እስራኤል ንቓዛ ቅድሚ ምውፋራ ዘጨነቓ ዘይተፈትሐ እንተታት?

ልዕሊ 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክፅንበሩ ተጸዊዖም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክፅንበሩ ተጸዊዖም ኣለዉ።

ሓማስ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ሃንደበታዊ ወራር ምክያዱ፡ ከም ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ ዝዓለመ ሰራዊት እስራኤል ናብ ቓዛ ክወፍር ካብ ዝዳሎ መዓልታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ልዕሊ 300 ሽሕ ዕቝር ሰራዊት፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክጽንበሩ ተጸዊዖም ኣብ ተጠንቀቕ ኣለዉ።

ኣብ ዶብ ቓዛ ብወገን እስራኤል ዝርከብ ሕርሻታትን ግራውትን፡ ብታንክታት፡ ከበድቲ መዳፍዕን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክሳብ ኣፍንጫኦም ዝተዓጠቑ ኣጋር ሰራዊት፡ ምሉእ ናይ ውግእ ክዳን ዝለበሱን እዮም።

ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ጥርጡር መሕብኢ ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን መኽዘን ኣጽዋርን ክሃርም ጸኒሑ’ዩ፡ ኣብዚ መስርሕ ድማ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከምኡ’ውን ውሑዳት ኣዘዝቲ ሓማስ ቀቲሎምን ኣቝሲሎምን ኣለዉ።

እቲ ብሰሉስ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝተፈጸመ- ክልቲኦም ወገኖት ዝወናጀሉሉ ዘለዉ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ከጓሃህሮ እዩ ዝመስል።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝተሓነየትሉ ወራር ዘይጀመረት ደኣ ስለምንታይ እዩ?

ዑደት ባይደን

ኣብዚ ሰሙን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ እስራኤል ዝገበሮ ዑደት፡ ዋይት ሃውስ ብዛዕባ እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ከምዝተጨነቐት ዘርኢ እዩ።

ዋሽንግተን ክልተ ዓበይቲ ስክፍታታት ኣለዋ- እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን እዚ ግጭት ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ምስፋሕ ሓደጋን።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ እስራኤል ናብታ ኣብ 2005 ካብ ዝወጸቶ ጎበጣ ቓዛ ከይትምለስ ተሪር ተቓውሞ ገሊጹ ኣሎ። እዚ "ዓቢ ጌጋ" ክኸውን'ዩ ኢሉ።

መገሻ ባይደን ናብ እስራኤል፡ ኣሜሪካ ከም ፈታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስትራተጂያዊ ደገፍ ንምርኣይን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘለዋ መደባት ንምስማዕን እዩ።

ብዘይወግዓዊ መገዲ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቤንያሚን ናታንያሁ ገለ ምግታእ ክግበር ኣትሪሩ ጸዊዑ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

ኣሜሪካ፡ እስራኤል ናብ ቓዛ እንተኣትያ፡ ‘ብኸመይን መዓስን ክትወጽእ መደብ ከምዘለዋ’ ክትፈልጥ ትደሊ እያ።

‘ኣየርፎርስ ዋን’ ኣብ ጥቓ ተልኣቪቭ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ምሉእ ወተሃደራዊ ወራር ክትጅምር፡ ንኣሜሪካ ይዅን ንእስራኤል ጽቡቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ በቲ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዓረብ ቓዛ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ዘጸልመተ ዑደቱ፡ ነቲ እስራኤል ዝሃበቶ መመኽነይታ ብግልጺ ደጊፉ ኣሎ።

ሰበስልጣን ፍልስጤም ግን፡ ኣየር እስራኤል ነቲ ሆስፒታል ከምዝሃረመት እዮም ዝኣምኑ።

ቢቢሲ፡ ኣማኢት ሞት ዘስዓበ ፍጻመን፡ ጠንቂ ናይቲ መጥቃዕትን ብናጻ ንምርግጋጽ ይሰርሕ ኣሎ።

ቅርሕንቲ ኢራን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኢራን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ብዘይ ግብረመልሲ ክተርፍ ከምዘይክእል ተሪር መጠንቀቕታታት ኣውጺኣ ኣላ። እዚ ብጭቡጥ እንታይ ማለት እዩ?

ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ምልሻታት ሺዓ ትምውል፡ ተሰልጥን፡ ተዕጥቕን ብመጠኑ ድማ ትቈጻጸሮምን እያ። ካብዚኦም እቲ ዝሓየለ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ ኰይኑ፡ ኣብ ስግር ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ዓስኪሩ ይርከብ።

ክልቲኦም - ሕዝቦላህን እስራኤልን - ኣብ 2006 ሃሳዪን መወዳእታ ዘይብሉን ኲናት ኣካይዶም፡ ዘመናዊ ታንክታት ውግእ እስራኤል ብሕቡእ ነተጉትን ብድብያንን ክወድቃ ተራእየን።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሕዝቦላህ ብሓገዝ ኢራን ዳግማይ ተዓጢቑ፡ ሕጂ ድማ ናብ 150 ሽሕ ዝጽጋዕ ሮኬታትን ሚሳይላትን ከምዝውንን ይግመት፤ ብዙሕ ካብኡ ድማ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዕዝን፡ ሽቶኡን ዝሃርምን እዩ።

እስራኤል ንቓዛ እንተወሪራ፡ ብኡ ንብኡ ሕዝቦላህ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ሓድሽ ግንባር ክኸፍት ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝቦላህ ነዚ ኲናት ከም ዝደልዮ ብፍጹም ርግጸኛ ኣይኰነን፤ ብፍላይ ክልተ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝጓዓዛን ንእስራኤል ንምሕጋዝ ድሉዋት ዝዀና ጉጅለታት መጥቃዕቲ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝተቐረባሉ እዋን።

እዚ ድማ ንእስራኤል፡ ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ካብ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕሪን ኣሜሪካ ኣዕናዊ ሕነ ምፍዳይ ከስዕብ ከምዝኽእል ገለ ምትእምማን ክፈጥረላ ይኽእል እዩ።

ኣብ 2006፡ ኣብ ምጅማር ኲናት እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ፡ እቶም ዕጡቓት ንሓንቲ መርከብ ውግእ እስራኤል ኣብ ባሕሪ ብሓደ ዝተራቐቐ ጸረ-መራኽብ ሚሳይላቶም ክሃርምዎ ከምዝኸኣሉ ግን ምዝካር የድሊ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

መንግስቲ እስራኤል፡ ንሓማስ ካብ ቓዛ ካብ ሱሩ ንምብንቋስ ክብል ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ምስ ዓለም ፍጾም ከጻልኦን ከባትኾን ይመስል።

ብሰንኪ ዘይሕለል መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል፡ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን ሲቪላት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ዝወሰዶ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ዝውሕዝ ዝነበረ ዓለማዊ ምድንጋጽ፡ ንቓዛውያን ንምክልኻልን ብዝለዓለ ጫውጫው ተተኪኡ ኣሎ። .

ሓይሊ ምድሪ እስራኤል፡ ናብ ቓዛ ምስ ዝኣቱ ድማ፡ ቍጽሪ ሞት ዝያዳ ክውስኽ ጥራይ እዩ።

ወተሃደራት እስራኤል እውን ክሞቱ እዮም። እንተዀነ፡ ዝበዝሕ ጾር ናይቲ ዝወርድ ክሳራ ዝስከም ሲቪላዊ ህዝቢ እዩ ዝኸውን።

ፍሽለት ስለያ እስራኤል

ስለያ እስራኤል፡ ኣብ ታሪኹ ዝሓመቐት ወርሒ እዩ ኣሕሊፉ።

ሺን ቤት፡ ዝተባህለ ትካል ስለያ ውሽጢ ሃገር፡ ነቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ሓማስ ክመጽእ ብዘይምርኣዩ ቀዳማይ ውድቀት ተሰኪሙ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ቓዛ መርበብ ሓበሬታ ዝህቡን ሰለይቲን ክህልዎ ዝግባእ ዝነበረ ኰይኑ፡ ንኣዘዝቲ ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ዝከታተል እዩ።

እንተዀነ እቲ ኣብታ ቀዳም ንግሆ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዘጋጠመ ድሕሪ ኲናት ዮም ኪፑር ኣብ 1973፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸፍአ ውድቀትን ፍሽለትን ስለያ ተገይሩ እዩ ዝቝጸር ዘሎ።

ስለያ እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ጌጋኡ ንምእራም ጻዕሪ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣስማትን ኣቀማምጣን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ከምኡ’ውን ኣዘዝቲ ሓማስ ኣበይ ተሓቢኦም ከምዘለዉ ንምፍላጥ ክሕግዞ እዩ።

ኣጋር ሓይልታት ብርግጽ እንተኣትዮም፡ ሽዑ ብቐጥታ ናብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ከቕንዑ ሓበሬታ ንምእካብ ዝያዳ ግዜ ክሓቶምን ይኸውን።

ኣብ መንጐኡ፡ ካብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውግዘት ኣሎ።

ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ድማ፡ ንዝዀነ ዝግስግስ ሰራዊት እስራኤል ድብያን መጻወድያን መደብ ኣውጺኦም ክዀኑ እዮም።

ብፍላይ እቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጹ ገለርያታት ሓደገኛታት ክዀኑ እዮም። ስለያ እስራኤል ኣቀማምጣኦም ንምፍላጥን ብመሰረት እዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሓበሬታ ንምሃብ ከድልዮ እዩ።