ጕዕዞ መሪሕነት እቲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝሞተ ፕረዚደንት ኢራን

ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ህይወቱ ዝሓለፈ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ህይወቱ ዝሓለፈ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ፡ ምስ መራሒ ሃይማኖት ኢራን ዓሊ ዅመይኒ ስጡም ርክብ ዝነበሮ ጽኑዕ ሃይማኖተኛ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2021 ናብ መንበረ ስልጣን ምምጽኡ፡ ኣብ ግዝኣታት እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ልዕልና ዓቃባውያን ከም ዝሰፈነ ዘረጋገጸ እዩ ተባሂሉ።

ድሕሪ ዝተኻየደ መረጻ፡ ወዲ 63 ዓመት ኢብራሂም፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ንዝነበረ ሓሰን ሩሓኒ ብምትካእ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ።

እቲ መረጻ ብዙሓት ልኡማትን ገስገስትን ሕጹያት ዝተኣገድሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ኢራናውያን ኣድመፅቲ ዘይተሳተፍሉ እዩ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኢራን ብብዙሓት ፈተናታት ኣብ ትሕቆነሉ እዋን እዩ ነይሩ ስልጣን ዝተረከበ።

ብድሆታት ቍጠባ፡ ውጥረታት እቲ ዞባ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን ኣብ ጉዳይ ኑክሊየር ምስ ምዕራባውያን ምውጣጥ ኣብ ዝቐጸለሉን እዋን እዩ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት ስልጣን ምስ ሓዘ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ መላእ ኢራን ፀረ-መንግስቲ ተቓውሞ ተባሪዑ። ከምኡ’ውን ብኢራን ይድገፍ እዩ ዝበሃል ፍልስጤማዊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ምስ እስራኤል ኣብ ኲናት ምእታዉን፡ ኢራን ምስ እስራኤል ዝጀመረቶ ናይ ኢድ ኣዙር ግጭት ናብ ዕላዊ ምፍጣጥ ምምርሑን፡ ኣብ ዘበን ስልጣኑ ጎሊሖም ዝተራእዩ እዮም።

ኣብ 1980ታት ኣብ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት እሱራት ፖለቲካ፡ ኢብራሂም ራይሲ ዝነበሮ ግደ ክምርመር፡ ካብ ብዙሓት ኢራናውያንን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ሕቶ ይቐርብ ነይሩ።

ኢብራሂም ራይሲ፡ ኣብ 1960 ኣብታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ኢራን ዝዀነትን ቅድስቲ ቦታ ሺዓ ሙስሊም ተባሂላ ትፍለጥን ማሽሃድ እዩ ተወሊዱ።

መራሒ ሃይማኖት ዝነበረ ወላዲኡ፡ ኢብራሂም ገና ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን እንከሎ እዩ ሞይቱ።

ብመሰረት ባህሊ ሺዓ ዘርኢ ነብዩ መሓመድ ምዃኑ ዝገልጽ ጸሊም መጠምጠምያ ዝገብር ራይሲ፡ ኣሰር ኣቦኡ ብምስዓብ ኣብ ቅድስቲ ከተማ ቆም ኣብ 15 ዓመቱ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ክከታተል ጀሚሩ።

ተምሃሪ እንከሎ፡ ብምዕራባውያን ዝድገፍ መንግስቲ ሻህ ብምቅዋም ብተደጋጋሚ ናብ ኣደባባይ ወጺኡ እዩ። ምምሕዳር ሻህ፡ ኣብ 1979 [ኣ. ኣ] ብኣያቶላህ ሩሆላህ ዅመይኒ ብዝምራሕ እስላማዊ ሰውራ ካብ ስልጣን ተዓልዩ።

ራይሲ ድሕሪ እዚ ሰውራ ናብ ኣካላት ፍትሒ ብምጽንባር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣኽባሪ ሕጊ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ 1981 ፕረዚደንት ኢራን ብዝዀነ ኣያቶላህ ዓሊ ዅመይኒ’ውን ስልጠና ሒዙ እዩ።

ኣብ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝሞቱ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብዱላህያን ፕረዝደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲንሂን ፕረዝደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝሞቱ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብዱላህያን ፕረዝደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲን

ምስ ‘ኮሚቴ ሞት’ ኢራን ዝነበሮ ርክብ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ራይሲ፡ ወዲ 25 ኰይኑ እዩ ኣብ ቴህራን ምክትል ኣኽባሪ ሕጊ ክኸውን ዝኸኣለ። ኣብዚ እዋን ኣብ 1988 ኣብ ዝቘመ ምስጢራውን ደሓር ድማ ‘ኮሚቴ ሞት’ ክበሃል ኣብ ዝበቐዐ ቤት-ፍርዲ፡ ብይን ካብ ዝሃቡ ኣርባዕተ ዳያኑ ሓደ እዩ ነይሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣሽሓት ሰባት “ዳግማይ ብይን ዝሃበሎም”፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ናይቲ ውድብ ሙጃሃዲን ህዝቢ ኢራን (ፒኤምኦአይ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ፀጋማይ ጕጅለ ተቓውሞ ኣባላት ሙጃሃዲን-ኢ ካልክ (ሜክ) ነይሮም።

በቲ ቤት ፍርዲ ብሞት ናይ ዝተፈረዱ ሰባት ልክዕ ኣሃዝ ኣይፍለጥን። እንተዀነ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣስታት 5 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝተቐተሉ ይገልጹ። እቶም ውልቀሰባት ምልክት ኣብ ዘይብሉ ጃምላዊ መቓብር ዝተቐበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገበን እዩ ተባሂሉ።

መራሕቲ እታ እስላማዊት ሪፓብሊክ እቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ’ኳ እንተዘይከሓዱ፡ ዝርዝር ጉዳያት ግና ኣይጠቐሱን።

ኢብራሂም ራይሲ ኣብዚ ናይ ሞት ፍርዲ ኢድ ከም ዘይነበሮ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ። ብፋትዋ ወይ ሃይማኖታዊ ውሳነ ምኽንያት ብኣያቶላህ ዅመይኒ ከም ዝፀደቐ ግን ኣይከሓደን።

ንራይሲ ሓዊሱ ካልኦት ኣካላት ፍትሕን ኣብቲ እዋን ምክትል መራሒ ዝነበረ ኣያቶላህ ሑሴን ሞንታዘሪን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝተቐረጸ ድምጺ፡ ኣብ 1988 ልሒኹ ተሰሚዑ እዩ።

ሞንታዘሪ ነቲ ቅትለት፡ “ኣብ ታሪኽ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝተፈፀመ ዓቢይ ቅትለት” ብምባል ክገልጾ ተሰሚዑ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሞንታዘሪ ካብ ዝነበሮ መዝነት ተተካኢ ኣያቶላህ ዅመይኒ ተኣልዩ።

ኣያቶላህ ድማ ድሕሪ ሞት ዅመይኒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ።

ብዛዕባ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ 2021 ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ዳኛን ኣኽባሪ ሕጊን ደሕንነት ህዝቢ ብምሕላዎም ክምስገኑ ይግባእ... ክሳብ ሕጂ ብዝሓዝክዎ ስልጣን ንዅሉ ሰብኣዊ መሰል ሓለዋ ብምግባረይ ኩርዓት እስመዓኒ” ክብል መሊሱ።

ናይ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, በቲ ቤት ፍርዲ ብሞት ናይ ዝተፈረዱ ሰባት ልክዕ ኣሃዝ ኣይፍለጥን፤ ልዕሊ 5 ሽሕ ከም ዝኸውን ግን ይግመት

ዘይመስሉ ፕረዚደንታዊ ትምኒታት

ራይሲ ኣብ 2017 ንፕረዚደንትነት ከም ዝወዳደር ብምግላጽ ንብዙሓት ኣስደሚሙ። ኣብ ፈላማይ ዙር መረጻ 57 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ መራሒ ዝዀነ ሩሓኒ፡ ልዑል ድምጺ ብምርካብ ንካልኣይ ግዜ ፕረዚንደንት ኰይኑ ተመሪፁ።

እቲ ንርእሱ ተቓላሳይ ፀረ ብልሽውና ገይሩ ዘቕረበ ኢብራሂም ራይሲ ድማ ብ38 ሚእታዊት ካልኣይ ኰይኑ። ኣብቲ እዋን፡ ምኽትል ኣኽባሪ ሕጊ ኰይኑ ኣብ ምምካት ብልሽውና ብዙሕ ኣይሰርሐን ብዝብል ብሩሓኒ ተነቒፉ ነይሩ።

እዚ ግን ንስሙ ኣይደወኖን። ኣብ 2019 ሓላፊ ፍትሒ እታ ሃገር ካብ ምዃን እውን ኣይኣገዶን። ኣብ ዝሰዓበ ሰሙን ድማ፡ ሃይማኖታዊ መራሒ እታ ሃገር ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ናይ ዘለዎን 88 ኣባላት ናይ ዝሓዘን ባይቶ ምክትል ኣቦ ወንበር ኰይኑ ተመሪጹ።

ኢብራሂም ራይሲ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ብምግባር፡ ብሞት ዝቕፅዑ ሰባትን ብሰንኪ ሓሽሽ ሞት ዝፍረዱን ሰባት ብዝሒ ክንኪ ገይሩ።

ድሕሪ እዚ’ውን፡ ኢራን፡ ብዘይካ ቻይና ብሞት ብምቕጻዕ እትወዳደራ ሃገር ኣይተረኽበትን።

ኣካላት ፍትሒ እውን ምስ ቤት-ጽሕፈት ድሕንነት ብምትሕብባር፡ ንተቓውሞታት ብምኽልካልን ክልተ ዜግነት ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎምን ብዙሓት ኢራናውያን ሰለልቲ እዮም ብምባል ክሲ ምምስራት ቀጺሎም።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕሊ ኢብራሂም ራይሲ ማዕቀብ ከም ዘንበረ ይዝከር።

ኣብ 2009 ድሕሪ ዝተኻየደ ኣካታዒ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ንተቓዋማይ ግሪን ሙቭመንት ንምግታእ ኣብ ዝተገበረ ቅትለት ኢድ ኣለዎ ብዝብል ተኸሲሱ እዩ።

ምስሊ ኢብራሂም ራይሲ ዝሓዛ ኢራናውያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ራይሲ፡ ንፕረዚደንታዊ መረጻ 2021 ሕፁይ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ “ኣብ ፈጻሚ ኣካል እታ ሃገር ለውጢ ንምግባርን ድኽነት፡ ብልሽውናን ኣድልዎን ክዋጋእን እየ” ኢሉ ነይሩ።

ፍሉጣት ልኡማት ገስገስቲ ለውጥን ዝዀኑ ሕጹያት ካብቲ መስርሕ ምስንባቶም፡ ኣብቲ መረጻ ርእሱ ዝኸኣለ ጸቕጢ ፈጢሩ። ተቓወምትን ሓደ ሓደ ገስገስቲ ለውጥን፡ መረጽቲ፡ ኣብቲ መረጻ ንኸይሳተፍ ሓቲቶም። ራይሲ ግን ዝዀነ ዓይነት ከቢድ ንሕንሕ ንከይገጥሞ ዝተገበረ ውዲት እዩ ብምባል ቅረታኡ ገሊፁ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር መረጻ 62 ሚእታዊት ብምርካብ ዓብይ ዓወት ኣመዝጊቡ። ይኹን’ምበር ብዝሒ መረጽቲ 49 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ 1979 ካብ ዝተኻየደ ሰውራ ንነጀው፡ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመና ዝተሓተ ኣሃዝ እዩ።

ራይሲ ኣብ ነሓሰ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዘበን ስርሑ ኣብ ዝጀመረሉ፡ “ፀገማት እታ ሃገር ንምፍታሕ፣ ቍጠባ ንምምሕያሽን ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ትልሚ ብምድጋፍን” እታ ሃገር ዝተነበረላ ማዕቀብ ንኽለዓል ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ 2015፡ ንመደባት ኑክሊየር ኢራን ንዝግድብ ስምምዕ ዳግማይ ንምሕዳስን ኣብ 2018 ብኣሜሪካ ዝነበረ ማዕቀብ ቍጠባ ንምልዓልን ዝዓለመ ነይሩ።

ራይሲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዎም ርክብ ንምምሕያሽ እውን ቃል ኣትዩ ነይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዎም ምንቅስቓስ “ናይ ምርግጋእ ሓይሊ” ብምባል ተኸላኺሉ።

ራይሲ ዋላ’ኳ ኣብቲ ዘተ ተሪር መርገጽ እንተሓዘ፡ ስምምዕ ኑክሊየር ንምሕዳስ ምስ ኣሜሪካ ዝተገበረ ስምምዕ ኣብ 2022 ተዓጽዩ። ይዅን’ምበር እቶም ጻዕርታት ኣብ ውሽጢ ኢራን ብዘጋጠሙ ክስተታት ተመናግዮም።

ተቓውሞታት ጸረ መንግስቲ

ተቓወምቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ መስከረም እታ ሃገር ሃይማኖታዊ ምምሕዳር ከብቅዕ ብዝሓቱ ተቓውሞታት ተናዊጻ።

ኣብ ቴህራን ሒጃብ “ብዘይግቡእ” ተኸዲና ዝብል ክሲ ዝተመስረተላ ማህሲ ኣሚኒ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንከላ ህይወታ ሓሊፉ፤ “ጓልኣንስተይቲ፡ ህይወት፡ ነጻነት” ዝብል ምንቅስቓስ ንኽፍጠር ድማ ምኽንያት ኰይኑ።

ሰብመዚ ዋላ ሓደ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ በደል የለን ብምባል’ኳ እንተኸሓዱ፡ መርማሪ ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ “ንሞት ንዘብጽሓ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተቓልዐት” ሓቢሩ።

ራይሲ ኣብታ ሃገር ንዝተኸሰተ ናዕቢ “ብቘራጽነት ንምፍታሕ፡ ቃል ኣትዩ። ሰበስልጣን ድማ ነቲ ተቓውሞ ብሓይሊ ዓፊኖሞ።

ሰብመዚ እታ ሃገር ብዝሒ ዝሞቱ ወግዓዊ እንተዘይገበሩ’ውን፡ ሕቡራት ሃገራት ንእሙናት ሓበሬታት ጠቒሱ፡ ኣስታት 551 ተቓወምቲ ብኣካላት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ። መብዛሕትኦም ብጥይት ከም ዝተቐተሉ እዩ ተሓቢሩ። መንግስቲ 75 ኣባላት ጸጥታ ተቐቲሎም ኢሉ።

ካልኦት ልዕሊ 20 ሽሕ ተቓወምቲ ከም ዝተኣሰሩን ትሽዓተ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝተቐተሉን ተገሊጹ።

እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ዋላ’ኳ እንተዝሓለ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣቦታት ሃይማኖትን ሕጊታት ሒጃብን ከቢድ ቅረታ ኣሎ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ጸጕረን ኣብ ኣደባባያት ምሽፋን ብድፍረት ሓዲገናኦ።

ነዚ ተግባር ደው ንምባል ድማ፡ ባይቶ ኢራንን ራይሲን ሓድሽ ሕጊ ንምውጻእ ተገዲዶም።

ኢራንን ዞባዊ ውጥረትን

መንግስቲ ራይሲ፡ ምስታ ኣብቲ ዞባ ካልእቲ ሓያል ሃገር ዝዀነትን ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ተበቲኹ ዝነበረን ስዑድ ዓረብ ንምቅርራብ ኣብ 2023 ተሰማሚዑ።

ኣብ ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምኽፋታ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝነበረ ውጥረት ኣጋዲድዎ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ መሻርኽቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ኢራንን ተለኣኣኽትን (ኣብ ሊባኖስ ሕዝቦላህ፣ ኣብ የመን ሑቲን ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዘለዉ ዕጡቓት)፡ ንፍልስጤማውያን ዘለዎም ድጋፍ ንምርኣይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ኣበርቲዖም ቀጺሎምሉ።

እስራኤል ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ድሕሪ ምቕታላ፡ ኢራን ኣብ ሚያዝያ ልዕሊ 300 ሰብኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ብምውንጫፍ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ኢብራሂም ራይሲ ነዚ ሃገሩ ዝወሰደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ ውሳነ ደጊፍዎ። እዚ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኢራን ስዒቡ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት ከምርሓ እየን ተባሂሉ ተሰጊኡ ነይሩ።

ኢብራሂም ራይሲ ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

እስራኤል ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ከይትወስድ ካብ ምዕራባውያን ንዝቐረበላ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈጺማ።

ራይሲ እቲ ብእስራኤል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ትሑት ከም ዝዀነ ሓቢሩ ነይሩ። ኢራን ብሰብኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ “ቆራጽነት ሃገርና” ኣርእዩ ብምባል ተዛሪቡ።

እዚ ሂወቱ ዝወሰደ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ፡ ብሰንበት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኢራን ንዝተሰርሑ ግድባት ኣብ ዝመረቐሉ እዋን፡ ሃገሩ ንፍልስጤማውያን እትገብሮ ድጋፍ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ “ፍልስጤም ንማሕበረሰብ ሙስሊም ናይ መጀመርታ ኣጀንዳ እያ” ክብል ተሰሚዑ።

ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ኣብዱላህያን ሓዊሱ ምስ ብዙሓት ላዕለዎት ሰብመዚ ካብ ዑደት ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ሄሊኮፕተሩ ኣብ ጐቦታት ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ዝነበረ ከቢድ ዝናብን ግመን ንጻዕሪ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብድሆ ኰይኑ። ብሰኑይ ንግሆ ግን ሰብመዚ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ከም ዝረኸብዎን ራይሲን ካልኦት ኣብታ ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ሰባትን ኵሎም ከም ዝሞቱ ወግዓዊ ገይሮም።

በዓልቲ ቤቱ ጀሚላ፡ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሸሂድ ብሄሽቲ ከም ዝተማህረትን ክልተ ኣዋልድ ደቂ ከም ዘለዋኦምን ጥራይ እምበር፡ ብዛዕባ ውልቀ ሂወት ኢብራሂም ራይሲ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ሓሙኡ ድማ ኣብ ከተማ ማሻህድ ስግዳን ወትሩ ዓርቢ [ጁምዓ] ዝመርሕ ኣያቶላህ ኣሕመድ ኣላሞልሖዳ እዩ።