ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊኡ ንዝቐረበ ክስታት ምኽፋል ግብሪ ነጺጉዎ

ናይ 20 ቅርሽታት ፓውንድ ዓዲ-እንግሊዝ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንኤርትራውያን ብምፍርራሕ ክልተ ሚእታዊት ክኸፍሉ ከምዘገድዶም ብሓደ ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ዝተፈረመ ጸብጻብ ከሲሱ።

እቲ ኣባል ባይቶ ጎይቶት (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ዝኾነ ሎርድ ዴቪድ ኣልቶን ዝፈረመሉ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ "ብተዘዋዋሪን ምናልባት'ውን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኣብ ብሪጣንያ" ክልተ ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ግብሪ የኽፈል ከምዘሎ ይጠቅስ።

"ኣብ ዘይክፈለሉ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ሳዕቤኑ ካብ ምንፋግ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ክሳብ ምስርጣይ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቤተሰብ ከይተረፈ፡ ይፋላለ፡ እዚ ድማ ምቕሳብ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ "ግብሪ ረዲኤትን ዳግመ-ሕውየትን ኤርትራ" ክብል ዝገለጾ ክፍሊት ብምፍርራሕን ምቕሳብ ከምዘይፍጸም ኣብሪሁ።

እቲ ጸብጻብ "ሎርድ ኣልቶንን ተሓባበርቶምን ንኤርትራን መንግስታን ንምህሳይ ክሳብ ክንደይ ክወርዱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርኢ ተወሳኺ ኣብነት'ዩ" ክብል እቲ ብረቡዕ ዝወጸ መግለጺ ነቒፉ።

እቲ ኤምባሲ ናብ ኤርትራ ንዝስደድ ሬሳታት ከይተረፈ ግብሪ የኽፍል'ዩ ንዝብል ክሲ'ውን "ሓቅነት ዘይብሉ ኣባሃህላ" ብምባል ነጺግዎ።

ኣብ 2015፡ እቲ ኤምባሲ ብምፍርራሕን ብምቕሳብን ክልተ ሚእታዊት ግብሪ የኽፍልን ይዝርፍን ኣሎ ዝብል ክስታት ቀሪብሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ፖሊስ ለንደን ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ ግን፡ ገበን ከምዝተፈጸመ ዘርኢ "እኹል ጭብጢ" ክረክብ ከምዘይክኣለ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ ሓያለ ሰባት ኣዘራሪቡ ከም መርትዖታት ኣቕሪብዎ ዘሎ ጭብጥታት ኣብ ግምት ብምእታው "ምሉእ፡ ወግዓዊን ምሉእ ምወላ ዝተገብረሉን ህዝባዊ ምጽራይ" ክግበረሉ ጸዊዑ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ ፖሊስ ለንደን ኣብዚ ረኺበዮ ዝበሎ ሓደስቲን ናይ ዝሓለፈን መርትዖታት ብምምርኳስ ከምብሓድሽ መርመራ ከካይድ ተማሕጺኑ።

ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ስለያዊ ምክትታልን ምፍርራሕን ከምዘካይዱ ንዝቐርበሎም ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።

ናይ 10 ባጤራ ናቕፋ

ምንጪ ስእሊ, AM

ኣብ ለካቲት 1995 ዝወጽአ ኣዋጅ ቁጽሪ 67/1995 ካብ ኤርትራ ወጻኢ እናነበሩ እቶት ዝረኽቡ ኤርትራውያን 2% ካብ ኣታዊታቶም ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ እዩ።

ሓላፍነት ምእካብ እቲ ግብሪ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምስካም ድማ "ብመንገዲ ኤምባሲታት ቆንስላትን ካልኦት ልኡኻትን" ክከታተሎ ይእዝዝ።

እንተኾነ ግና እቲ ኣዋጅ፡ ንጹርነት ዝጎደሎን ኣብ ውሳነ ናይቶም ኣብቲ ኤምባሲታት ነታ ስራሕ ዘካይዱ ውልቀሰባት ዝምርኮስን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

እቲ ክሳብ ሕጂ ሕጋዊ ክለሳ ዘይተገብረሉ ኣዋጅ፡ ንኩነታት መነባብሮ (ከም ናይ ቆልዑ፡ ናብራ፡ ከምኡ'ውን ፍሉይ ወጻኢታት) ናይቶም ዝኸፍሉ ሰባት ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምዝኾነ ድማ ይገልጹ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ በቲ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ምፍራሱ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላትን ብምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ጸብጻባት የረድኡ።

እታ ድኹም ቁጠባ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ።

ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰብ ዝስደድ ገንዘብ (ረሚታንስ) ከኣ ሓደ ካብ ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጭታት እቶት ምዃኑ ይግለጽ።