እስራኤል - ቓዛ፡ ቀንዲ እዋናዊ ምዕባለታት - ኣፍደገ ራፋ ተኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተወሃሃደን ሃንደበታውን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም፡ ልዕሊ 1400 ሰባት ቀቲሉ ኣስታት 200 ድማ ጅሆ ካብ ዝሕዝ፡ ሎሚ ቀዳም ክልተ ሰሙን ኣቝጺሩ ኣሎ።
ፈዳይ-ሕነ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘይተ’ኣደነ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ። በዚ ድማ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ካልኦት ኣሽሓት ከም ዝቘሰሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ቓዛ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልዋላው፡ ምፍንቓልን ዕንወት ኣባይትን ትካላት ሕክምናን ድሕነት ኣስዒቡ ይቕጽል ኣሎ።
ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ከምዝሓበሮ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝርከብ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 400 ሕሙማትን 12 ሽሕ ተመዛበልቲ ሲቪላትን ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ሆስፒታል ኣል-ቝዱስ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ ኣሕሊፋ ከምዘላ ሓቢሩ።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ዝተባህለ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ "ዘሰክፍ" ክብል ብምግላጽ፡ "እዘን ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተጨናነቓ ሆስፒታላ፥ ሕሙማተን ብውሑስ መንገዲ ከውጽኣ ኣይከኣልን እዩ" ክብል ኣስሚሩሉ።
ኣፍደገ ራፋ ተኸፊቱ - ፍስልጤማውያን ረዲኤት ሃንቀው ይብሉ

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ኣብ ዝጽበዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣስታት 175 ኣገደስቲ መድሃኒታት፡ መግብን ማይን ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ሸነኽ ግብጺ ኣፍደገ ራፋ ክጽበያ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ዶብ ተኸፊቱ ክኣትዋ ጀሚረን ከምዘለዋ ተፈሊጡ።
ኣብ መንጐ ደቡባዊ ቓዛን ግብጽን ዘሎ ኣፍደገ ራፋ፡ እስራኤላውያን ናብቲ ዝተኸበበ ከባቢ ፍልስጤም ሓገዝ ክፈቕዱ ዝተሰማምዑሉ እንኮ መሕለፊ እዩ። እተን ካልኦት መሳገሪታት፡ ኣብ መንጐ ቓዛን እስራኤልን ኣብ ዝርከብ ዕረዝን ከረም ሻሎምን፡ ብሓይልታት እስራኤል ተዓጽየን ኣለዋ።
እስራኤል ኣብዚ እዋን’ዚ 20 ናይ ጽዕነት መካይን ጥራይ ናብ ቓዛ ክኣትዋ ፈቒዳ ኣላ። ሕቡራት ሃገራት ድማ እቲ ዝድለ ቅልጡፍ ሓገዝ ንምቕራብ እንተወሓደ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ከምዘድሊ ይገልጽ።
ኣሜሪካ፡ ኣፍደገ ራፋ ኣብ ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ንግሆ ክኽፈት ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብኡ መሰረት ኣብዚ እዋን ተኸፊቱ ኣሎ፤ ክሳብ መዓስ ክፉት ኰይኑ ከምዝጸንሕ ግን ኣይተፈልጠን።
ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጐ ቓዛን ግብጽን ዝርከብ ኣፍደገ ዶብ ራፋ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ኣቢሉ ከምዝኽፈት "ሓበሬታ ከምዝበጽሖ" እዩ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።
እተን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ኣገደስቲ መድሃኒታት፡ መግብን ማይን ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ሸነኽ ግብጺ ናይ ኣፍደገ ራፋ ደው ኢለን ክሓልፋ ድሉዋት ኰይነን ምጽንሐን ካብቲ ቦታ ዝተዘርግሐ ቪድዮታትን ኣሳ'እልን የመልክት።
እዚ ድማ እቲ እስራኤል ዘይትቆጻጸሮ እንኮ መሳገሪ ናብ ቓዛ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵሎም ናብ ቓዛ ዝኣትዉ ኣፍደገታት ተዓጽዮም ኣለዉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብቲ ገና ተዓጽዩ ዘሎ ኣፍደገ ራፋ - ዶብ ቓዛን ግብጺን ብኣካል ተረኺቡ፡ እተን ረዲአት ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ብዝተኻእለ ቅልጣፈ ክሳገራ ዓሚቝ ልመና ኣቕሪቡ ነይሩ።
እዚኣተን ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ፍልልይ ዝውክላ እየን ድማ ኢሉ። እንተዀነ ገና ክፍትሑ ዘለዎም ጉዳያት ከምዘለዉ ተዛሪቡ። እስራኤል ናብ ሓማስ ዝኾነ ነገር ክበጽሕ ፈጺማ ኣይትፈቅድን ኣላ።
ብተወሳኺ ነዳዲ ክኣቱ ስለዘይተፈቕደ፡ እዚ መግቢ መድሃኒትን ኣብ ቓዛ’ውን እንተኣተወ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ንምክፍፋሉ ከም ዝጽገም ጉተረዝ ኣመልኪቱ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ዶብ ምስተኸፍተ ብዙሓት ሰባት ክሰግሩ ከምዝፍትኑ ንግምት፤ ናብ ግብጺ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዜጋታት ኣሜሪካ ድማ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ዶብ ዕግርግርን ስርዓት ኣልቦነትን ክህሉ ዝኽእል ሃዋህው ክጽበዩ ኣለዎም" ይብል።
እቲ ዶብ እንተተኸፊቱ ወጻእተኛታት ዜጋታት ንክሰግሩ ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕ ንጹር ኣይኰነን ይብል።
እቲ ኤምባሲ፡ እቲ ኵነታት ንዜጋታት ኣሜሪካ "ዳይናሚካውን ተቐያያርን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ጸጥታዊ ኵነታት ድማ ክትግምቶ ዘይከኣል" ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰባት ቅድሚ ናብ ዶብ ምኻዶም ወይ ክሰግሩ ምፍታኖም ድሕነቶም ክግምግሙ መኺሩ።
ሓማስ ጅሆ ንዝሓዞም ንምፍታሕ ይሸማገል ኣሎ
ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኣስታት 200 ሰባት እቶም ቀዳሞት ክልተ ብዓርቢ ብመንጐኛነት ቐጠር ብዝተገብረ ስምምዕ ተፈቲሐን ኣለዋ።
እተን፡ ጁዲት ራናንን ጓላ ናታሊን ዝተባህላ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ድሕሪ እቲ ከቢድ እዋን ክልተ ሰሙን ምፍትሐን ስድራቤተን እፎይታኦም ገሊጾም። ኣቦ፡ ኣብ ህይወቱ "ዝኸፍአ ክልተ ሰሙን" ከምዘሕለፈ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጹ። ወዲ 17 ዓመት ሓው ናታሊ "ልዕሊ ዓቐን ስምዒት ሓጎስ እዩ" ክብል ነቲ ፍሉይብ ስምዒት ንቢቢሲ ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ሓማስ፡ ብ 7 ጥቅምቲ ድሕቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሰባት፡ ንገለኦም ንምፍታሕ ተኹሲ ደው ንምባል ይዘራረብ ከምዘሎ ይግለጽ።
መብዛሕትኦም እቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ 203 ሰባት ንምፍታሕ ዝርርብ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ሓማስ ኣምሳያ ምፍታሕ እቶም እሱራት ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ከምዝጠለበን ይስማዕ ኣሎ።
እስራኤል ግን ክሳብ ሕጂ ምስቲ ዝቐረበ ሓሳብ ከምዘይትሰማምዕ ይንገር።
እዚ ብኣህጉራዊያን መንጐኛታት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ዝተነግረ ዝርርብ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ትኹረት ብምግባር ይካየድ ኣሎ። ዝርዝር ናይዚ ዝርርብ ብዝምልከት ካብ ክልቲኡ ወገን ዝዀነ ወግዓዊ መረጋገጺ ክሳብ ሕጂ የለን።
ብዘይካ’ዚ፡ ኵሎም እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ኢድ ሓማስ ከምዘይኰኑን ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም ከምዘለዉን ይንገር።
ቐጠር፡ ጽልዋኣ ኣብ ምፍታሕ ኣሜሪካውያን ጅሆ ብኸመይ?
እዚ ቅልውላው ካብ ዝጀመረሉ ህሞት ኣትሒዙ፡ ከም መንጐኛ ንኽትዋሳእ ካብ ዝዀነት ሃገር ንላዕሊ ቀንዲ ክትከውን እትኽእል ሓንቲ ሃገር ኣላ - ቐጠር እያ።
እታ ሃገር፡ ንኽልቲኡ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስን ሰፊሕ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካን - ኣልዑደይድ ዘአንገደት እያ።
ኣባላት ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ፍስልጢማውያንን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸምዎ ስንብራት ዝሓደገ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሻድሻይ መዓልታቱ፡ ጸሃፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ኣሚር ቐጠር ተራኺቡ።
ቀንዲ ዛዕባ ዝርርቦም ድማ፡ ኣብቶም ብቓዛ ዝተወስዱ ጅሆ ዝተታሕዙ ዘተኵር ነይሩ።
ቐጠር ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዘለዋ ጽልዋ ተጠቒማ ምፍታሖም ንምሕጋዝ ክትሕግዝ ምዃና ኣፍሊጣ። መዓልታት ዝወሰደ ረቂቕ ምስጢራዊ ዝርርብ ከኣ ተኻይዱ።
ኣብ ቐጠር ኤምባሲ እስራኤል’ኳ እንተዘይሃለወ፡ መንጐኛታት ቐጠር ምስ ክልቲኦም ሓማስን እስራኤላውያንን ተዘራሪቦም።
ሕጂ ክልተ ጅሆ ተታሒዘን ዝጸንሓ ኣደን ጓል ኣመሪካውያን ተፈቲሐን ኣለዋ።
እታ ሃገር በቲ ዝገበረቶ፡ ካብ ክልቲኦም - ፕረዚደንት ኣመሪካን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያን - መጐስ ረኺባ ኣላ፤ ካልኦት ክስዕቡ ተስፋ ከምዘለዋ ድማ ገሊጻ።
ሓደ በዓል ስልጣን ቐጠር፡ ሓማስ ከም ኣምሳያ ልቃቕ ናይዘን ክልተ ኣሜሪካውያን እንታይ ረኺቡ ይኸውን ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፤ “ዋላ ሓንቲ የለን፡ መርኣያ ሰናይ ድሌቱ ጥራይ እዩ፡” ክብል መሊሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ንምፍታሕ ዝግበር ጻ’ዕሪታት ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ፤ ብኸመይ ግን ኣየነጸረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







