እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ መግለጺ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋን እንታይ ዝሓዘ እዩ?
ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ፋኖ ብዝብል ዝፍለጡ ዕጡቓት ስጉምቲ ከም ዝተወስደን “ልዕልና ሕጊ” ከም ዝተኸበረን ገሊጹ።
እቲ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ፡ ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ንደሓር ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘካየዶ ንጥፈታት ድሕሪ ምግምጋሙ ሎሚ 3 ነሓሰ 2015 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ ነዚ ኣመልኪቱ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ "ጉጅለ ጥፍኣት" ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ዝተዋህቦም ዕድል ተጠቒሞም ኣጽዋሮም ብዘይምርካቦም ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም ሓቢሩ።
ኣብ ባህርዳር፡ ደብረ ማርቆስ፡ ደብረ ብርሃን፡ ላሊበላ፡ ጎንደርን ሸዋ ሮቢትን ተኣኪቦም ኣብ "ምዝማትን ዕንወትን ዝተዋፈሩ ጉጅለታት" ብዝተወስደ ስጉምቲ፡ እተን ከተማታት ናብ ንቡር ሰላማዊ ኵነታት ምምላስ ከም ዝተኻአለ'ውን የመልክት።
ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ነቲ ግጭት ክቆጻጸሮ ከም ዘይከኣለ ብምግላጽ ምትእትታው መንግስቲ ፌደራል ድሕሪ ምሕታቱ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መንግስቲ ፌደራል፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዘጽደቐ ዝዝከር’ዩ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘተግብር ብኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ዝምራሕ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋን ከም ዘጣየሸ’ውን ይፍለጥ።
እቲ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋን ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ንደሓር ቀዳማይ ምዕራፍ ንጥፈታት ገምጊሙ ዘውጽኦ እዋናዊ መግለጺ እንታይ ዘጠቓልል እዩ?
ብዛዕባ ልዕልና ሕጊ እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ላዕለዋይ ኣካቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብተን ዝተጠቐሳ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተኣኪቦም "ኣብ ምዝማትን ዕንወትን ዝተዋፈሩ ጉጅለ" ስጉምቲ ብምውሳድ ሰላም ክሰፍን ምግባር ዝዓለመ ከም ዝነበረ እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።
እዘን ከተማማት “ጽዑቕ ህዝቢ፡ ልዑል ንጥፈታት ንግድን ቱሪዝምን ዘለወንን ማእከላት ፖለቲካን ኢንዱስትሪን” ብምዃነን ከም ዝተመርጻ ይሕብር።
ልዕልና ሕጊ ንክኽበር፡ “ግቡእ ደገፍ” ንዝገበረ ህዝቢ እቲ ክልል ዘለዎ ምስጋና’ውን ይገልጽ።
ብመሰረት ዝተዋሃቦ ስልጣን፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 14 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወን፡ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ዝሕዝዎም ውልቀሰባት ኣድላዪ ሓበሬታ ንህዝቢ ከም ዝዝርግሕን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ካብ ጽባሕ ሓሙስ ነሓሰ ጀሚሩ ናብተን ከተማታት ዝግበሩ ስሩዕ በረራታት ከም ዝጅምርን ብዘይካ ባጃጅን ሞተር ሳይክልን ኩሎም ዓይነታት መጓዓዝያ ከተማ ናብ ኣገልግሎት ከም ዝምለሱን ይሕብር።
ብተወሳኺ ትካላት መንግስቲ፡ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት፡ ንግዲ፡ ጥዕና፡ ፋይናንስን ካልኦትን ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምራ ምዃነን ኣፍሊጡ ኣሎ።
እንታይ ትእዛዛት ኣውጺኡ?
ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ኣገዳሲ ዝበሎም ትእዛዛትን ክልከላታትን የጠቓልል።
ብመሰረት’ዚ ኣብ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ደብረብርሃን፡ ደብረ ማርቆስ፡ ሸዋ ሮቢትን ላሊበላን ዝርከቡ ወሃብቲ ህዝባዊ ግልጋሎት ካብ 4 ነሓሰ ጀሚሩ ኣገልግሎት ክህቡ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ኣብዘን ከተማታት ክሳዕ 17 ነሓሰ 2015 ዝጸንሕ ሰኣት እቶ እቶ ኣዊጁ’ዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብዘን ከተማታት ብዘይካ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ተሽከርከርቲ፡ ሰብ ሞያ ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምናን መሳርሕቲ ትካላት ኣኽበርቲ ጸጥታን፡ ዝዀነ ሰብ ይኹን መኪና ድሕሪ ሰዓት 1፡00 ምሸት ከይንቀሳቐስ ብጥብቂ ከልኪሉ ኣሎ።
ኣብ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብዘይ ፍቓድ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህፁፅ እዋን ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ሰልፊታትን ተመሳሳሊ ንጥፈታትን ምክያድ ፍጹም ከም ዝተኸልከለ እውን እቲ መግለጺ የጠንቅቕ።
ኣብቲ ክልል ብዘይ ፍቓድ ሕጊ ኣጽዋር ምሓዝ ዝተኸልከለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ደብረብርሃን፡ ደብረ ማርቆስ፡ ሸዋ ሮቢትን ላሊበላን ድማ ካብ 4 ነሓሰ ጀሚሩ ባጃጅ፡ ብሽክለታን ሞተር ብሽክለታን ከይንቀሳቐሳ ምሉእ ብምሉእ ተኸልኪለን ኣለዋ።
ካብ ንቡር ሕጊ ወፃኢ፡ ውልቀ ሰባት ብጉልባብ ኣዋጅ ሰባት ከይኣስሩን ትካላት ንግዲ ከይዕሽጉን እውን ኣተሓሳሲቡ።