ምልሻታት ኣምሓራ ካብ ከተማታት ከምዘንሰሓቡን ተዛማዲ ህድኣት ከም ዝሰፈነን ተገሊጹ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለው ምልሻታት ካብ ገለ ቀንዲ ከተማታት ድሕሪ ምንስሓቦም ተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑ ምህላው ተገሊጹ።

ነበርቲ ናይ’ተን ክልተ ዝዓበያ ከተማታት እቲ ክልል ዝኾና ባህር ዳርን ጐንደርን ሎሚ ሓሙስ ንጉሆ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቲ ኩነታት ብተዛማዲ ከምዝሃድአ ተዛሪቦም።

እቲ ተዛማዲ ሰላም፡ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም በቲ ግጭት ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ንምፍጻም ኣኽኢሉ ምህላው ሓደ ነባሪ ባህር ዳር ገሊጹ።

መንግስቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሽዱሽተ ከተማታት እቲ ክልል ካብ ዕጡቓት ነጻ ናይ ምውጻእ ንጥፈታት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ ኔሩ።

ኣብ ባህር ዳር፡ ደብረ ማርቆስ፡ ደብረ ብርሃን፡ ላሊበላ፡ ጐንደርን ሸዋ ሮቢትን ዝነበሩ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም እዩ እቲ ላዕለዋይ እዚ ኣፍሊጡ።

ኣብተን ሽዱሽተ ከተማታት ተዋፊሮም ኔሮም ዝበሎምን “ጉጅለ ጥፍኣት” ከብል ዝገለጾምን እቶም ዕጡቓት፡ ዕጥቆም ከረክቡ ዝተዋሃቦም ዕድል ከምዘይተጠቀሙሉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ፌደራል ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ኣብታ ክልል ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክከታተል ዘቖሞ ላዕለዋይ እዚ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሰዓት እቶ እቶ ኣተግቢሩ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣጽዋር ሒዝካ ምንቅስቓስን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣጊዱ ኣሎ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ናብ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ መንግስቲ ንሰላማውያን ክጥንቀቕ ክምሕጸኑ ሓቲቱ።

እቲ ትካል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝወስድዎ ዘለው ስጉምትታት ዓፈናታት ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።

ብሪጣንያ፡ በቲ ጐንጺ ዝተዓገቱ ዜጋታታ ንምውጻእ ምቹእ ኩነታት ክሳዕ ዝፍጠር ኣብ ውሑስ ቦታ ክጸንሑ ኣቐዲማ ንዘቕረበቶ ጻውዒት ደጊማ ኣዘኻኺራ።