'ማንቸስተር ዩናይትድ ብሊቨርፑል ክድሃኹ’ዮም'- ግምት ተንታኒ ፕሪሜር-ሊግ

ኣርማ ማንቸስተርን ሊቨርፑልን

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ማንቸስተርን ሊቨርፑልን

ተንታኒ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ክሪስ ሳተን፡ ኣብቶም ንጽባሕ ቀዳም፡ ሰንበትን ሰኑይን ዝካየዱ ዓሰርተ ጸወታት ዘለዎ ግምት ሂቡሎም ኣሎ። ልዕሊ ዝኾነ ነገር ግን ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ዓወት ከምእተመዝግብ ኣፈይ መሊአ’የ ዝዛረብ ይብል።

ክሪስ ሳተን፡ ኣብ ሞንጎ ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝግበር ጸወታ፡ ማንቸስተር ኣብ ሜድኣ ክንደይ ሸቶታትይ ይምዝገባ ድኣ ንበል’ምበር ከምትስዓርሲ ትሑዝ’ዩ ብሃላይ'ዩ።

ቀዳም ቶተንሃምን ዎልቭስን ክገጥማ’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቶተንሃም ምስ ቸልሲ ኣብ ዝገበረዎ ጸወታ ትሑት ብቕዓት ከምዘርኣዩ ዝዛረብ ሳተን፡ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ዎልቭስ 3 ብ 1 ብምስዓር ከምዝርስርሱ ይገልጽ።

ክሪስታል ፖላስ ኣንጻር ኣስቶን ቪላ ኣብ እተካይዶ ጸወታ’ውን፡ ፓላስ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣንጻር ሊቨርፑል ዘርኣይዎ ናይ ዓወት ህልኽ ንናይ ጽባሕ ጸወታ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾኖም ዝገልጽ እቲ ተንታኒ፡ እቲ ግጥም ብናይ ሓደ ሸቶ ማዕረነት ክዛዘም’ዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዌስትሃም ዓወት ዝተጎናጸፉ ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ኤቨርተን ገይሾም ዘካይድዎ ጸወታ ቀሊል ኣይክኾነሎም’ዩ። 2 ብ 0 ክስዓሩ’ዩ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ።

ክሪስ ሳተን፡ ፉልሃምን ብሬንትፎርድን 1 ን 1 ክፈላለያ ግምት ክህበን እንከሎ ሌሲስተር ሲቲ ንሳውዝሃምፕተን 2 ብ 1 ክትስዕራ እያ ኢሉ።

ጽቡቕ ምጅማር ተርኢ ዘላ ኣርሰናል ቀንዲ ምንጪ ዓወታታት ጋብሬኤል ጂሰስ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ኣመስኪሩ’ዩ። እንተኾነ ኣንጻር እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብማንቸስተር ሲቲ ዝተሰዓረት በርንማውዝ ኣብ እትገብሮ ጸወታ፡ 2 ብ 0 ክትስዕር’ኳ ግምት እንተተውሃባ ጋብሬኤል ግን ሸቶ ኣይከመዝግብን'ዩ ክብል ሳተን ተነብዩ'ሎ።

ሰንበት ኣብ ዝካየጽ ጸወታ፡ ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሊድስ 3 ን 0 ክትስዕር፡ ዌስትሃምን ብራይተንን ማዕረ 1 ን 1 ክፈላለያ፡ ከምኡ'ውን ኒውካስትል ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ እትገብሮ ጸወታ ብዓወት ሲቲ 3 ን 1 ክዛዘም ክሪስ ግምቱ ኣንስፊሩ'ሎ።

ሰኑይ ዝካየድ ዝዓበየ ጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ከም ቀደም እንተዝኸውን ኣፍካ ማይ ዘምልእ ጸወታ’ዩ ምተብሃለ፡ የግዳስ ንህሉው ብቕዓት እዘን ክልተ ጋንታታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰብ ነቲ ብዓወት ሊቨርፑል 5 ን 1 ክዛዝም ክሪስ ሳተን ግምት ሂብሉ ዘሎ ጸወታ ምዕዛቡ ኣይክተርፎ'ዩ፡ ብምባል ንተደገፍቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ተስፋ ዘቑርጽ ግምት ኣስፊሩ’ሎ ተንታኒ ስፖርት ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ክሪስ ሳተን።