ኣብ ባሕሪ ዕንቅርቢትን ድዱዕን እናበልዐ ህይወቱ ዘድሓነ ገፋፊ ዓሳ

ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝተሰወረ ፔሩኣዊ ገፋፊ ዓሳ ድሕሪ ናይ 95 መዓልታት ሕሱም ግዜ፡ ህይወቱ ድሒኑ ምስ ስድራኡ ተራኺቡ።
እቲ ገፋፊ ዓሳ ኣብቲ ባሕሪ ዕንቅርቢታት፡ ኣዕዋፍን ድዱዕን እናተመገበ ከም ዘሕለፎ ተገሊጹ።
ወዲ 61 ዓመት ማክሲሞ ናፓ ካስትሮ፡ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ፔሩ እትርከብ ከተማ ማርኮና፡ ክልተ ሰሙን ዝወስደሉ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ስራሕ ክዓዪ ብ7 ታሕሳስ ተበጊሱ።
እንተዀነ 'ኣደኻ ከም ዝለኣኸትካ ኣይኰነን፡ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ እዩ' ከም ዝበሃል፡ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተጓዓዘ ካብዚ መጽአ ዘይተባህለ ህቦብላ ንጃልባኡ ካብ መስመር ኣውጺኡዋ።
እናጐደ ዝኸይድ ዝነበረ ቀለብ ሒዙ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ተረፈ።
ስድራኡ ምድላይ ጀመሩ፣ ኣሃዱ ኮለላ ባሕሪ ፔሩ ግን ከረኽብዎ ኣይከኣሉን።
ካብኡ ንድሓር ግን እታ ዶን ኤፍ እትበሃል መርከብ ኢኳዶር፡ ካብ ገማግም ባሕሪ 1094 ኪ.ሜ ርሒቑ፡ ብማይ ጻምእ ተጐሳቝሉን ኣመና ከፊኡዎን ረኺባቶ።
ማክሲሞ ኣብ ጃልባኡ ካብ ሰማይ ዝዘነበ ማይ እናዕቘረን ዝረኸቦ እናተመገበን ብህይወት ጸንሐ።
እቲ ወዲ 61 ዓመት ገፋፊ ዓሳ ብዓርቢ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤኳዶር ኣብ ዝርከብ ፓይታ ምስ ሓዉ ኣብ ዝተራኸበሉ ህሞት፡ ቅድሚ ዕንቅርቢታት ባሕሪ ክበልዕ ምጅማሩ፡ ብኸመይ ኣዕዋፍን ይምገብ ከም ዝነበረ ገሊጹ። እተን ናይ መወዳእታ 15 መዓልታቱ ድማ ብዘይ መግቢ እዩ ኣሕሊፍወን።
ጓል ክልተ ወርሒ ጓል ወዱ ሓዊሱ ብዛዕባ ስድርኡ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ጸገም ክጻወር ሓይሊ ከም ዝሃቦ እቲ ገፋፊ ዓሳ ተዛሪቡ።
"መዓልታዊ ብዛዕባ ኣደይ እሓስብ ነይረ። ፈጣሪ ካልኣይ ዕድል ስለ ዝሃበኒ አመስግኖ፡" ኢሉ።
ኣደኡ ኤሌና ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ወዳ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን ኣዝማዳ ወዳ ብህይወት ከም ዝህሉ'ኳ ተስፋ ኣሕዲሮም እንተ ነበሩ፡ ንሳ ተስፋ ቈሪጻ ከም ዝነበረት ተዛሪባ።
እቲ ዘዝረኸቦ እናተመገበ ብህይወት ዝተረፈ ካስትሮ፡ ንሕክምናዊ ገምጋም ናብ ፓይታ ተወሲዱ።
ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆርጅ ቻቨዝ፡ ጓሉ ኢነስ ናፓ ስምዒት ዝተመልኦ ኣቀባብላ ዝገበረትሉ ኰይና፡ ፒስኮ ዝበሃል ሃገራዊ መስተ ፔሩ ሒዛ ናብ ገዝኡ ኣእትያቶ።
ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ሳን ኣንድረስ ዝተባህለት ከተማ ዝቕመጡ ጐረባብቱን መቕርባቱን ንማዕከን ዜና ፔሩ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ደሃዩ ጠፊኡ ዝነበረ መቕርቦም ስለ ዝተረኸበ፡ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ጐደናታት ከም ዝሰለምዎ ሓቢሮም።
ጓል ሓፍቱ ሌይላ ቶረዝ ናፓ፡ እቶም ስድራቤት ኣብ ባሕሪ ተሰዊሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝሓለፈ ዕለተ ልደቱ ከብዕሉ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጻ።
ንሳ ነቲ ትካል ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "መዓልቲ ልደቱ ፍልይቲ እያ ነይራ፣ ምኽንያቱ [ኣብ ባሕሪ ከሎ] ክበልዖ ዝኽእል ዝነበረ ንእሽቶ ብሽኮቲ ጥራሕ'ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንዓና ዳግማይ ተወሊዱ ስለ ዘሎ ከነብዕሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፡" ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያዊ ሚካኤል ፒቹጊን ኣብ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ኦኮትስክ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕ ብህይወት ምጽናሑ ዝዝከር'ዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ጆሴ ሳልቫዶር ኣልቫሬንጋ ዝተባህለ ሳልቫዶራዊ ገፋፊ ዓሳ፡ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ድሕሪ ን14 ኣዋርሕ ድሕሪ ዘሕለፎ ዘይተለምደ መከራ ተጻዊሩ ብህይወት ተረኺቡ።
ኣብ መወዳእታ 2012 ካብ ገማግም ባሕሪ ሜክሲኮ ዝተበገሰ እዚ ገፋፊ ዓሳ፡ ኣብ መጀመርታ 2014 ኣብ ደሴታት ማርሻል ከም ዝተረኸበ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







