ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ይላባዕ ኣሎ

ለበዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ናብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ከም ዝተላብዐ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት - ኦቻ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2023 ኦቻ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ናብ ካልኦት ቀበሌታት ከም ዝተላብዐ ገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ምዕባለ ጀሚሩ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ዝያዳ ናብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ከም ዝተላብዐ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ክሳዕ 7 ግንቦት 2023 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ኣብ 54 ወረዳታት ኣብ 348 ቀበሌታት ተዘርጊሑ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ 6,157 ብሕማም ሸሮኽ ዝተለኸፉ ክዀኑ እንከለዉ 94 ተዛመድቲ ሞት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብተን ዝተጐድኣ ወረዳታት ናብ 7 ሚልዮን ዝቐርቡ ሰባት ኣብ ልዑል ሓደጋ ከም ዝርከቡ እውን ተሓቢሩ።

ኦቻ ከም ዝብሎ፡ እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመዝገቡ ዝነውሑ ለበዳታት ሓደ እዩ፤ እቲ ንፈለማ ግዜ ዝተመዝገበ ፈላማይ መልከፍቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢታት ዝረኣየ ልዕሊ ዓቐን ዝናብ ኣብተን ዝተጐድኣ ከባቢታት ህጹጽ ኵነታት ውሕጅ ከም ኣስዒቡ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ መላእ ክልላት ሶማልን ኦሮምያን ልዕሊ 196 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ክዀኑ እንከለዉ እዚ ድማ ሕማም ሸሮኽ ዝያዳ ከይላባዕ ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረላ ኣውራጃ ጋውቴንግ፡ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሊጦም።

ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳዕ ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ 95 ሰባት መርመራ ከም ዝተገበረን ብውሕዱ 19 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከም ዝተለኽፉ ኣረጋጊጹ ክብል ክፍሊ ጥዕና ጋውቴንግ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ 37 ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

ካብቶም ግዳያት ሓደ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻንን ትሽዓተ ዓበይትን ይርከብዎም።

 ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ንምምካት ተወሳኺ ሰራሕተኛታት ሕክምና ተዋፊሮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Gauteng Health Department/TwitterCopyright

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ንምምካት ተወሳኺ ሰራሕተኛታት ሕክምና ተዋፊሮም ኣለዉ

ሓላፊ ጥዕና እታ ኣውራጃ ኖማንቱ ንኮሞ-ራለሆኮ፡ ህዝቢ ተወሳኺ ጥንቃቐታት ክግበር ግቡእ ጽሬት ኢድ ክሕሉን ኣተሓሳሲቡ።

ከተማ ትሽዋነ፡ ነበርቲ ሃማንስክራልን ከባቢኣን ካብ ቡምባ ማይ ከይሰትዩ የጠንቅቕ ምህላዉን ኣጋንእ ማይ ይቕርብ ከም ዘሎን ሓቢሩ።

ብኻልእ መዳይ ኣብ መጀመርታ ጥሪ 2023 ማላዊ፡ ብሰንኪ እቲ ሞት 595 ዘስዓበ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽፈቱሉ እዋን ከተናውሕ ከም ዝተገደደት ይዝከር።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌን ኣብ ንግዳዊ ማእከል ብላንታይርን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ድሕሪ በዓል ልደት እንተወሓደ ንተወሳኺ ክልተ ሰሙናት ተዓጽየን ጸኒሐን እየን።

ሕማም ሸሮኽ፡ ቪብሪዮ ኮሌራ ብዝተበሃለ ባክተርያ ዝተበከለ መግቢ ወይ መስተ ከም ዝላባዕ ክኢላታት ይገልጹ።

ሓደ ሰብ ዝተበከለ መግቢ ወይ ማይ ምስ ወሰደ ወሓጠ ምልክታት ክሳዕ ዝርኢ ካብ 12 ሰዓታት ክሳዕ 5 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

እዚ ኣብ ኵሉ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ዘጥቅዕ ሕማም፡ ከቢድ ተምላስ ከስዕብን ብቕልጡፍ እንተዘይተሓኪሙ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክቐትልን ይኽእል።

መብዛሕትኦም ዝተለኸፉ ሕሙማት፡ ኵነታቶም ንክኢላታት ሕክምና ስለዘይፍልጡ፡ ዓለምለኻዊ ጾር ሕማም ሸሮኽ ብንጹር ኣይፍለጥን።

ይዅን እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ኣብ ሓደ ዓመት 2.9 ሚልዮን ሕሙማት ከም ዝልከፉን 95 000 ሞት ድማ ከም ዘጋጥምን ይግመት።