ልኡል ስዑዲ ዓረብ ንሓማስ፣ እስራኤልን ምዕራባውያንን ማዕረ ነቒፉ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ልኡል ስዑዲ ዓረብ ቱርኪ ኣልፋይሳል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ኣመልኪቱ መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።
እቲ መደረ ካብ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ስዑዲ ዓረብ ትጽቢት ዘይግበረሉን ብዘይተለምደ መልክዑ ግልጽን እዩ።
ክሳዕ ሕጂ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ኵነታት ዘለዋ መርገፂ ካብ ዝሕብሩ ዝያዳ ዝነጸረ መደረ ናይቲ ልኡል ምዃኑ ይዝረብ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕትን ከምኡ’ውን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቃዛ ዘካየደቶ ደብዳብን ስዒቡ፡ እቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣዝዩ ዝኽበር ልኡል ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት መጥቃዕቲ ብምፍጻማን ንክልቲአን ወገናት ብግልጺ ኮኒንወን። ጀጋኑ ኣይነበሩን፡ ግዳያት ጥራይ’ምበር ኢሉ።
ኣብ ዓረባዊ ዓለም መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ልኡል ቁጥዐ ኣብ ዝፈጠረሉ እዋን፡ ልኡል ቱርኪ ንሓማስ ዝነቅፍ ሳሕቲ ዝረአ ድምጺ ዓረብ እዩ።
ንሱ ኣብ ሂዩስተን ኣብ ዝርከብ ራይስ ዩኒቨርሲቲ ንኣመሪካውያን ተዓዘብቲ ኣብ ዘቕረቦ መደረ’ዩ ወቐሳኡ ኣስሚዑ።
ተግባራት እቲ ጉጅለ፡ ኣንጻር እቲ 'ሰላማውያን ሰባት ከይጉድኡ' ዝብል እስላማዊ ትእዛዝ ምዃኑ ገሊጹ። ካብቶም ብሓማስ ዝተቐትሉ ወይ ዝተጨውዩ መብዛሕትኦም ሲቪላት እዮም።
ጥንቁቕን ሓሳባውን ዲፕሎማትን ሓላፊ ሰላዪን ነበር ልኡል ቱርኪ፡ "ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ፍልስጤማውያን ሰላማውያን ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ ቦምባ ብምድብዳብ" ከምኡ'ውን "ፍልስጤማውያን ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዘይ ኣፈላላይ ብምእሳር" ንእስራኤል ዝኸሰሰ ክኸውን ከሎ ንሓማስ ዝምልከት’ውን ሚዛኑ ዝሓለወ ነቐፌታ ኣስሚዑ።
ንሱ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ንምግላጽ "ምኽኒት ዘይብሉ መጥቃዕቲ" ዝብል ሓረግ ምጥቃመን ኣመልኪቱ፡ "እስራኤል ንሰለስተ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ካብ ዝገበረቶ ንላዕሊ እንታይ ምኽኒት የድሊ..?" ክብል ሓቲቱ።
"ኩሎም ብወተሃደራዊ መንገዲ ዝተጎበጡ ሰባት ንጎበጣ ናይ ምቅዋም መሰል ኣለዎም" ኢሉ።
ልኡል ቱርኪ ወሲኹ፡ ምዕራባውያን ፖለቲከኛታት "እስራኤላውያን ብፍልስጤማውያን ክቕተሉ ከለዉ ነቢዖም" እንተዀነ ግን "እስራኤላውያን ንፍልስጤማውያን ክቐትሉ ከለዉ ሓዘን ክገልጹ’ኳ" ኣይከኣሉን ክብል ኮኒኑ።
ብድሕሪ’ዚ እዩ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣመሪካ ብኹሎም ንጹሃት ግዳያት ከም ዝሓዘነት ገሊጹ።
ብድሕሪ እቲ መደረኡ እቲ ልኡል እንታይ ክፈልጦ ዝኽእል ነገር ኣሎ?
መጀመርያ ምስቲ ብልኡል ዘውዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝመሓደር ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ሃገሩ ከይተዘራረበ ነቲ መደረ ከስምዕ ተኽእሎኡ ትሑት’ዩ።
ልኡል ቱርኪ ምሉእ ብምሉእ ሓረግ ትውልዲ ንጉሳውያን ኣለዎ። ኣቡኡ እቲ ኣብ 1975 ዝተቐትለ ህቡብን ዘመናዊ ዝዀነን ንጉስ ፋይሳል እዩ። ሓዉ እውን ክሳዕ ኣብ 2015 ዝመውት ንነዊሕ እዋን ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣገልጊሉ ነይሩ።
ልኡል ቱርኪ ኣብ ኣመሪካን እንግሊዝን ዝተማሃሮ ትምህርቲ፡ ኣብ ባህልን ኣተሓሳስባን ምዕራባውያን ብዋጋ ዘይልካዕ ኣረኣእያ ከም ዝሃቦን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዋሽንግተንን ዋይትሆልን ኣብ ዝርከቡ ወሃብቲ ውሳነ ናይ ምሉእ ዕድመ ርክባት ከም ዝህልዎን ገይርዎ’ዩ።
ቀጺሉ ድማ ሓላፊ ስለያ ስዑዲ ዓረብ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን ድማ ፍሉይ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ን24 ዓመታት ክፍሊ ስለያ ወጻኢ ሃገራት ኣመሓዲሩ እዩ።
ኣብ 2001 ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ኣብ ለንደን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዋሽንግተን ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኰይኑ።
ኣብ ለንደን፡ ኣብቲ ኤምባሲ ዝነበረ ወሃቢ ቃሉ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ነይሩ። እቲ ጋዜጠኛ ኣብ 2018 ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ብወከልቲ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ተቐቲሉ። ስዑዲ ዓረብ እቲ ቅትለት ብዘይፍቓድ ዝተፈጸመ "ዕሱብ ስርሒት" ክትብል ወቒሳ።
እቲ ወዲ 78 ዓመት ልኡል ኣብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ሓላፍነት ዘይብሉ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብተን ውሑዳት ኣጋጣሚታት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብግልጺ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ስዑዲ ዓረብ መሳጢ ርድኢት ይህብ’ዩ።
ገዛእቲ ስዑዲ ዓረብ ንሓማስ ኣይፈትውዎን ። ብሓቂ ብዙሓት መንግስታት እቲ ዞባ እውን ኣይፈትውዎን እዮም። መራሕቲ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ንሓማስን ነቲ "ፖለቲካዊ እስልምና" ዝብሎ ሰውራዊ መርገጺኡን ንዓለማዊ መግዛእቶም ሓደጋ ከም ዝዀነ እየን ዝርእይኦ።
ኣብ ፋታሕ ብዝብል ዝጽዋዕ ኣብ ሰልፊ ያሰር ዓራፋት ዝተመስረተ በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ኣብ 2007 እዩ ብሓማስ ካብ ቃዛ ተባሪሩ። ገለ ካብ ኣባላቱ ኣብቲ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ናይ ሓድሕድ ግጭት ካብ ናሕሲ ነዋሕቲ ህንጻታት ተደርብዮም’ዮም።
ሓማስ ኣብ ቐጠር ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እኳ እንተሃለዎ፡ ቀንዲ ደጋፊኡ ግን ንነዊሕ እዋን ምስ ስዑዲ ዓረብ ታሪኻዊት ተነሓናሒት ዝዀነት ኢራን እያ።
ስዑዲ ዓረብን ኢራን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት እቲ ወጥሪ ከብቅዕ ብወግዒ እኳ እንተተሰማምዓ፡ ኣብ መንጎአን ግን ሕጂ’ውን ርኡይ ዘይምትእምማን ኣሎ።
እዚ እናሃለወ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቃዛ ደብዳብ ምፍጻማ ብሓባር ብምኹናን ንመንግስቲ ፍልስጤም ዘለወን ደገፍ ደጊመን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምእማኑ ዘጸግም፡ ቅድሚ ወራር ሓማስ ስዑዲ ዓረብ ልክዕ ከምቲ ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬንን ሞሮኮን ዝገበርኦ ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ጽቡቕ መንገዲ ጀሚራ ነይራ እያ። ሕጂ ግን እዚ ደው ኢሉ ይርከብ።
ሓያሎ ተንተንቲ፡ ሓማስ ኣብ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ እቲ ርክባት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ፍረ ከየፍሪ ንምግባር ካብ ዝነበሮ ድሌት ዝተበገሰ ምዃኑ ይኣምኑ። ምኽንያቱ ዕውት እንተዀይኑ፡ ሓማስን ኢራንን ኣብቲ ሓድሽ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሕ ጽልዋ ኣይህልዎምን።
ኣብቲ ዞባ ነገራት ናብ ንቡር ክምለሱ ድዮም?
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብቲ ዞባ ነገራት ናብ ንቡር ክምለሱ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ኣጸጋሚ’ዩ።
እስራኤልን ንምድርዳር ድሌት የብላን፤ መንግስታት ዓረብ ድማ ኣብ ጎደናታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ እስራኤል ተቓውሞታት የማዓድዉ እዮም ዘለዉ።
እቲ ሕጂ ኣብ ቃዛ ዘሎ ግጭት ምስ ተዛዘመ ግን፡ ሽዑ ዓሚቝ ባጀት ስዑዲ ዓረብ ንዳግመ ህንጸት ቃዛ ንምምዋል ክሕግዝ ተኽእሎ ኣሎ።
መደረታት ልኡል ቱርኪ ምክትታል ዝዀነ ይኹን ቀጻሊ መርገጺ ስዑዲ ዓረብ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







