ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰለስተ ዜጋታቱ ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, HOSTAGE AND MISSING FAMILIES FORUM
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጋዛ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰለስተ ዜጋታቱ ብስሕተት ከም ዝቐተለ ኣፍሊጡ።
እዞም ብሰራዊት እስራኤል ዝተቐተሉ ሰለስተ ዜጋታት፡ ወዲ 28 ዓመት ዮታም ሃይም፣ ወዲ 22 ዓመት ሳሚል ታላልካን ወዲ 26 ዓመት ኣሎን ሻመሪዝን ይበሃሉ።
ሰለስቲኦም እስራኤላውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓማስ ሸውዓተ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ጅሆ ካብ መንጎ ዝተትሓዙ 240 ሰባት እዮም።
ሰራዊት እስራኤል፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰለስተ ግዳያት ኣብ ዓውደ ውግእ ንኣባላት ሰራዊት ብስሕተት ከም “ሓደጋ” ተገይሮም ስለ ዝተርኣዩ’ዮም ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ነዚ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ብከቢድ ሓዘን ልብና ተሰይሩ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ዜጋታትና ብዝተፈፀመ ቅትለት ንዝሓዘኑ ኩሉ ፅንዓት እምነ” ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢድ ሓማስ ዝርከቡ ኩሎም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ሓራ ንምውፃእ እስራኤል ቆራፅ’ያ ዝበለ እንትኾን፡ ሰለስቲኦም እስራኤላውያን ህይወቶም ኣብ ዝሰኣንሉ ወፍሪ ንዝተሳተፉ ወተሃደራት ድማ ናእድኡ ገሊፁ።
እቶም ወተሃደራት ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ሓራ ንምውፃእ፡ ንህይወቶም ከይሰስዑ ናብ ሓደገኛ ዞባ ኣትዮም’ዮም ኢሉ።
እዞም ሰለስተ እስራኤላውያን ብናይ ገዛእ ሃገሮም ሰራዊት ምቕታሎም ስዒቡ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ እስራኤላውያን ናብ ጐደናታት ቴልኣቪቭ ብምውፃእ፡ መንግስቲ ንጅሆታት ሓራ ከውፅእ ፀዊዖም።
ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ መደብር ሰራዊት ምክልኻል እስራል ብምኻድ፡ “ናብ ገዝኦም ምለስዎም፣ ምልውዋጥ ጅሆታት ሕዚ!” ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ተቓዊሞም።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ንግዳያት እዚ ቅትለት ንምዝካር ድማ፡ ሽምዓ ኣብሪሆም።
ሰራዊት እታ ሃገር፡ ኣብ ቅትለት እቶም እስራኤላውያን ምርመራ ይገብር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰራዊት ዘውፅኦ መግለፂ፡ “በዚ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ፡ ንኣባላት ስድራ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ፅንዓት ይምነ” ይብል።
ግዳያት እዚ ቅትለት ናይ ዝኾኑ ሰለስቲኦም ዜጋታት ሬሳ፡ ናብ እስራኤል ከም ዝመለሰ ድማ ኣፍሊጡ።
ቅድም ክብል፡ ሓማስ መቋረፂ ብዘይብሉ ደብዳብ እስራኤል 50 ጅሆታት ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ ነይሩ።
እስራኤል ሓማስን ብኣሸማጋልነት ኳታር ብግዝያውነት ተኹሲ ደው ብምባል፡ ምልውዋጥ እሱራትን ጅሆታትን ከም ዝገበሩ ይዝከር።
ሕዚ’ውን ግና ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







