ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ እንታይ እዩ?

ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ኣዝዩ ሓደገኛን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ሕማም እዩ።
እዚ ኵነታት ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። ካብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት ካብ 39 ክሳብ 115 ኣብ ዝዀኑ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። ብቐንዱ ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ይጸልዉ።
ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ዘጋጠሞም ሰባት እንተተሓኪሞም፡ መብዛሕትኦም ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩ ይኽእሉ እዮም።
ይኹን እምበር፡ ኣብ እዋኑ መርመራ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
ሕክምና እንተዘይተገይሩሉ ግን ምስኡ ዝተኣሳሰር ልዑል ሞትን ሕማማትን ስለዘሎ ንሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል።
ኵነታት ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ሃልይዎም ካብ ዘይተሓከሙ ሰባት 30 ሚእታዊት ከምዝሞቱ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
እዋናዊ ሕክምና ካብ ዝረኸቡ ሰባት ግን ኣብቶም 8 ሚእታዊት ጥራይ ሞት ከጋጥም ይኽእል።
ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ እንታይ እዩ?
ምርጋእ ደም ንቡር መስርሕ እዩ፤ ኣካልና ርጉእ ደም ይሰርሕ እሞ ድሕሪኡ ድማ የቕጥኖ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ምፍሳስ ደም ንምክልኻል እዩ።
ኣብ ዝተወሰኑ ኵነታት ግን፡ እቶም ርጋእ ደም ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ተረርቲ ይዀኑ እሞ ኣካልና ዳግማይ ንኸቕጥኖም ይጽገም። እዚ ድማ ከቢድ ጸገም ጥዕና ከስዕብ ይኽእል።
ብሰንኪ ምንካይ ዋሕዚ ደም፡ ዘይንቡር ምርጋእ ደም፡ ወይ ድማ ኣብ መንደቕ ሰራውር ደም ብዝበጽሐ መጉዳእቲ፡ ደም ኣብ ሻምብቆታትን ሰራውርን ደም ክረግእ ይኽእል።
ኣብ ሰራውር ዘጋጥም ምርጋእ ደም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እግሪ እዩ ዘጋጥም። እንተዀነ ገለ ክፋል ናይቲ ርጋእ ደም ተበቲኹ ብደም ኣቢሉ ናብ ካልእ ክፋል ኣካላት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናብ ሳንቡእ ክጓዓዝ ተኽእሎ ኣሎ።
ርጋእ ደም ናብ ሳንቡእ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ይበሃል።
እዚ ድማ እቶም ደም ናብ ሳንቡእ ዘብጽሑ ሻምብቆታት ሃንደበት ክዕጸዉ ይገበር።
ንኣሽቱ ርጋ’እ ደም ፈጺሙ ምልክት ዘይከርእዩ ይኽእሉ እዮም፤ እቶም ማእከላይ ስፍሓት ዘለዎም ድማ ሃንደበታዊ ምቁራጽ ትንፋስ ከስዕቡ ይኽእሉ።
እቲ ርጋ’እ ዓቢ ምስ ዝኸውን ግን፡ ደም ናብ ሳንቡእ ከይውሕዝ ክገብሩ ስለዝኽእሉ፡ እቲ ሰብ ዕውለቱ ክስእን ወይ እውን ክመውት ተኽእሎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጠንቂ ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ እንታይ እዩ?
ኣብ መብዛሕትኡ ኵነታት ጠንቂ ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ፡ ኣብ ዓሚቝ ሰራውር እግሪ ዝፍጠር መርጋእቲ ደም እዩ።
ምረጋግእ ደም ዝበዝሕ ግዜ ኣብቶም ንቡር ምንቅስቓስ ኣካላት ዘይገብሩ ሰባት እዩ ዘጋጥም።
ኣብ ስድራቤቶም ታሪኽ ምርጋእ ወይ ምዝባዕ ደም ዘለዎም ሰባት እውን ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።
ድሕሪ ከቢድ መጥባሕቲ ወይ ስብራት እግሪ እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ፤ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እቶም ሰባት ንነዊሕ ግዜ እግሮም ከንቀሳቕሱ ስለዘይክእሉ እዩ።
ምስ ብመጥባሕቲ ዝግበር ወሊድ (ሲዛርያን ሰክሽን) ከምኡ’ውን ምስ ጥንስን ድሕሪ ወሊድን ምትእስሳር ከምዘለዎ’ውን ይግለጽ።
ክኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዕጽፊ መርጋእቲ ከጋጥመን ተኽእሎ ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ነዊሕ ናይ ነፋሪት ወይ መኪና ጉዕዞ ዝገብሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ዝሕብር መርትዖታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ምኽንያቱ ምንቅስቓሶም ክግደብን ማይ ጽምኢ ከጋጥሞምን ስለዝኽእል ደሞም ዝያዳ ክሓፍስን ናብ ምርጋእ ከምርሕን ተኽእሎ ኣሎ።
መንሽሮን ንመንሽሮ ዝግበር ሕክምናን እውን ምስ ሓደጋ ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ምትእስሳር ከምዘለዎ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, SPL
ካልኦት መርጋእቲ ደም ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ክብርኽ ዝገብሩ ኵነታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
- ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓራት ምድቃስ፡
- መጠኑ ዝሓለፈ ርጉዲ፡
- ሕቡጥ ሰራውር እግሪ (ቫሪከስ ቬይንስ)፡
- ሽጋራ ምትካኽ፡
- እርጋን፡
- መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣዝዩ ዝተሰብረ ዓጽሚ ዝወጽእ ስብሒ፡
- ሕበጥ፡
- ሕማም ልቢ፡
- ወቕዒ ልቢ፡ ከምኡ’ውን
- ልዑል ጸቕጢ ደም።
ምልክታት ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ
ምልክታት ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣዝዮም ክፈላለዩ ይኽእሉ። ዓይነት እቶም ዝረኣዩ ምልክታት ብዓቐን ናይቲ ርጋ’እ ደም፡ ህላወ መሰረታዊ ሕማም ሳንቡእ ወይ ልቢን ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናን ዝድረኹ እዮም።
ሓደ ካብቶም ልሙዳት ምልክታት፡ ሕጽረት ምስትንፋስ እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሃንደበት ዘጋጥም ኰይኑ፡ እዚ ጸገም እንተላይ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ዘጋጥምን ምስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ድማ እናገደደ ዝከይድን ምልክት እዩ።
ካልእ፡ ሓያልን ሃንደበታውን ቃንዛ ኣፍልቢ እዩ። እዚ ዳርጋ ከም ወቕዒ ልቢ ዘጋጠመ ዓይነት ስምዒት ኰይኑ፡ ምስትንፋስ ክዓግት ይኽእል።
ህርመት ልቢ ወይ ጸቕጢ ደም ሃንደበት እንተ ወሪዱ ድማ ዕውለት ምጥፋእ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ።
ካልኦት ዋሕዚ ደም እናተዓጽወ ምስ ዝኸይድ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ምልክታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፤
- ምንጽርራው፡
- ረስኒ፡
- ካብ መጠን ንላዕሊ ረሃጽ፡
- ደም ዝሓወሰ ንጓል ዘለዎ ሰዓል፡
- ቅልጡፍ ወይ ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ፡
- ምስ ጻዕሪ እናገደደ ዝኸይድ ሕጽረት ምስትንፋስ፡ ከምኡ’ውን
- መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ድሕሪት ታሕተዋይ እግሪ ዘጋጥም ሕበጥ ወይ ቃንዛ ወይ ክልቲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንታይ ጸገማት የስዕብ?
ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ እንተዘይተሓኪሙ ንሞት ከሳጥሕ ዝኽእል ሕማም እዩ።
ብተወሳኺ ሓያሎ ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ከምዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።
ብፍላይ ኣብ ልቢ ልዑል ሕልዋ ኣለዎ፤ እዚ ዘይስሩዕ ህርመትን ካልኦት ጸገማት ልቢን የጠቓልል። ልቢ ሃንደበት ህርመት ክተቋርጽ ስለትኽእል ድማ ቅድሚ ዕድመ ናይ ምሟት ሓደጋ ኣዝዩ ልዑል ይኸውን።
ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ሳንቡእ ኣብ ዝርከብ ሽፋንን ፈሳሲ ክእከብ ስለዝገብር፡ ንሕጽረት ምስትንፋስ፡ ደረቕ ሰዓልን ቃንዛ ኣፍልብን ከቃልዕ ተኽእሎ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ ዘስዕቦም ከበድቲ ጸገማት፡ ኣብ ገለ ቲሹታት ሳንቡእ ዘጋጥም ሞት እዩ። እዚ ኦክስጅን ዝሓዘ ደም ናብ ቲሹ ሳንቡእ ከይበጽሕ ምስ ዝዕገት እዩ ዘጋጥም።
ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ እንተዘይተሓኪሙ ኣብ ሳንቡእ ልዑል ጸቕጢ ደም ከስዕብ ይኽእል። እዚ ድማ ኣብ የማናይ ሸነኽ ልቢ ጸቕጢ ክውስኽ ስለዝገብር፡ የማናይ ልቢ ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ክትሰርሕን ምስ ግዜ ጠንቂ ድኻም ልቢ ክኸውንን ይኽእል።
ኣብ ሳንቡእ፡ ምስ ግዜ እናገዘፉ ዝኸዱ ብዙሓት ንኣሽቱ ርጋ’እ ደማት እውን ክፍጠሩን ኣብ ከይዲ ንዝኸፍአ ሓደጋ ከቃልዑን ይኽእሉ።
ብኸመይ ይሕከም?
ዘይተሓከመ ሃንደበታዊ ምዕጋት ሱር ደም ሳንቡእ፡ ኣዝዩ ቀታሊ እዩ። ካብ 10 ሰባት ኣብቶም ሰለስተ ሞት ከስዕብ ይኽእል።
ስለዝዀነ ህጹጽ ሕክምና ምግባር ወሳኒ እዩ።
ነዚ ኵነታት ዝእዘዙ ዝተፈላለዩ መድሓኒታትን ዝወሃቡ ፍወሳታትን ኣለዉ።
እቶም መድሓኒታት፡ ነቲ ርጋ’እ ደም ክቐጥንን ክብተንን ዝሕግዙ እዮም።
ካብ ሳንቡእ ርጋ’እ ደም ዝውገደሉ ከምኡ’ውን ዝተዓጸወ ሻምብቆ ንምኽፋትን ዋሕዚ ደም ንምምላስን ዝሕግዙ መስርሕ ሕክምናታት እውን ኣለዉ።
ብሓፈሻ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ምልክታት ዝረኣዩ ሰባት፡ ብህጹጽ ናብ ሕክምና እንተኸይዶም ውጽኢታዊ ፍወሳ ክረኽቡ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
* እዚ ጽሑፍ'ዚ መሰረታዊ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ ጥዕናኹም ዘሰክፈኩም ነገር እንተሃልዩ፡ ንሓኪም ክትውከሱ ይግባእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







