለ ተሪር መሳርሒ ኣብ ርእሳ ድሕሪ ምውቃዓ ብዝወረዳ ጉድኣት እያ ሞይታ።

ፖሊስ ‘ኤ’ ኢሉ ስም ዝሃቦ እቲ ገበነኛ፡ ሬሳ መዋቲት ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ኣብቲ ኣፓርታማ ይነብር ኣይነበረን። ግን ብቕልጡፍ ተረኺቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2008 ንኣፍቃሪቱ ወቒዑ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ኣብቲ ኣብ ጂዮጄ ዝርከብ ስቱድዮ ኣፓርታማ፡ ምስታ ዝቐተላ መጻምዱ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝነበረ ንፖሊስ ኣነጺሩ።

ሬሳኣ ኣብ ባልጃ ብምእታው ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ዝርከብ ካብ መደቀሲ ክፍሊታት በቲ ሓደ ጥራሕ ዝእቶ ንእሽተይ ኮረድዮ ኣብ ትሕቲ ሕጡብ ማቶኒን ስሚንቶን ቀቢርዎ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ 2016 ብዕጸ-ፋርስ ክሳብ ዝተኣሰረሉ እዋን፡ ንኣፍቃሪቱ ቀቲሉ ኣብ ዝቐበረሉ ኣፓርታማ ንተወሳኺ ሸሞንተ ዓመታት ይነብር ከምዝነበረ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ካብ ሻዑ ጀሚሩ፡ ወናኒ እቲ ኣፓርታማ ከም መኻዚኖ ይጥቀመሉ ነይሩ።

እዛ ግዳይ ኣብቲ እዋን ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት እያ ነይራ፤ ስድራኣ ድማ ጓሎም ካብ ትቕተል ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝከውን ምጥፍኣ ከምዘይሓበሩ ሰብመዚ ገሊጾም።

ደሃይ ምስ ተቛረጸ ግን፡ ናብቲ ምስ መጻምዳ ትነብረሉ ዝነበረት ጂዮጄ ክርእይዋ መጺኦም። እንተዀነ ምስ ኤ ከም ዝተፈላለዩን ካብታ ከተማ ከም ዝወጽአትን ተነጊርዎም።

ኣብዚ ዓመት ወናኒ እቲ ኣፓርታማ እቲ ህንጻ ገለ ጽገና ምክልኻል ማይ ክግበረሉ ኣብ ዝወሰነሉ እዩ እቲ ን16 ዓመታት ዝተሓብአ ምስጢር ተጋሂዱ።

ፖሊስ ምርመራታት ምክያድ ብምቕጻል፡ ነቲ ሰብኣይ ብገበን ቅትለት ክኸስዎ ትጽቢት ይግበር።