ዓለምለኻዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, ICRC
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ካብ መፋርቕ መስከረም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ፋኖን ውግእ ከም ዝተጠናኸረ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ጸብጺቡ።
ሓይልታት ፋኖ ዝተዋደደ ወፍሪ ጀሚሮም መኽሰብ እናረኸቡ ከምዘለዉ'ኳ እንተገለጹ፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ግን ግጭት ከም ዝነበረን "ከምቲ ዝግለጽ ዘሎ ከም ዘይኰነን" ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ርእሰ-ኸተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ወልድያ ንምቍጽጻር ንመዓልትታት ዝቐጸለ ግጭት ከም ዝነበረ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ንወልድያ ንምሓዝ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ህወሓትን ኤርትራ ንሓይልታት ፋኖ ይድግፉ ከም ዘለዉ ምኽሳሱ ይዝከር።
ህወሓት ከም ግብረ-መልሲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ክስታት መንግስቲ ፈደራል ነቲ ብተደጋጋሚ ዝጥሕሶ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ትዅረት ከይወሃቦ ዘዘናግዕ'ዩ፡" ኢሉ። "ናይ ሓሶት ክስታት ብምቕራብ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ይጽዕር ኣሎ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ "ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ብልጽግና ብተደጋጋሚ 'እንተ ተኻኢሉ ብሕጋዊ መንገዲ እንተ ዘይኰይኑ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ' ክብል ክጭርሕ ጸኒሑ'ዩ፡" ድሕሪ'ምባል፡ "ድፍረትን ዝመልኦን ኣዝዩ ዘደናግርን እዩ። 'ጭጕራፍስ'ያ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ' ከም ማለት እዩ፡" ክብል ነቒፉ።
ጉጅለ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብተን ቀንዲ ከተማታትን ከባቢታትን ዞባ ሰሜን ወሎ ሓደ ሰሙን ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሞት፡ ጅሆ ምትሓዝን ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወትን ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚቴ፡ እቶም ግዳያት ኣባላት ዕጡቓት ወይ ወተሃደራት ይዅኑ ሰላማውያን ሰባት ኣየነጸረን።
ኣብ ላሊበላ ነታ ጕጅለ ኮሚተ ዝመርሕ ማርቲን ታልማን፡ ካብቲ "ብሕማቕ" ዝተሃስየ ከባቢታት ኩልመስክን ሙጃን ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሰሜን ወሎ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም ወይ ቈሲሎም፡" ክብል ገሊጹ።
"ሰራሕተኛታት ማእከል ጥዕና ንዝቘሰሉ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ብውሱን ጸጋታት ይሕክሙ ኣለዉ። 16 ብኸቢድ ዝተጐድኡ እሱራት ንመብጣሕቲ ብህጹጽ ተላኢኾም፡" ክብል ጽንኩርነት ናይቲ መጕዳእቲ ገሊጹ።
ኣብ ላሊበላ፡ ወልድያን ከባቢኣን ንዝርከባ ሽዱሽተ ማእከላት ጥዕና ህጹጽ ናውቲ ሕክምና ከም ዘቕረበ ዘፍለጠ እቲ ኮሚቴ፡ ን250 ብኸቢድ ዝተጐድኡ ሰባት ናይ መብጣሕትን ሕክምናዊ ክንክንን ንምሃብ ደገፍ ከም ዝገበረ ገሊጹ።
እዞም ውጕኣት ወተሃደራት መንግስቲ ምዃኖም ዘመልከተ እቲ ኮሚቴ፡ ሓይልታት ፋኖ "ብበይናዊ ስጕምቲ" ከም ዘረከቦምን ኣብ ወልድያ ንመንግስቲ ከም ዝተሰጋገሩ ኣፍሊጡ።
ብ8 ጥቅምቲ 2025፡ መሳርሕቲ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሎ ብሓይልታት ፋኖ ዝተታሕዙ "እሱራት" ከም ዝበጽሑ እውን ገሊጹ።
ሓይልታት ፋኖ ኣብቲ ዝጀመርዎ ስርሒታት ሓያሎ ወተሃደራት ከም ዝማረኹ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘሎ ግጭት ዝተሳተፉ ዘለዉ ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብቲ ግጭት ዘይሳተፉ ምሩኻት ኲናትን ውጉኣትን (ኣባላት እቶም ወገናት ይዅኑ ሰላማውያን ሰባት) ክዕቅቡን ዓለምለካዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩን እቲ ኮሚተ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







