ኢትዮጵያ፡ 'ንይምሰል ምስ መንግስቲ ክንዘራረብ ኣይንደልን' ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጥምረት ዓሰርተ ሓደ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ መንግስቲ ብዛዕባ ወሰንቲ ጉዳያት እታ ሃገር ክዛራረብ ኣይደልን- ብምባል፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበሉ ዕድመ ዘተ ነጺግዎ።
ብመሰረት ሕቶ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ትማሊ ሰኑይ 23 መጋቢት 2016 ዓ.ም ግእዝ ምስ ወከልቲ ተወዳደርቲ ውድባት ተራኺቦም፤ ዘተ ኣካይዶም፡ ኣባላት እቲ ጥምረት ግን ኣይተሳተፉን።
ኣባላት እቲ ጥምረት ኣብቲ ዘተ ንከይሳተፉ ዝወሰኑ፡ "መንግስቲ ብዛዕባ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ክዛራረብ ስለዘይደሊ" ከምዝዀነ፡ ቀዳማይ ምክትል ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብቲ ዝርርብ ዘይተሳተፍሉ ምኽንያት፡ "ካብ ስእሊ ዝዘለለ ዕቱብ ነገር ዘየምጽእ፤ ምስ ተቓወምቲ ተዘራሪበ ንምባል" ንይምሰል ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ምስኡን ምስ ወከልቱን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን፡ ዝተገብረ ድርድር ፍረ ከምዘይፈረየ እቲ ፕሮፌሰር ገሊፁ።
ፕሮፌሰር መረራ፡ እቲ ምስ ገዛኢ ሰልፊ ኣብ ዝገበሮ ሓያሎ ዝርርባት ዝተረድኦ ነገር እንተሎ፡ መንግስቲ "ብዛዕባ መሰረታውን ወሰንትን ጉዳያት ክዘራረብ ከምዘይደሊ" እዩ።
ሓደ ካብቲ ዘልዕሎም መሰረታዊ ሕቶታት፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ሓዊሱ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ንብዙሓት ሰባት ህልቂት ዘስዓበ ግጭታትን ኲናትን እዩ።
እዚ ግጭታት እዚ ብኸመይ ብሰላም ክውዳእ ከምዝኽእል ብዝምልከት፡ "መንግስቲ ኣይዘራረብን ኣይደራደርን" ይብል።
ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ "ፖለቲካ ምቅትታል ደው ምባል" እቲ ቀንዲን መሰረታውን ጉዳይ ምዃኑ'ውን ይዛረብ።
እቲ ካልእ እቲ ፖለቲከኛ ዝጠቐሶ ጉዳይ ድማ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ እትገብሮ ምስግጋር ዝፈሸለሉ ምኽንያት እዩ።
ገዛኢ ውድብ፡ ነዚ መስርሕ ምዕንቃፍ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እታ ሃገር ክዛተየሉ ከምዘይደሊ ይዛረብ።
"ዘተ ናይ ውዕልን መእሰሪን ጉዳይ'ዩ፤ መሰረታዊ ነገራት ብምሃብን ብምቕባልን ፖለቲካዊ ጸገማት ክንፈትሕ እንተዘይክኢልና፡ እቲ ዘተ ብዙሕ ረብሓ ስለዘይብሉ፡ ህዝቢ ክደናገር ኣይንደልን" ኢሉ።
ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ብዙሓት መድረኻት ዝርርብ ዘምጽእዎ ረብሐ የለን ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ ኣብቲ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዘካየዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘተ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ንጥፈታት ርእይቶን ነቐፌታን ንምእካብ ዝዓለመ ምንባሩ ተገሊጹ።
ብመንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ብዝምልከት ንተቓወምቲ ውድባት መብርሂ ከምዝተዋህበ እውን ተገሊፁ።
ት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር፡ ኣብቲ ዘተ ዝተልዓሉ ርእይቶተታት ኣብ ቀፃሊ ፖሊሲ እታዎታት ኮይኖም፡ ኣብ ረብሐ ከምዝውዕሉ እዩ ዝገልፅ።
ኣብተን ክልተ ሰፋሕቲ ክልላት ኢትዮጵያ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓዊሱ ሰፊሕ ህልቂትን ኲናትን ይገጥመን ኣሎ።
ፕሮፌሰር መረራ፡ "እዚ ህልቂት ገዲፍና፡ እዚ ህንጻ ተሰሪሑ እቲ ጽርግያ ተሰሪሑ ዝብል ህዝባዊ ቃልሲ ኣቃሊልካ ምርኣይ ግቡእ ኣይኰነን" ኢሉ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ዝተመስረተ ጥምረት ተቓወምቲ ውድባት ፈደራሊስት ጉባኤ ኦሮሞ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ግንባር ሓርነት ብሄረ ኦጋዴን፡ ህብር ኢትዮጵያ፡ ውድብ ዓረና ትግራይ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ፡ ሰልፊ ህዝቢ ዓፋር ዝሓቘፈ ኰይኑ፣ ንገለ ቅዋማት መንግስቲ ክቃወም ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







