'ኣደታትና ዘይሓወያ ትግራይ ኣይትሓውን' መስራቲት ትካል ‘ሕውየት’ መሰረት ሓዱሽ

ምንጪ ስእሊ, MESERET HADUSH
ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ንዘስዓቦ ሓፈሻዊ ዕንወትን ሞት ዜጋታትን ኣጽኒሕካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝተፈፀመ ፆታዊ ግህሰታትን መጥቃዕትን ጥራይ’ኳ ነልዕል እንተተባህለ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ግዳያት ንረክብ።
ንሓደ ኣብነት ጥራሕ ክንጠቅስ። እቲ ኲናት ካብ ዝጀመረሉ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 ኣብ ዝነበሩ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ 2,204 ደቂኣንስትዮ ትግራይ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊአን ዝተፈፀመ ፆታዊ ግህሰት ናብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝሓበራ፡ ብ03 ታሕሳስ 2021 ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ኣስፊርዎ'ሎ።
ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐፀለ ኲናት ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝዀና ንዝወረደን ሰቲረን ስቕ ዝበላ ብዕጽፍታት ዝግመታ ግዳያት ከም ዘለዋ ኸኣ ይግመት።
ከያኒት መሰረት ሓዱሽ ትበሃል። ኣብዚ እዋን እተን ብሰንኪ ኲናት ንጾታዊ ግህሰትን መጥቃዕትን ዝተቓልዓ ደቂኣንስትዮ ናብ ሕውየት ክመፅኣ ዝሕግዝ ኣብነታዊ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
ብወለንታኣ ዝጀመረቶ ምንቅስቓስ እናሰፍሐ ብምምጽኡ ኣብዚ እዋን ሕጋውነት ዘለዎ ገባሪ ሰናይ ትካል ኰይኑ'ሎ።
መሰረት፡ ንዕላማ፡ ድርኺትን ኣገዳስነትን ትካላ ኣመልኪታ ከተዕልል እንከላ፡ ሕውየት ዝደሊ ዝቘሰለን ዝሓመመን እዩ ብምባል፡ "ኣነ’ውን ኣብቲ ጨፍጫፍን ግፍዕን ነይረ እየ። ብዙሕ በደል ርኢና ኢና። ስለዚ ካብቶም ዝቘሰሉ ሓንቲ ስለዝዀንኩን ክንሓውይን ስለዝግባእን ብዝብል እየ ሕውየት ክብል ጀሚረዮ፡ ብምባል ዕላማን ስምን እቲ ትካል ኣተሓሒዛ ተረድእ።
ንሳ፡ ቀንዲ ግዳያት እቲ ዝነበረ ኵነታት ደቂኣንስትዮ ከም ዝዀና ብምግላጽ፡ ዕላማ'ቲ ትካል ግብረሰናይ፡ ኣብ ኣደታት ዝወረደ ስቓይን ግፍዕን ከምዝቃላሕ ንምግባርን፡ ከምኡ’ውን ቃንዛአን ንምንካይ ኣብ ዘኽእሉ ንጥፈታት ዕላማ ገይሩ ከም ዝሰርሕን ተረድእ።
ኣደ ልዑል ክብሪ ከም ዝወሃባ ብምግላጽ፡ "ርእስና ንምድናን ብኣደታትና እዮም መፂኦም። ኣብ ማህፀን ኣደታትን ደቂኣንስትዮ ግዳያትን ዘስካሕክሕ ተግባር ፈፂሞም፡" ብምባል ንሳ ከም ስነጥበባዊት ጓልኣንስተይትን ኣደን ናብቲ ስራሕ ከም ዘድሃበት ትገልጽ።
ንኣፈጻጽማ ስርሓታ ኣመልኪታ ከተረድእ እንከላ መሰረት፡ ክትሓዊ ዘለዋ ኣደን ክትሓዊ ዝግባኣ ቈልዓን ስለዘላ፡ ብቐዳምነት እቲ ዝወረደ ከም ዝፍለጥ ምግባር እዩ ትብል።
ብዙሕ ሰብ ክብደት እቲ ዘጋጠመ ከምዘይተረድኦ ጠቒሳ፡ "ማሕብረሰብ ተጋሩ ኣብ ውሽጢን ደገን ክንድ’ቲ ዝግባእ ኣቓልቦ ሂብና ኣይሰራሕናሉን" ክትብል ተቐምጥ።
በዚ መሰረት፡ "ፈለማ ነተን ግዳያት ረኺብና ቃለ-መሕትት ንገብረለን፡" ትብል እሞ መሰረት ሓድሽ፡ እቲ ካብአን ዝተረኽበ ሓበሬታ ብጥረኡ ዘይኰነስ ብመልክዕ ኣብ ሓቀኛ ዛንታአን ዝምስረት ሓፂር ፊልም ከም ዝዳሎ ትዛረብ።
"ኣብኡ ግን ንንክዮ ነገር እምበር ንውስኾ የለን። ነቲ ንምግላፁ ዝኸብድን ዘጸይፍን ዘስካሕክሕ ተግባራት ነኪና ነትርፎ። ብድሕሪኡ ሰሙናዊ ‘ቲቪ-ፎረም’ ነዳሉ እሞ ሰባት ንዕድም፡" ብምባል ነቲ መስርሕ ተረድእ።
ዕዱማት'ቲ መደባት ከኣ ሰብሞያ ስነኣእምሮን ስነልቦናን፡ ኣቦታት ሃይማኖት፡ ከየንቲ፡ ፀለውቲ ሰባትን ወከልቲ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረተሰብን ምዃኖም ትገልጽ።
እቲ ፊልም ኣብ ዝተራእየሉ ንሕውየት እታ ኣደ ‘ከም ማሕበረሰብ እንታይ ክንገብር እዩ ዘለና?’ ዝብል ዘተ ከም ዝካየድ ከኣ ተረድእ።
ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት ነዚ ምድላዋት [ብ ዩ ቱዩብ] ከም ዝርእይዎን ‘ክንሕግዛ ኢና’ ዝብል ምልዕዓል ክፈጥን ሓገዝ ንምትእኽኻብን ጻዕሪ ከም ዝግበርን ተብርህ።
እቲ ክርከብ ዝሕለን ሓገዝ ከኣ ንግዝያዊ ዘይኰነስ መሰረታዊ መትከል እግሪ ክኸውን እዩ ጻዕርና ትብል፤ ምኽንያቱ ክትገልጽ እንከላ መሰረት፡ ብዙሓት ካብዘን ግዳያት፣ "ልምዲ ስራሕ ዝነበረን መምህራን፡ ሓኻይም፡ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊረን ዘገልገላ ኮታስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ሞያ ተዋፊረን ዝሰርሓ ዝነበራ ኣደታት እየን ተኣጓጒለን ተሪፈን ዘለዋ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, MESERET HADUSH
መሰረት ሓዱሽ ንእትገብሮ ዘላ ሓገዝ ኣመልኪታ፡ እዘን ግዳያት ሓውየን ክበሃል እንተዀይኑ ናብቲ ዝነበራኦ ንቡር ናብራን ስራሕን ምስ ዝምለሳ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነተን ልምዲ ስራሕ ዘይነበረን እውን ሞያዊ ስልጠና ከም ዝወሃበን ትገልጽ።
"ብድሕሪኡ በታ ንምድበለን በጀት ናብ ስራሕ ይኣትዋ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን 12 ኣደታት ብ600 ሽሕ ብር በጀት ማለት ንሓንቲ ኣደ 50 ሽሕ ብር መበገሲ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክኣትዋ ጌርና'ለና፡" ኢላ እቲ ዝተገብረ ገንዘባዊ ሓገዝ ሓቢራ።
"ብሓፈሻ እንሰርሖ ስራሕ፡ ስነልቦናውን ቍጠባውን ደገፍ ክረኽባ ዘኽእለን መገዲ ኣብ ምፍጣር እዩ።"
መሰረት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊተን ኣደታት ዝወረደ ግህሰት ክትገልጽ እንከላ፡ "ስፍሓት ናይቲ ግፍዒ ንምግላጽ ዝኣክል ቃላት የብለይን፤ ኣእምሮ ካብ ዘለዎ ሰብ ዘይትጽበዮን ዘይትሓስቦን ተግባር እዩ ኣብ ልዕሊ ኣደታት፡ ኣዋልድን ህጻናትን ተፈጺሙ፤ ንኣዋርሕ ብዘይዕረፍቲ ብብዙሓት ዝተደፈራ'ውን ኣለዋ፡" ትብል።
ኣብ ገሊኡ'ውን ባዕዳዊ ነገራት ኣብ ማህጸነን ክኣቱ ከም ዝተገብረ ጠቒሳ፡ እቲ ዅሉ ዘስካሕክሕ በደላት ወሪዱወን ሎሚ ደው ኢለን ንምስክርነት ምብቀዐን ከም ዝገረማ ገሊጻ።
"ነቲ ዅሉ ግፍዕን በደልን ተሰኪመን፡ 'ኣብ ልዕለይ እዚ ወሪዱ' ኢለን ክዛረባ ምርኣየይ ጅግንነተን ምግላጽ ብጣዕሚ ይኸብደኒ" ትብል።
ምስዚ ኣተሓሒዛ እታ ከያኒት፡ እቲ ኣብ ልዕለአን ዝወረደ ግፍዒ መዓልታዊ ምስምዑ ኣዝዩ ከም ዝኸብድን ስቓይ ከም ዝፈጥርን ብምግላጽ፡ ክብደት ናይቲ ከምዚ ዝበለ ቃንዛታት ምስማዕ ጥራይ ንባዕሉ ዘለዎ ቃንዛ ተገንዝብ።
ምስተን ግዳያት ንምርኻብ ዘሎ መስርሕ፡ ክዛረባ ንክኽእላን ዘለወን መስገደልን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ከተረድእ እንከላ መሰረት ሓዱሽ፡ "ናባና ኣብ ዝመጽኣላ ፈላመይቲ መዓልቲ ኣብ ገጸን ብዙሕ ነገራት ኢኻ ተንብብ። ናይ ነዊሕ እዋን ብኽያት፡ ስቓይ፡ ተፃዋራይነት . . . ኮታስ ብዙሕ ነገር ኢኻ ትርእይ፡" ድሕሪ ምባል ነፍስወከፈን ዛንታአን ነዊሕ ምዃኑ ተዘንቱ።
"ዝደኸመን ተስፋ ዝቘረጸን ኣእምሮ ሒዘን እናነብዓ ኢና ንረኽበን።"

ምንጪ ስእሊ, MESERET HADUSH
ኣብቲ መስርሕ ምእካብ ሓበሬታ ንዅሉ ተጻዊርካ ብውሱናት ሕቶታት ዛንታአን ከም ዝስምዓን፡ ንሕሉፍ እናዘከራ ምእንቲ ከይሳቐያ ጥንቃቐ ከም ዝግበረለን'ውን ተረድእ።
ብተወሳኺ ኣቐዲሙ ዝተሰርሐ ፊልምታት ካልኦት ግዳያት ክርእያን ምስ ከምአን ዝበላ ግዳያት ተራኺበን ክዘራረባን ከም ዝግበር'ውን መሰረት ተዕልል።
"ኣብ ጐነን ሰብ ከምዘሎን ካልእን እናነገርና ክነተባብዐን ምስ ጀመርና፡ ቈላሕታ ዝገብረለን ሰብ ምህላዉ ምፍላጠን ጥራይ ዓቢይ ዕረፍቲ እዩ ዝፈጥረለን።"
ኣተሓሒዛ መሰረት፡ ፈለማ ክመጽኣ እንከለዋን ድሕሪ ምዝርራበንን ዘለወን ፍልልይ ስምዒታት'ውን ትገልጽ፤ "ምሳና ድሕሪ ምዝርራበን ዘሎ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ብቐጻሊ ድማ ምሳናን ምስ ካልኦት ከምአን ዝበላ ግዳያትን ስለዝራኸባ ፍኹስ እዩ ዝብለን።"
ከምኡ ዝበለ ተስፋ ብቐሊሉ ኣብ ውሽጠን ክፍጠር ትጽቢት ከም ዘይነበራ ብምግላጽ፤ እቲ ትገብሮ ዘላ ስርሓት ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረድእ።
"ኣብ ኵለን እተን ግዳያት ግን ሓንቲ ዘይትተርፍ ሕቶ ኣላ - ፍትሒ፡" ብምባል ኣብ ስርሓ ዘጋጠማ ብኣብነት ተረድእ።
"ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኲናት እያ ተደፊራ። ቈልዓ 10 ዓመት እያ። እንታይ ኢኺ ትደልዪ ኢለ ምስሓተትክዋ፤ ‘ኣነ ፍትሒ እየ ዝደሊ። ነቶም ሰባት እንተረኺብኩምዎም ሓዙለይ፤ እንተርእየዮም ይዝክሮም እየ፡" ከም ዝበለታን ፍትሒ ክትረክብ ከምእትደሊ ከምዝገለጸትላን ትዝክር።
እቲ ብወለንታኣ ዝጀመረ ሰናይ ተግባር ኣብዚ እዋን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ኰይኑ ኣሎ።
ንመጻኢ መደባታ ኣመልኪታ ክትዛረብ እንከላ ድማ መሰረት፡ እቲ ማሕበርና ‘ገባሪ ሰናይ ሕውየት’ ብዝብል ዝተመስረተ ትካል ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ስርሓት ክዓምም ከም ዝጸንሐ ብምዝካር፡ ነዚ ማሕበር "ዋላ’ኳ ንሕና እንተጣየሽናዮ ናይ ኵሉ ትግራዋይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡" ብምባል "ነተን ግዳያት ብቐረባ ንምርካብን ንምጥርናፍን ኢና ነዚ ማሕበር ኣጣይሽናዮ ዘለና፡ እቲ ጉዳይ ግን ናይ በይንና ክኸውን የብሉን፡" ብምባል ኵሉ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ተተሓሳስብ።
"ኣደታትና ከይሓወያ ትግራይ ክትሓውይ ኣይትኽእልን፡" ብምባል ከኣ ሕውየት ትግራይ ምስ ሕውየት ኣደታት ከም ዝተሓሓዝ ዝገልጽ መልእኽታ ተሕልፍ።

ምንጪ ስእሊ, MESERET HADUSH
ኣተሓሒዛ ከያኒት ብርሃን ሓዱሽ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ንዅሉ ዝምልከት ጉዳይ ብፍሉይ መጸዋዕታ ነቕርበሉ ክኸውን ኣይግባእን ብምባል ኵሉ መዳያዊ ሕውየት ዝደሊ፡ ኣካላውን ስነልቦናውን በሰላታት ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ "ካብ ብዙሕ ነገራት ዝተሰናኸላ፡ ሕልመንን ውጥነን ዝተኾለፈን ኣደታትን ኣለዋና።
"ብዙሓት ግዳያት'ውን ካብ ሓዳረን ተፈቲሐን ኣብ ኣፍደገ ኣብያተ ክርስትያንን ጐደናታትን ተደርብየን ኢኻ ትረኽበን። ኣካለን ስለዝተጐድአ ሰሪሐን ክነብራ ዘይክእላ ኣለዋ፡" ብምብላ ንኣሰቃቕነት እቲ ዝወረደንን ሳዕቤናቱን ተቐምጥ።
“በይዛኹም ኣደና ነሕዊ” ዝብል መልእኽቲ እየ ንዅሉ ከሕልፍ ዝደሊ፡ ትብል።
እተን ግዳያት ናብ መቐለ እናምጻእካ፡ ካብ ፍርሒ፡ ሽቝረራን ሓራ ኰይነን ዘዕቍባሉ፡ ዝስልጥናሉን ብዅሉ መዳያተን ዝፍወሳሉን ማእከል ኣብ ምምስራት ኵሉ ክተሓጋገዝ ከኣ ትጽውዕ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



