ን25 ሳናቲም ኢሉ 22 ዓመታት ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸራኺሩ ዝተዓወተ ሰብኣይ

ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ዝተብሃለ ህንዳዊ ጠበቓ፡ ኣብ 1999 ኣብ ዝገዝአን ክልተ ናይ ባቡር ትኬት 20 ሩፒ [0.25 ዶላር] ዝያዳ ክኸፍል ስለዝተገደደ፡ ን22 ዓመት ኣብ ቤት-ፍርዲ ብምክርኻር ተዓዊቱ።
እቲ ክስተት ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኢታር ፕራዲሽ ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር’ዩ ኣጋጢሙ።
ቤት-ፍርዲ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ናይ መወዳእታ መጋባእያ፡ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ ሰልዱ ምስ ወለዱ ክምለሰሉን ብገንዘብ ክከሓስን ናይ መወዳእታ ብይን ኣመሓላለፉ።
ወዲ 66 ዓመት ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት “ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ልዕሊ 100 ግዜ’የ ኣብ መጋባእያ ተረኺበ” ድሕሪ ምባል “ሓቂ ንኽትወጽእ ኢለ ዘባኸንክዎን ሰልዲ፣ ጸዓትን ግዜን እዚ ኢልካ ዝግለጽ ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብያተ ፍርዲ ህንዲ ምስ ዘይዕግበት ናይ ኣገልግሎት ብዝተሓሓዙ ክስታት ወትሩ ምስ ተጨናነቑ’ዮም።
ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ እቶም ክስታት ቀለልቲ ክንሶም፡ ብቤት ፍርዲ መዓልቦ ከይተገበሮም ዓመታት ክወስዱ ንቡር ተርእዩ’ዩ።
ብዙሕ ግዘ ኸኣ እቶም ከሰስቲ ብንውሓት ግዜ ተስፋ ቖሪጾም ክሶም ከወንዝፍዎም ብተደጋጋሚ ይርኣዩ’ዮም።
ነባሪ ዞባ ኡታር ፕራደሽ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ ካብ ማቱራ ናብ ሞራዳባድ ንኽጓዓዝ ክልተ ትኬት ኣብ ዝገዝኣሉ’ዩ ዝያዳ ክኸፍል ተገዲዱ።
ንሓንቲ ትኬት 35 ሩፒ’ዩ ነይሩ ዋግኡ፡ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ኸኣ 100 ሩፒ ብምኽፋል ክልተ ትኬት ሓቲቱ፡ ሸያጢ ትኬት እቲ መንገዲ ባቡር ግና ኣብ ክንዲ 70 ሩፒ፡ 90 ኣክፊሉ 10 ሩፒ ጥራይ ማልስ ሂብዎ።
ዝያዳ ከምዝኸፈለ’ኳ ነቲ ሸያጢ ትኬት እንተሓበሮ፡ ማልሱ ግን ክረክብ ኣይከኣለን።
ካብዚ ብምብጋስ ኣብ 1999 ኣብ ልዕሊ እቲ ጋሮክፑር ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንገዲ ባቡር ወግዓዊ ክሲ መስሪቱ።
ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ መስርሕ ቤት-ፍርዲ ኣዝዩ ዝሕቱል ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ኣስታት 22 ዓመታት ከምዝወሰደ’ዩ ዝገልጽ።
“እቲ መንገዲ ባቡር ነቲ ክሲ ከሰርዞ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ካይዱ” ድማ ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ደያኑ ብዕረፍቲ፣ ብሓዘንን ብኻልእ ነገራትን ኣብ መጋባእያ ስለዘይርከቡ ብዙሕ ግዜ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከምዝተሰጋገረ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ይገልጽ።
ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ፡ ቤት-ፍርዲ እቲ መንገዲ ባቡር ንቱንጉናዝ ቻተርቨዲ 15 ሽሕ ሩፒ [188 ዶላር] ክኽሕሶ ብይን ሂቡ።
ኣብ ልዕሊኡ እተን 20 ሩፒ ካብ 1999 ክሳብ 2022 ዓመታዊ 12 ሚኢታዊት ወለድ ተወሲኸወን ክኸፈለኦ፣ እቲ መንገዲ ባቡር ንቱንጉናዝ ቻተርቨዲ እቲ ዝተበየነሉ ሰልዲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክኸፍሎ እንዘይክኢሉ፡ እቲ ወለድ ናብ 15 ሚኢታዊት ክብ ክብል እቲ ቤት-ፍርዲ ብይኑ ሂቡ ኣሎ።
ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ እቲ ዝተበየነ ካሕሳ ናይቲ ዘባኸኖ ግዜን ብኣእምርኡ ንዓመታት በዚ ሓሳብ ብምሓቱን ዝድብስ ከምዘይኮነ ንቢቢሲ ዘይዕግበቱ ገሊጹ።
ስድርኡ፡ ግዜ ምብኻን’ዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ነቲ ክሲ ክስሕቦ’ኳ ምሕጽንታ የቕርብሉ እንተነበሩ ንሱ ግን ክሱ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ምኽሮም ዕሽሽ ይብሎ ምንባሩ’ውን ገሊጹ።
“እቲ ገንዘብ ኣይኮነን ዘገድስ፡ እዚ ቃልሲ ንፍትሕን ቃለሲ ኣንጻር ብልሽውናን’ዩ። እቲ ዝኸፈልክዎ ዋጋ ኸኣ ይግብኦ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣነ ንባዕለይ ጠበቓ’የ ስለዚ ንጠበቓ ዘውጽኦ ገንዘብ ኣይነበረንን፡ እዚ እንተዝውሰኾ እቲ ዋጋ ኣዝዩ ምኸበረ ነይሩ” ይብል ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንሱ ንዓመታት ተቃሊሱ ዝተዓወተሉ መስርሕ ፍርዲ ንኻልኦት ጽቡቕ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ “ዋላ ነገራት ይጸንክር ንሓቂ ኢልና ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ተስፋ ክንቆርጽ የብላን” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







